ብልምዓት ኮሪደር ብርክት ዝበለ ነባሪ ሂወቱ ተቐይሩ ‘ዩ

ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዙርያ ልምዓት ኮሪደር ምስ ተወከልቲ ዝተፈላላዩ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብዚ ሰሙን ዘተ ምግባሩ ዝዝከር ‘ዩ። ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ፅሪትን ንመንበሪ ምችውቲን ከትኸውን ዝተጀመሩ ልምዓት ኮሪደራት ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ተወዲኡ ምዕራፍ ክልተ ተጀሚሩ ‘ዩ። ብምዃኑ ኣብዚ ከይዲ ልምዓት ኮሪደር ዝካየደሎም ከባቢታት ዝነብሩ ነበርተን ዝተፈላላዩ ክፋል ሕብረተሰብን በቢደረጅኡ ዘተ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

ስራሕቲ ኮሪደር ብሓፈሻ ብኹሉ ነባሪ ሕብረተሰብ ዝካየድ ከም ምዃኑ መጠን፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ካልኦት ላዕለዎት ምምዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ምስ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት፣ ወከልቲ ነበርቲ እታ ከተማ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ ዝመሳሰሉ ኣካላት መድረኽ ዘተ ተገይሩ ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ እተን ከንቲባን ካልኦት ላዕለዎት ምምሕዳር እታ ከተማን ምስቲ ልምዓት ኮሪደር ተተሓሒዞም ንዝተለዓሉ ሕቶታት መልሲ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፣ ምስ ልምዓት ኮሪደር ተተሓሒዞም ዝተለዓሉ ሕቶታት መብርሂ እንትህባ፣ ብንእሽተይ ወይ ብዝተወሰነ ዘተታት ተረዲኦም ሓጊዞም፣ ተሓባቢሮም፣ ኣታሓባቢሮምን እዚ ልምዓት እዚ ንህዝቢ ጠቓሚ ከምዝኾነ ብቕልጡፍ ተረዲኦም ምስሳና ኮይኖም ንዝሰርሑ ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ልቢ ከመስግኖም እፈቱ። ኣካይዳ እቲ ልምዓት ጥራሕ ‘ዮም ጠይቖም።

ካብዚ ወፃኢ ተሎ ኣብ ምስራሕን ምትሕብባርን ፅቡቕ ‘ዩ ነይሩ፤ ተሓጕሶም ‘ውን ‘ዮም ተቐቢሎምና። ምሳና ኮይኖም ብታሕጓስ ሰሪሖምን ተሓባቢሮምን ‘ዮም። ካብ መንበሪ ኣብ ምልቃቕ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ንልምዓት የድሊ ‘ዩ ኣብዝተባህለ ኩሉ ተሓባቢሮም ‘ዮም። ንስኻትኩም ከይደቐስኩም ንሕና ጥራሕ ከመይ ኢሉ ድቓስ ይወስደና ብምባል ኩሉ ዝኸኣልዎ ኣስተዋፅኦ ኣብ ምግባር ሰፊሕ ስራሕቲ ዝሰርሑ ብዙሓት ‘ዮም።

ካብዚ ብምብጋስ ዝተፈላላዩ ናይ ልምዓት ተላዓልቲ ካብቲ ዝኸድዎ ቦታ ማለት ናይ ከተማና ነበርቲ ዝኾኑ ዝሰራሕኽሙዎ ንምጉብናይ ኢና መፂእና እናበሉ ኣብቲ ዝለምዐ መንገዲ እናጎብነዩ ንረኽቦም ኢና። ቕልጡፍ ዝኾነ ናይ ትሕብብር፣ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፣ ናይ ምትእምማን፣ ነቲ ልምዓት ናይ ምድጋፍ ሓላፊነት ወሲዶም ሓቢሮም ምሳና ሰሪሖምን ‘ዮም።

ሰብ ሃፍቲ ማሽነሪኦም ብምሃብ ተሓባቢሮምና፣ ህንፀኦም ብባዕሎም ኣማላኺዖም፣ ቐለማት ኣብ ምቕባእ ሒጊዞም፣ ንኸተማና ኣብ ዘማላኽዑ ነገራት ሓቢሮም ሰሪሖም ‘ዮም። ነዚኦም ክብርን ምስጋናን ይግበኦም። ልምዓት ኮሪደር ኣብ ንሰርሐሉ እዋን በዙ ደረጃ ኣኽቢሩ ዝሰርሕ ዘሎ ማሕበረሰብ ሕቶታት ወይ ድማ ካሊእ ኣገልግሎት ንደሓር ኢልና ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ኣስማዕሚዕና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ብጣዕሚ ብዝተናበበ መንገዲ ተሊምና ለይትን ቐትርን ንሰርሕ ዘለና ዓርስና ኣእሚና ኢና።

ካልኣይ ነገር ድማ ስራሕ ብምክፍፋል ‘ዩ፤ ኣብ ቢሮ ከገልግል ዘለዎ ኣብ ቢሮ የገልግል፣ ካልኦት ስራሕቲ ክሰርሕ ዘለዎ ክሰርሕ ከምዘለዎ፣ ንሕና ድማ ሙሉእ ግዜና ኣብ ልምዓት ኮሪደር ጥራሕ ኣይኮነን። ኮሪደር ነተሓባብር ካልኦት ስራሕቲ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ንሰርሕ። ንህዝብና ንምግልጋል፤ ቖሪፅና ኢና ተላዒልና ኣቲና። እዚ ሓቐኛ ዝኾነ ሰብ ኩሉ ዝምስክሮ ጉዳይ ‘ዩ። ህዝቢ ክቕየር፣ ሃገር ከትቕየር ከምዘለዋ ኣሚና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ህዝቢ ካብ ሕማቕ ናብራ ከወፅእ ኣለዎ ኢልና ኢና ለይትን ቐትርን ንሰርሕ ዘለና። ስለዚ ንህዝብና ብኹሉ ነገር ኢና ነገልግሎ ዘለና።

ንኣብነት ናህሪ ዋጋ ተላዒሉ ‘ዩ፤ እዚ ስለ ዝነበረ ኣይኮናን ዲና ህፃናት ተማህሮ ኣዲስ ኣበባ ኣብዘይሓጥያቶም ምግቢ እንተይሓዙ፣ ምግቢ ከምዝሓዙ ባዶ መቋፀሪ ምሳሕ ሒዞም ናብ ትምህርቶም ክኸዱ ዝግበር ዝነበረ። እንደገና ምሳሕ ከምዘለዎም ምሳሕ ኣለና ኢሎም ኣብዘይ ዕድሚኦም ክሕስዉ እናተገብረ ዝነበረ ሕዚ ግና 8ሚኢቲ ሽሕ ህፃናት ተማህሮ እናቐለብና ዶ ኣይኮናን ዘለና። ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ኣይቐየርናን ዲና።

ካብዚ ንለዓሊ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ይደሊ። ን8ሚኢቲ ሽሕ ተማህሮ ዩኒፎርም ነቐርብ ኣለና፤ ደፍተርን ናይ ትምህርቲ መሳርሒ ነቀርብ፣ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ማለት ንጉሆን ቐትርን፤ ማለት ንጉሆ ቑርሲ ይበልዑ፣ ቀትሪ ድማ ምሳሕ በሊዖም ንገዝኦም ይኸዱ። ትውልዲ ክህነፅ ኣለዎ፤ ሃገሮም እናፀልኡን እናማረሩን ክዓብዩ የብሎምን።

ኣዴታት ኣዲስ ኣበባ ናይ ናብራ ፅዕንቶ ብዝግባእ ሪአንኦ ኣለዋ፤ ካሊእ በቢቦትኡ ልእሊ 190 ናይ ሰንበት ቦታት እዳጋ ኣማቻቺና ካብ ስሱዕ ነጋዴ ሕብረተሰብና ኣድሒናዮ ኢና። ከምዚ ዝገበርና ናብራ ህዝብና ስለ ዝርደአና ኣይኮነን ድዩ? ናብ ኣዲስ ኣበባ መእተዊ ዝኾኑ በርታት ዓበይቲ ናይ ማእኸላት እዳጋ፣ ብቢሊዮን ዝኣክል ልክዕ ከም ልምዓት ኮሪደር ብፍጥነት ዝሃነፅናዮ ፅዕንቶ ናብራ ስለ ዝርደአና ኣይኮነን ድዩ? ንምንታይ ቕድሚ ሕዚ ከምዚ ኣይተገብረን? ሓረስታይ ቐጥታ ፍርያቱ ኣምፂኡ ክሸይጥ፣ ደላሎ ካብ ማእኸል ክወፁ ኣይገበርናን ዲና? እዚ ጥራሕ ኣይኮነን።

ሽማግለታት ሃገሮም ኣገልጊሎም በቢቦትኡ ወዲቆም ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምግቢ ምርካብ ስኢኖም ኣይተመልከትናን ዲና? እንዲያዉም ተረዳእቲ ተስፋሕፍሑ ኣለኹም እናተባህለ ንሕና እናዳምፆን እንርእዮን ክነገልግሎ ቓል ንዝኣተናሉ ህዝብና ኢና። ከምዚ ከንገብር እንተለና ትችት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሓቂ ዝኾ ስራሕ ብምስራሕ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምብላዕ ዝኣበዮም፣ 21 ናይ ምግቢ ማእኸላት ሃኒፅና መጊብና ኢና።

እዚ ካብ ናይ መንግስቲ ባጀት ወፃኢ 30ሽሕ ገዛውቲ ሃኒፅና ብናፃ ድኻታት ኣልዒላ ዘአተናሉ ኩነታት እኮ እኒሀ። እዚ ድማ ካብ ሕጊ ምግዳድ ዝተለዓለ እንተይኮነስ ናይ ሕሊና ስራሕ ኢና ሰሪሕና። ኣብዚ ጉዳይ ዘግድድ ሕጊ የለን። እዚ ካብ ናይ መንግስቲ ባጀት ወፃኢ ካብ ዝሃነፅናዮ 30 ሽሕ ገዛውቲ ሃኒፅና ካብ ሕማቕ ጋዛውቲ ኣልዒልና ኢና ናብዚ ጥዑይ ገዛውቲ ክኣትዉ ገይርና። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ምልዓል ይከኣል ‘ዩ። ብዙሕ ፀገማት ኢና ኣቓሊልና።

ኮሪደር ልምዓት ከንሰርሕ እንተለና መበገሲና ስትራክቸራል ፕላን እዩ፤ ብዝግባእ ሰብ ሞያ ኣፅኒዖሞ ‘ዮም። ናይ ከተማ መዋቅራዊ ፕላን፣ ካብዚ ብምልዓል መብዛሕትኡ ዘፅናዕናዮም ከባቢታት እቲ ደኩመንት ግልፂ ስለዝኾ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ናይ ከተማ ቅርፂ ዘይብሉ ከባቢት፣ ኣዝዮም ብርስሓት ዝመልኡ ከባቢታት ማለት መፋስስ ዘይብሎም ቦታታት ኣስተኻኺልና ኢና።

ኣዝዮም ብጉሓፍ ዝመልኡ ከባቢታት ንኢትዮጵያውያን ዘይምጥኑ ከባቢታት ከምዝነበሩ ትፈልጡ ኢኹም። እዚ ሓቒ እዩ ወዲ ሰብ ምስ ናይ ርስሓት ዘለዎ ፈሳሲ ከመይ ኢሉ ክነብር ይኽእል? ብዙሓት ብጭቓ ዝተሰርሑን ዝኣረጉን ገዛውቲ ቀይርና ኢና። እዚ ብምስራሕና ከንምስገን ይግባእ እምበር ወቀሳ ኣይግበአናን። ስለዚ ብዙሕ ነገር ብምስራሕ ከተማና ናብዝሓሸ ደረጃ ቐይርናያ ኢና።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባን ጉዳያት ካቢኔን ሓላፊ ዝኾኑ ኣይተ ጥላሁን ወርቑ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤ እዚ ልምዓት ኮሪደር እንብሎ ምልማዕን ምሕዳስን ከተማ፣ ከምእንደጋና ምህናፅን ከተማ፣ ቅድሚ ሕዚ እንታይ ዓይነት ልምምዳት ነይሮም ዝብሉ እንዲያውም፤ ቐንዲ ቐንዲ ነገራት ንምልዓል፣ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ካብ ብሳዕሪ ጀሚሩ ማለት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተመስረተትሉ እዋን ኣዲስ ኣበባ ብፕላን ዝተመስረተት ከተማ ኣይኮንትን፤መብዛሕትኦም ነበርታ ብሰነድ ኣልባ ዝነብሩላ፣ ብመልክዕ ሰፋራ ዝነብሩላ፣ ንሽማን ግብራን ዘይምጥን ከተማ እያ ኔራ፤ ስለዚ ነዚ ንምቕያር በቢዘመኑ ዝነበሩ ዝተፈላላዩ ፃዕርታት ገይሮም ‘ዮም።

ቅድሚ 1928 ዓ.ም ቅድሚ ግዝኣት ጣልያን፣ ኣብ 1948 ‹‹የብር ኢዮቤል ግዜ››፣ ብ 1955 መምምስራት ሕብረት ኣፍሪካ ጀሚሩ ክሳብ 1966 ኣብዮት፣ ክሳብ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ(ካሳንችስ መሊስካ ምልማዕ፣ ልደታ፣ ፊት በር፣ ማለት ኣብ ኮሪደር ክሳብ ዝበፃሕና እታ ከተማ ንህዝባ ብትምጥን፣ ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ብትምጥን መልክዑ ንምስራሕ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ።

ኣብዚ ስራሕ እዚ ንዓና ዝረኣየና እቲ ዝዓበየ ስራሕ ግንዛበ ምጭባጥ ዘድል ኣብዚ ስራሕ እዚ ህይወቱ ዝተቐየረ ብርክት ዝበለ ነባሪ ኣሎ። ህይወት ነበርቲ ተቐይሩ ‘ዩ። እዙይ ሰብ ክግንዘቦ ንደሊ። ብፍላይ ቕድሚ ሕዚ ብልምዓት ኣብ ዝለዓሉ ሰባት ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማት ፈፂሙ ከይድገም፤ ኣብዚ ልምዓት እዚ ሓደ ዜጋ ክጉዳእ የብሉን፤ ከትርፍ ‘ዩ ዘለዎ፤ ናይዚ ልምዓት እዚ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዜጋታት ምብላፅግ ‘ዩ። ብልፅግና ኢትዮጵያ ከንብል እንተለና ናይ ኣዲስ ኣበባ ነበርቲ ኩለንተናዊ ኣእምሮኣዊ፣ መንፈሳዊ ማሕበራዊ፣ ብልፅግነኦም ክረጋገፅ፣ ህይወቶም ክቕየር ‘ዩ።

እቲ ዕላማ እዚ ‘ዩ። እቲ ሓዱሽ ወለዲ ነዚ ከም ልምዲ ወሲዱ ክጥቐመሉን ክመሃረሉን ተሓሳቢ ተገይሩ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ። ንልምዓት ዝተለዓሉ ወገናት ድማ ዝሓሸ መንበሪ ረኺቦም እፎይ ኢሎም ዝነብርሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ካሊእ ንዘመናት ተረሲዖም ዝነበሩ ገማግም ሩባታትን ሩባታትን እታ ከተማ ከም እንደጋና ናብ ናይ ተፈጥሮ ማንነቶም ክምለሱ ኣብ ምግባር እታ ከተማ ንነበርታን ንቱሪዝምን ምችውቲ ብምግባር ከምኡ ‘ውን ንዝህዝባ ብትምጥን መልክዑ ብዙሓት ስራሕቲ ምስራሕ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣባባ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ እንትገልፁ፣ እዚ ኮሪደር እንትስራሕ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ መንበሪ ገዛ ወዘተ ፀገም ከየጋጥም ተሓሰብቲ ብምግባር ‘ዩ። ኩሉ እቲ ስራሕ ሰብ ተኮር ‘ዩ።

ኣዲስ ኣበባ ምስ ምምጋብ ተማህሮን ካልኦትን ተተሓሒዙ ኣብ ብዙሓት ሰብ ተኮር ስራሕቲ እትሰርሕ ዘላ ከተማ ‘ያ። ዘላቒ ዝኾኑ ልምዓታት እናተሰርሑ ኮይኑ ኣብ ንሰርሖም ልምዓት ኮሪደራት ግልፂ ዘይኮነ እንተልዩ ግልፂ ዝኾነ መብራህርሂ እናሃብናን መፂእና ኢና፤ ሕዚ ‘ውን ንህዝብና ግልፂ እናገበርና ከንቕፅል ኢና።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You