ንረብሓ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ክበሃል ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይፅበብ!

ፖለቲካ ዝብል ቃል ካብ ዜጋ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመፅአ ከምዝኾነ ይንገር። ኣብዚ እዋን ፖለቲካ ማለት ብጉጅለ ዝተወደቡ ውለቀ ሰባት ናይ ሓባር ውሳነ ንምብፃሕ ዘኽእሎም ኸይዲ ከምዝኾነ ‘ውን ይግለፅ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ፖሎቲካ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ ኣርእስትታትን ዝትንክፍ ምዃኑን ኣዝዩ ዝለዋወጥ ባህሪ ዘለዎ ዓውዲ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ‘ዩ። ብግቡእ እንተተጠቂምናሉ ፖለቲካ ንሓደ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡

ምኽንያቱ ኣገዳስነት ፖለቲካ ኣብ ሃገር ሓደ ህዝቢ ስሉጥ ምሕደራ ንምርግጋፅ፣ ማሕበራዊ ስርዓት ንምሕላው፣ ድሕንነት ዜጋታት ንምዕዛዝን ከምኡ ‘ውን ናብ ዝሕሸ ምዕባለ ክመርሕ ዝኽእል ‘ውን ስለዝኾነ። እዚን ካለኦትን ረብሓታት ክህልዎ ዝኽእል ድማ ብግቡእ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝምራሕ እነተኾይኑ ‘ዩ፡፡

ዲሞክራሲ እቲ ቀንዲ ኣገባብ መፍትሒ ፀገማት ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። እቲ ዝበዝሐ ደገፍ ዝረኸበ ስነ- ሓሳብ ወይ ዝምባለ ድማ ከም መፍትሒ ይውሰድ። ኣብዚ ሕድገታት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ስነሓሳባትን ዝምባለን ናይ ክልተ ጫፋት ኣማእኪልካ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ‘ውን ይክኣል። ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ ስለስተ ነገራት ሓገዝቲ ግደ ክፃወቱ ከምዝኽእሉ ‘ውን ይግለፅ ‘ዩ፡፡ ንሳቶም ድማ ሓበሬታ፣ ተሳትፎ ህዘቢ፣ ምቁፅፃርን ነቀፌታትን ዝኣምሰሉ ‘ዮም።

ሓበሬታ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ምሉእን ሓቅነቱ ብዘትኣማምንን ናብ ህዝብ ክዝርጋሕ ግቡእን ግዴታን ‘ዩ። መራኸቢ ብዝሃን ኣብ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኣብ በላ በለውን ሓሜታን ሕንፍሽ-ፍሽን ‘ዩ ዝነብር። ህዝቢ ብዛዕባ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ንዝካየዱ ፍፃሜታት ንምክትታልን ምቁፅፃርን ‘ውን ይሕግዞ። ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ይኹን ካብ ሃገር ወፃኢ ዝርከብ ብዛዕባ ሃገሮም ዝግበሩ ንጥፈታት ግቡእ ሓበረታ እንተረኺቦም በቲ ሓበሬታ መሰረት ‘ውን ኣብ ዋኒን ሃገሮም ብግቡእ ክሳተፉን ግቡኦም ከበርክቱን የኽእሎም።

ተሳትፎ ምግባርን ሓሳባት ምግላፅን፤ ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዝኽተላ ሃገራት ህዝባዊ ጉዳያት ዝምልከቱ ክትዓትን ዘተን ኣብ ነፃን ግልፅን መድርኽን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ህዝቢ ይቀርቡ። ዜጋታት ናይታ ሃገር ድማ ካብቲ ዝካየድ ዘተ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ተሳተፍቲ ብምዃን ኣፍልጥኦም ብምብራኽ ሃናፂ ዝኾኑ ርኢቶታትን ሓሳባትን የካፍሉን ይሓቱን። ብኡ ኣቢሎም ‘ውን ትኽክል መሲሉ ንዘይረኣይዎ ካብ ምሕታት ሓሊፎም ይቆፃፀሩን ይነቅፉን፡፡

ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ምቁፅፃር ኣብ ሃገራዊ ትካላትን ህዝባዊ ረብሓታትን ዝምልከት ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ተቀሚጡ ይርከብ። እዚ እኹል ስለዘይኮነ ድማ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን ዝካየዱ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ቁፅፅርን ነቀፌታን ይካየዱን ኣብ ህዝቢ ይዝርግሑን። እቲ መስርሕ ድማ ኣብ ናይ መንግስትን ህዝባውን ትካላት ጥራይ ተሓፂሩ ከይተረፈ ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ትካላት ‘ውን ይቕፅል።

እዚ ንክኸውን ድማ ንረብሓ ህዝቢ ደው ዝበሉ ኮሎም ውድባት ፖለቲካን ማሕበራትን ብሓባር ብምዃን ድሌት ህዝቢ ካብ ማንም ንላዕሊ ብምስራዕ ዋና ሕርያ ህዝቢ ዝኾነ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ንክመፅእ ኩሎም ፓለቲካዊ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ናይ ፓለቲካ ኣፈላላይ ንድሕሪት ገዲፎም ወይ ንጎኒ ኣፅኒሖም ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቦም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ክቃለሱ ‘ዩ ዝግባእ።

ከም ዝፍለጥ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ መዓነዋይ ኵናት ኣብ ሂወቱን ኣብ ንብረቱን እዙይ ዘይበሃል ከቢድ መከራን ኣብ ልዕሊኡ ድሕሪ ምብፅሑ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ሰላሙ ከስተማቕር፣ እቲ ዝተማዛበለ ናብ መረበቱ ተመሊሱ፣ ሓረስታይ ክሓርስ፣ ነጋዳይ ክነግድ፣ ተመሃራይ ክምሃር፣ መምህር ከምህር ኮታስ ኩሉ በቢ ሞይኡ ሰሪሑ ሰላማዊ ናብራ ክቅፅል ኣብ ዝተሃንቀወሉ እዋን ስለ ህዝቢ ደውዝበልና ኢና ዝብሉ ፖለቲከኛታት ኣብ ክንዲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ፖለቲካዊ ኣፋላላዮም ኣፅቢቦም ንድሌት፣ ባህግን ሕውየትን ህዝቢ ዝረባረቡ ብግልባጡ ተወሳኺ ኣብ ስቃይን ስግኣትን ተሸቢቡ ንኽነብር ተወሳኺ ምኽንያት ኮይኖም ይቕፅሉ ኣለው፡፡ እዚ ናይ ብሓቂ ህሊና ንዘለዎ ሰብ ክንድምንታይ መሕፈርን ክሳድ ዘድፍእን ተግባር ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ጉጀለኣዊ ኣፈላላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት ኣእትይዎ ‘ዩ ዝርከብ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ጉጀለኣዊ ምትፍናናት እናበረትዐ ከይዱ ውድብ ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሉ እንተብቕዕ ነንሕድሕዱ ብኣሽሙርን ብግልፅን ቓላት ክጠቓቓዕ ይረኣይ ኣሎ። እቲ ኣብ ክልተ ጉጅለ ገሊኦም ‘ውን ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ከምዝተኸፈሉ ዝንገረሎም ዘሎ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ እንተኾነ እዙይ ዝበሃል ዝግለፅ ዘይምህላው እቲ ህዝቢ ንሓደ ዝሓሸ ጉጀለ ‘ውን እንተኾነ መሪፁ ምስኡ ደው ከይብል ኣማራፂ ብምስኣኑ ብድፉኑ ተስማዕምዑ ካብ ምባል ሓሊፉ ካሊእ ክብል ኣይኽእልን ዘሎ፡፡

ብሰንኪ ሕመቕን ውድቀትን መሪሕነትን ፖለቲካ ኣብ ዘይሓጥያቱ ኣብ ስቃይን መከራን ንክወድቅ ዝተገደደ ህዝቢ ድሕሪ ውዕሊ ፐሪቶርያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም እቲ ህዝቢ ዝፅበዮ ካብ ዝሓለፈ ስሕተታቶም ተማሂሮም ዝሓሸ ሰላም፣ ዝሓሸ ልምዓት፣ ሙሉእ ሕውየትን እምበር፤ ካባይ ንላዕሊ ንህዝቢ ዝቃለስ የለን ዝብል ውድብ፤ እዛ ወንበረይ መን ይወርሳ ብዝብል ብሰሓቦን ጉተቶን ናብ ዕንክሊል ኣትዩ ንህዝቢ ተወሳኺ ስግኣት፣ ኣብ ስደት ንዘሎ ህዝቢ ኣደዳ መከራን ስቃን ኾይኑ ንኽቕፅል ተወሳኺ ምኽንያት ክኾን ‘ዮም ኢሉ ዝሓስብ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡

ዝኾነ ኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ጉጅለታት ዝተፈጠረ ዕብዳን ፖለቲካ ተወሳኺ ዋዒ ንዘይምፍጣርን ኣብዝሓ ትዕግስቲ ገይሩ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ንክፈትሕዎ ዕድል ኣብ ምሃብ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ይኹን እምበር ንኹሉ ትዕግስቲ ገደብ ስለዘለዎ፤ ትዕግስቲ ህዝቢ ከወድኡ የብሎምን፡፡

ስለዚ ፖለቲከኛታት ፖለቲካዊ ኣፋላላዮም ንጎኒ ገዲፎም ንልምዓትን ሰላምን ህዝቢ ክሰርሑን ረብሓ ህዝቢ ከቐድሙን ይግባእ። ሕዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕብዳን ፀገም ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለዘይኮነ ካብ ሕሉፍ ስሕተታቶም ተማሂሮም ዝሓሸ ረብሓ ንህዝቢ ከምፅኡ እነተዘይከኣሉ ‘ውን እንተነኣሰ ንውልቐ ስልጣኖምን ረብሐኦምን ክብሉ ነቲ ህዝቢ ተወሳኺ ፀገም ተዘይፈጥሩሉ።

ብሓፈሻ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ንሓደ ሕብረተሰብ ረብሕኡ ሓልዩ ዝሓሸ ሂወትን ምዕባለን ከምፅኡ ኣገደስቲ ‘ዮም። ረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ካብ ምሕላው፣ ሰላም፣ልምዓትን ድሕንነትን ልዕሊ ምውሓስ ንድልየትን ረብሓን ውልቆምን ጉጅልኦሙን ዘቀዱሙ እንተኾይኖም ግና ዓላምኦም ንህዝቢ ዘይሓስቡ ፖለቲከኛታት ስለዝኾኑ፤ ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ክምለሱን ዝሓለፈ ጥፍኣቶም ክእርሙን ይግባእ፡፡

እዚ ንክኸውን ድማ ንረብሓ ህዝቢ ደው ዝበሉ ኩሎም ፖለቲከኛታትን ሲቪክ ማሕበራትን ወይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ድሌት ህዝቢ ካብ ማንም ንላዕሊ ቅድሚት ብምስራዕ ዋና ሕርያ ህዝቢ ዝኾነ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ንክመፅእ ናይ ፓለቲካ ኣፈላላይ ንጎኑ ኣፅኒሖም ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቦም ሓደ ልቢ ኮይኖም ክቃለሱ ‘ዩ ዝግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You