ኣብ ሕርሻ ዘመናዊ እታዎታት ብምጥቓም ቖላሕታ ሂብካ ምስራሕ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መርኣያታት ቁጠባዊ ዕብየት ሃገር ‘ዩ። ዓውዲ ሕርሻ ሓደ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገር ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቓልቦ ካብ ዝሃቦም ቁጠባዊ ዘፈራት ሓደ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ኣብዚ ዘፈር እዚ ኣበርቲዑ ብምስርሑ ብረዳእታ ስርናይ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ሕዚ ዓርሳ ካብ ምኽኣል ሓሊፋ ውፅኢታዊት ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ከም ስርናይ ዝበሉ ፍርያት ሕርሻ ሰደድ ንምግባር በቒዓ ‘ያ፡፡
ናይ ሎሚ ዘበን ኩነታት ዝራእቲ ከንርኢ እንተለና ድማ ኣዝዩ ኣብዘሕጉስ ኩነታት ‘ዩ ዝርከብ። ሰፋሕቲ መሬታት ‘ውን ብዝራእቲ ተሸፊኖም ‘ዮም፡፡ እዚ ዘርእየካ ድማ መንግስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝህቦ ዘሎ ትኹረት እናወሰኸ ብምኻዱ ‘ዩ፡፡ ኣብ ናይ 2016/17 ምህርቲ ዘመን ዳርጋ 20 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ክሽፈን ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ብ2 ሚልዮን ሄክታር ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ፡፡
ኣብ ዝራእቲ ስርናይ ጥራሕ እኳ እንተሪእና ኣብ ወቕቲ ቀውዒ 2015/16 ሰለስተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ሄክታር መሬት ተሸፊኑ ዝነበረ እንትኸውን ኣብዚ ዓመት ግና ኣርባዕተ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ሄክታር መሬት ክሽፈን ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ዝመፅእ ዘሎ ወቕቲ መፍረያይነት መስኖ ስርናይ ንቐረብ ዘድሊ እታዎታት ምድላዋት ብምግባር 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ንምሽፋን ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ‘ውን ዘሎ ኮይኑ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ‘ውን ብኽነት ከየጋጥም ክሳራ ብዝንኪ መንገዲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ፡፡
ብኻሊእ ገፅ መንግስቲ ኣብዚ ዝተተሓዘ እዋን ቀውዒ 20 ሚልዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ዓዲጉ ኣሎ፤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽዱሽተ መራኽብ መዳበርያ ሓመድ ዕድጊት ብምፍፃም ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ፡፡ ከምኡ ‘ውን ንወቕቲ ቀውዒ 2017/18 ዝኸውን 24 ሚልዮን ኩንታል ድኹዒ ንምዕዳግ ብጋንኡ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።
ስለዚ ብዘፈር ሕርሻ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ንኢንዱስትሪ ዘድሊ ጥረ ኣቅሓ ማለት ብዓይነት፣መጠን፣ ፅሬት ንምቕራብ፣ ንንግዲ ወፃኢ ዝቐርቡ ፍርያት ሕርሻ ምዕባይን ተዋዳዳራይነት ንምርግጋፅን ከምኡ ‘ውን ካብ ደገ ዝኣትዉ ፍርያት ግብርና ብናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ንምትካእ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ፡፡ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም ብምንስቴራት ቤት ምኽሪ ዝፀደቐ ሓዱሽ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻ ገጠር ነዚ ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ሓፈሻዊ ስግግር ሕርሻ ጋህዲ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡
እዚ ፖሊሲ ብደረጃ ሃገር እናተሰርሐ ዝርከብ ምምሕያሽ ስራሕቲ ኢኮኖሚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቓም ዘፈር ግብርና ምስካልኦት ዘፈራት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምትእስሳር ከምኡ ‘ውን ኣብ ልምዓት ገጠርን ሕርሻን ዘጋጥሙ ዕንቕፋታት ንምቕራፍ እቲ ፖሊሲ ዕዙዝ ግደ ዘበርክት ኮይኑ ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ፖሊሲ ንሓለዋን ዘላቒ ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኣፍራይነትን ተወዳዳርነትን ሕርሻ ገጠር ንምርግጋፅን መዋቕራዊ ስግግር ንምዕዋትን ከምኡ ‘ውን ንሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡
ብሓፈሻ ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ገጠርን ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ማይ፣ ዕድጊት ፍርያት፣ ምርግጋፅ ልምዓት ገጠርን መዋቕራዊ ስግግርን፣ መሰረተ ልምዓት ግብርና፣ ተሳትፎ ውልቀ ሴክተር ምዕባይን ምሕያልን፣ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ዝመሳሰሉ ቀንዲ ትኹረትን ኣንፈትን እቲ ፖሊሲን ኮይኖም መንግስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፍርያት ሕርሻ ንምዕባይ ኣበርቲዑ እናሰርሐ ይርከብ፡፡
ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም