ካብ ነሓሰ ጀሚሮም ዝተኸበሩ በዓላት ገዚፍ ናይ ቱሪዝም ዓቕሚ ዝፈጠሩ ነይሮም  

ኣዲስ ኣበባ፦ ካብ ዝሓለፈ ፍርቂ ነሓሰ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝተኸበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ገዚፍ ናይ ቱሪዝም ዓቕሚ ዝፈጠሩ ምንባሮም ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓለምለኸን ሃገር ለኸን ኮንፍረንሳት ንምትእንጋድ ምድላው ምግባራ ‘ውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መግለፂ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ከምዝበልኦ፤ ካብ ዝሓለፈ ፍርቂ ነሓሰ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝተኸበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ብድምቀት ምኽባሮም ብምዝኽኻር፤እቶም በዓላት ገዚፍ ናይ ቱሪዝም ዓቅሚ ዝፈጠሩ ምዃኖም ኣልዒለን፡፡

እቶም በዓላት ናይ ሓደ ሃገር ዓቅሚ ባህልን ክብርን ዘፋልጡ ካብ ምዃኖም ብዝሓለፈ ኣነባብራ እቲ ማሕበረሰብ ብዝተፈለየ ኩነታት ንዓለም ንምፍላጥ ዓብዪ ዓቕሚ ዝፈጠሩ ምንባሮም ብምግላፅ፤ ከምኡ ‘ውን ምትእስሳራት ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ንምጥንኻር ዓቢዪ ግደ ከምዝነበሮም ገሊፀን።

ብኻሊእ ወገን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ፣ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓለምለኸን ሃገር ለኸን ኮንፍረንሳት ንምትእንጋድ ምድላው ብምግባራ፤ በዚ መሰረት ‘ውን ካብ ጥቅምቲ 26 ክሳብ 28 2017 ዓ.ም ኮንፍረንስ ናፃ ዝኾነ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ሓቢረን።

ኣብቲ መድረኽ ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሃገራት ዝተወፃፅኡ ልዕሊ 1 ሽሕን 500 ኣጋይሽ ክሳተፉ ‘ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪበን፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ብፍላይ ብናይ ሓጋይ ስንዳይ፣ ብሕርሻ ኹታ ገጠምን ብሓምላዊ ዓሻራን ዘለዋ ልምዲ እተካፍል ‘ያ ትኸውን ኢለን፡፡

ብተወሳኺ ኣኼባ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ካብ ጥቅምቲ 9 ክሳብ 12/ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኣፍሊጠን፡፡ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዋንጫ ኣፍሪካ ንምድላው ካብ ዝሓዘቶ ትልሚ ተተሓሒዙ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብምሕባር፤ ጥቡቕ ምድላዋት ዝተርእየሉ ከምዝኾን ኣልዒለን።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You