ሰላም ንዕውት ምምሃር ምስትምሃር

ንዕብየት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካውን ባህላውን ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ብሓፈሻ ድማ ንምዕባለ ሂወት ደቂ ሰባት፣ ካብ ዘድለዩ ነገራት ሓደን ዋናን ማሕበራዊ ግልጋሎት ‘ዩ፡፡ ካብ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ዝኾኑ ድማ ዘፈር ትምህርቲ ሓደን ወሳንን ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ብዘይ ትምህርቲ ወይ ብዘይተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኩሉ ዓይነት ዕብየት ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡

ከምኡ ‘ውን ዕብየት ትምህርቲ ሓደ ማሕበረሰብ ኾነ ሓንቲ ሃገር ብዘይ ሰላም ኣብዚ እቶ ዝብሃል ውፅኢት ከምፅእ ‘ዩ ኢለካ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብስእነት ሰላም ደው ኢሉ ዝነበረ ትምህርቲ ትግራይ ብስምምዕነት ፐሪቶርያ ዘተረኸበ ሰላም ፍረ ከፍሪ ጀሚሩ ዘሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ክህብኦ ጀሚረን ብዘለዋ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ዛጊድ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ተስፋ ዝህብ ውፅኢታት ክርኣይ ይጅምር ኣሎ፡፡

ተምሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ንዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ድሕሪ ምፍላዮም፤ ሐዚ ብዝተረኸበ ሰላም ግና ናብ ዘቋረፅዎ ትምህርቲ ክምለሱ ጀሚሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ካልኦት ተምሃሮ እታ ሃገር ‘ውን ኣብ ሓደ ብሄራዊ ፈተና ተፈቲኖም ብኣንፃር ኣብቲ ሃገር ዘሎ ውፅኢት ፈተና ፅቡቕ ዝብሃል ውፅኢት ከምፅኡ ጀሚሮም ኣለው፡፡

ነዚ ድማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና ምስክር ‘ዩ፡፡ ማለት ‘ውን ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ልዑል ውፅኢት 675 ካብ 700 ከምዝተመዝገበ ካብ ሚኒስትር ትምህርቲ ምፍላጡ ይዝከር፡፡ እዚ ድማ ብብርኪ ሃገር ዝለዓለ ውፅኢት ፈተና ኣብ ትግራይ ንክምዝገብ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡ እዚ ውፅኢት ዝተረኸበ ድማ ብዝተረኸበ ሃዋህው ሰላም ምዃን ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡

መንግስቲ ፅርየት ትምህርቲ ንክህልው ኣብ ትካላት ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናተገበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝምልከቶም ሓለፍትን መዳርግቲ ኣካላትን ብትብዓት ንከሰርሑን ብፅሒቶም ‘ውን ብግቡእ ንክዋፅኡ ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ናይዛ ሃገርን ኣብ ኣተገባብራ ዝተጀመሩ መርሃ ግብርታት ለውጢ፣ ዓወታት ለውጥን ዘጋጥሙ ማሕለኻታትን በቢእዋኑ ዘተ እናተገበረ ኣንፈታት ስራሕ እናተወሃበ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምፃእ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይክኣል፡፡

ብሓፈሻ ፅርየት ዘለዎ ትምህርቲ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ተበፃሒ ብምግባር ፀገማት ብእዋኑ ንምፍታሕ፣ ምህዞ ንምስፍሕፋሕ፣ ዘለና ሃፍቲ ብግቡእ ብምልላይ ተወሳኺ ስራሕ ንምፍጣርን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ራእይ ናይ ፅባሕ ሃገር ተረከብቲ ወለዶ ብሩህ ንምግባር ጠቃሚ ከምዝኾነን ብሓፈሻ ኢኮኖምያዊ ዕበየት ንምምፃእ ዓብይ ግደ ኣልዎ ‘ዩ፤ ነዚ ድማ ሰላም ሃገር ወሰናይ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ሰላምን ትምህርትን ክልተ ዘይንፃፀሉ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፃት ስለዝኾኑ ብትኹረት ክስርሐሎም ዓወዲ ‘ዮም፡፡

ኣብ ትግራይ ን2017 ዓ.ም ኣብ 2016 ዓ.ም ዝነበሩ ፀገማት ትምህርቲ ብኣግባቡ ብምግምጋም ዝሓሸ ነገር ንምስራሕ ምንቅስቓስ ከም ዘድልን ከም መንግስቲ ድማ ኣድላይ ዝባሃል ሓገዝን ክትትልን ከም ዝግበር ተገሊፁ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ምስ ብዙሕ ፀገማቱ ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ትምህርቲ ክጅምር ምግባሩ ዝሓሸ ለውጢ ከም ዘምፀአን ኣብ ሃገራውን ክልላውን ዝነበሩ ፈተናታት ተምሃሮ ምስ ብዙሓት ፀገማቶም ዝሓሸ ውፅኢት ኣምፂኦም ኣለው፡፡እዚ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017ዓ.ም ንክድገም ምስራሕ የድሊ፡፡

ኣብቲ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ሎሚ ዘመነ ትምህርቲ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ትፅቢት ይግበር፤ ስለዝኾነ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ብምግባር ከም ሃገርን ክልል ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምስራሕ የድሊ፡፡

ስለዚ ዕውትን ውፅኢታውን ዘመን ትምህርቲ ኮይኑ ንክሓልፍ ማዕረ ማዕረ ዘላቒነት ሰላም ኣብ ምሕላው ንፅባሕ ዘይበሃል ስራሕ ምዃኑ ኩሉ ብምግንዛብ ግደኡ ክፃወት ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You