“ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ምንጋስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም ስራሕቲ ‘ዮም”  -ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ናይ ሎሚ ዓምዲ እዋናዊ ዛዕባና ተኹረት ካብ ዝተገበረሎም ዝሓለፈ ሶኒ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ኣብ ዝተኻየደሉ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዝተገበሩ ሓደሽቲ ሹመታትን ሓዱሽ ሹመኛ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ንክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዕላዊ ስራሕ ዘጀመሩሉ መደረን ከምኡ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ መሰረት ገይሮም ዘሕለፍዎ መልእኸታትን ከምዝስዕብ ክነቕርቦ ኢና ሰናይ ንባብ፡-

ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ (2) መሰረት 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ደምቢ ኣሰራርሓን ስነምግባር ኣባላትን ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 24 ንኡስ ዓንቀፅ (1) መሰረት÷ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተረኸባሉ ዝሓለፈ ሶኒ ዝተሰለጠ ኮይኑ፤ ኣብቲ ዝተኻየደ መኽፈቲ ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብኣብዝሓ ድምፂ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን ተሰይሞም ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ ‘ውን ፈፂሞም።

ብተወሳኺ መበል 6ይ ዙር ዝቐረየን ዳግማይን መረፃ ዝሰዓሩ ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብዚ ዕለት ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም ቓለ ማሕላ ዝፈፀሙ ኮይኖም፤እቶም ኣባላት ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ማእኸላይ ኢትዮጵያን 16 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝተመረፁ እንትኸውን ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎን ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌን(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቓለ ማሕላ ፈፂሞም።

ሓዱሽ ሹመኛ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ መን ዮም?

ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተወለዱ ኣብ ደባርቕ ሰሜን ጎንደር ‘ዩ። ፈላማይ ድግሪኦም ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ረኺቦም። እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ላንክስተር ድማ ብዓለም ለኸ ርክብን መፅናዕቲ ስትራቴጂን ኻልኣይ ድግሪኦም ወሲዶም። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓፀርቲ ስልጠናታት ኮርስታትን ዓለም ለኻዊ ርክብን ፖለቲካል ሳይንስን ወሲዶም ‘ዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ፣ ክፍሊ ስራሕ መምርሒ ኣውሮፓ፣ ሓላፊ ዋና ክፍሊ ምዕራብ ኣውሮፓ፣ ግዝያዊ ዳይሬክተር ኢንፎርሜሽን፣ ኣብ ስቶክሆልም ናይ ፌዴሪኢ ኤምባሲ ብኣማኻራይነት፣ ኣብ ዋሽንግተን ናይ ፌዴሪኢ ኤምባሲ ብኣምኻራይነት።ኣብ ሎስኣንጀለስ ቆንስል ጀነራል፣ ኣብ 1998 ዓ.ም ድማ ብበዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርነት ተሸይሞም ‘ዮም።

ኣብ ሎስኣንጀለስ ብመዓርግ ብበዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርነት ቤት ፅሕፈት ቆንስላ፣ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣውሮፓን ኣሜሪካን፣ ኣብ 2008 ዓ.ም ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኾይኖም ሰሪሖም። ኣብ ግብፂ ‘ውን በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፀዋዒ ቐዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኾይኖም ዘገልገሉ እነትኾኑ፤ ኣማኻሪ ሚኒስትር ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኾይኖም ሰሪሖም፤ ክሳብ ፕሬዝዳንት ዝኾኑ ‘ውን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኾይኖም ሰሪሖም።

ምስጋናን ሰናይ ትምኒትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡-

“ቐድሚ ኹሉ ሓደ ዕላማ ናይዚ ለውጢ ስርዓት ምፅናዕ ‘ዩ። ሓለፍቲ ስራሕ ብሕጊ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ኣብ ዝተውሃቦም እዋን ግቡኦም ይፍፅሙ። ካልኦት ድማ ብተረኦም ንዓታቶም ተኪኦም ንሃገራዊ ዕላማ ብትውልዲ ቅብብል ኣብ ሸትኡ የብፅሑ። ህንፀት ሃገር ዝዕወት ብኸምዚ መገዲ ‘ዩ።ን

ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ንኢትዮጵያ ብፕሬዚዳንትነት ንዘገልገላ ንክብርቲ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋናይ የቕርብ።ብኻሊእ መዳይ ድማ፤ ሎሚ (ሶኒ መስከረም 27 2017 ዓ.ም) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን ሓላፍነት ዝተቐበሉ ክቡር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሃገርን ህዝብን ብዝለዓለ ኩነታት ዘገልግሉሉ ናይ ሓላፍነት ዘበን ክኾነሎም ሰናይ ትምኒተይ ይገልፅ።” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስጋናኦምን ሰናይ ትምኒቶምን ገሊፆም ‘ዮም፡፡

መልእኽትታት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡

ኣብ 2017 ዓመት በጀት ሸሞንተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚእታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ከምዝግበር፣ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃር ትኹረት ከምዝወሃቦን ንኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ‘ውን ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠርን ናይ ፌዴሪኢ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ዘገበርዎ መደረ ከምዝገለፅዎ፡- ኣብ 2017 ዓመት በጀት ትኹረት ክግበረሎም ‘ዮም ካብ ዝበለዎም ንለውጢ ኣየር ዘይፅለው ዘፈር ሕርሻ ምህናፅ ቀዳምነት ዝሃበዎ ‘ዩ፡፡

ንትግበራኡ ድማ ስራሕቲ ሜካናይዜሽን መስኖ ንክጠናኸሩ ብምግባር ምስ ኣቅርቦት እታወታት ተተሓሒዙ ድማ ብፍላይ ፀገማት ወፃኢ ሸርፍን ኣቅርቦት ልቃሕን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ተግባራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ገንዘብ ውፅኢታውነቱ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ትኹረት ካብ ዝግበረሎም ሓደ ምዃኑን ብፍላይ ዘፈር ኮንስትራክሽን ናይ ምምሕዳር፣ ናይ ምምራሕን ጠንኩር ትካላዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ፃዕሪ ክግበርን ኢንቨስትመንት ብዘበረታትዕ ምልክዑ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ‘ውን ከምዝስራሕ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ዝርኣይ ሰፊሕ ናይ ዘይሕጋውነት ናብ ሕጋውነት ስራሕ ብምእታው፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዝተርኣየ ምንቅቃሕ ብምስፋሕን ብምቕፃልን ኢሉ ‘ውን ናብ ጠንካራ ዲጂታል ስርዓት ብምእታው ናይ 8 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ክግበር ‘ዩ፡፡

ናይ ውሽጢ ኣታዊ ንምዕባይ ናብ ስርዓት ታክስ ዘይኣተው ብምእታው፣ ሓደሽቲ ዓይነታት ታክስ ተግባራዊ ብምግባር፣ ስርዓት ምምሕዳር ታከስ ብምምዕባልን ታክስ ብምእካብ፣ ዝወፅእ ወፃኢ ድማ ውፂኢታዊ ብምገባር፣ እቲ ስርዓት ታክሰ ናብ ክልላት ‘ውን ብምውራድ ኣታዊ መንግስቲ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪልዮን ንምብፃሕ ምትላሙን ጥብቂ ፊሲካል ፖሊሲ ብምትግባር፣ ፍርያትን መፍረይነትን ብምሕያል፣ ብኣቅርቦት ወገን ዘለዉ ፈተናታት ብምፍታሕ ኣፍራይን ተጠቃማይን ዘራኽቡ ናይ ዕዳጋ መሰረተ ልምዓት ብስፍሕፋሕን ስርዓታት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃሪ ከምዝግብር ‘ውን ኣመለኪቶም፡፡

ሓደሽቲ ናይ ወፃኢ ፍርያታት ብምውሳኽ ከምኡ ‘ውን ተወሳኺ ናይ ዕዳጋ ከባቢ ብምስፍሕፋሕ፣ ፍርያታት ከምዘለዎም ካብ ምልኣኽ እሴት ወሲኽካ ብምልኣኽ፣ ናይ ወፃኢ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ ናብቲ ዘፈር ንክኣትው ምችው ኩነታት ብምፍጣር፣ ንተወሳእቲ እቲ ዘፈር ዝወሃቡ ዝተፈላለዩ መበረታትዒ ብምጥንኻር ካብ ንግዲ ሸቀጣት ወፃኢ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ወሳኒ ስራሕ ከምዝስራሕን ሎሚ ዘበን ንወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ትርፎም ካብ ሃገር ናይ ምውፃእ ሕቶ ግቡእ መልሲ ክወሃብ ‘ዩ ዝበሉ ቶም ፕሬዚዳንት፤ ንኢንቨስትመንቶም ‘ውን ውሕስናን ሓለዋን ከምዝወሃብ ኣረጋጊፆም፡፡ ናይ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ብምዕባይ ልዕሊ ሓሚሽተ ቢሊዮን ዶላር ንምብፃሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ሰፊሕን ዘላቕን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ብብርኪ ሃገር ስራሕን ሰራሕተኛን ብግቡእ ብምትእስሳር ከምኡ ‘ውን እቲ ዕዳጋ ዝደለዮ ክእለት ዘለዎ ሰብ ሓይሊ ብምቕራብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝጠናኸሩን ኣናእሽተይ ኢንተርፕራይዛት ብምስፍሕፋሕ፣ ንመናእሰይ ኣብ ተግባር ዘተኮረ ስልጠና ብምሃብን ስራሕ ፈጣሪ ወለዶ ንምፍራይ ክስራሕ ‘ዩ፣ ናይ ወፃኢ ሃገር ናይ ስራሕ ምስምራይ ‘ውን ፅርየትን ቁፅፅርን ብምዕባይ ምስ በሄራዊ መለለይ ወረቀት ተኣሳሲሩ ንክስራሕ ክግበር ‘ዩ ኢሎም፡፡

ትግባራታቱ ‘ውን ሎሚ ዓመት ንኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንክፍጠሩ ከምዝግበርን ካብዚ ውሽጢ 700 ሽሕ ዝኸውን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝፍጠር ስራሕ ዕድል ክምዝኸውን ኣመልኪቶም፡፡ ከምኡ ‘ውን ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ምንጋስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም ዛዕባታት ከምዝኾኑ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፤ ካብዚ ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ብብሕታውነት ናይ ምጥቃም መሰል ናይ ትካላት መንግስቲ ጥራሕ ከምዝኾነ ምርግጋፅ ይግባእ ብምባል፤እዚ ዓመት ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣፈፃፅምኡ ዝመሓየሸሉ ‘ዩ፡፡ ነዚ ድማ ብህብረብሄራዊነት ዝማዕረገት ኢትዮጵያ ናይ ምፅናዕ ምዕራፍ ወግዓዊ ዝገብር ‘ዩ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብተወሳኺ ካብ ዘልዐልዎም ቐንዲ ነጥብታት፡

ኢኮኖሚና ኣብ ሓዱሽ መዕፀፊ ታሪኽ ይርከብ፣ኣብ ዓውዲ ግብርና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ፣ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 230 ሚሊዮን ኩንታል ስርናይ ምፍራዩን ልዕሊ 26 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ምሕራሱ፤ ብሌማት ትሩፋት ኣብ ኩሎም ክልላት ዝለዓለ ፍርያት ምርካቡ፤ ብሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት 40 ቢሊዮን ፈልስታት ምትካሎም፤ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ምምዝጋቡ፤ዕብየት መፍረያይነት ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ 59 ሚኢታዊ ምብፅሑ፤395 ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ምምላሶም፤ ኣብ ዓውዲ ግልጋሎት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕብየት ተመዝጊቡ ዝብሉን ካልኦትን ገሊፆም፡፡

ከምኡ ‘ውን መሓዙት ኢትዮጵያ ንምብዛሕ ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ፤ኣብ ኣዲስ ኣበባና ብልምዓት ኮሪደር ንልዕሊ 43 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ፤ 22 ነጥቢ 7 ሚሊዮን መምሀርን መስተምሀርን መፅሓፍቲ ተሓቲሞም፤ብብርኪ ቕድመ ስሩዕ 3 ነጥቢ 9 ሚሊዮን ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣትዮም፤ ቑፅሪ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዝረኸቡ ህፃናት 80 ሚኢታዊ በፂሑ፤7 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ተምሃሮ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተሓቊፎም ዝብሉን ካለኦትን ኣልዒሎም፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You