ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ብዙሓት ፅቡቕ ልምዲ ዝተረኸብሎም ከምዝኾነ ናይታ ከተማ ከንቲባ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ገሊፆም፡፡
እቶም ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ 2016 ዓመት በጀት ስራሕ ኣፈፃፅማ ሪፖርት ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ሰፋሕቲ ልምዓት ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡ እዚ ክስራሕ ዝኻኣለ እቲ ዋና ስራሕቲ ልምዓት ብድልየት ሕቶ ህዝቢ ትኹረት ዝገበሩን ህዝቢ ብምስታፍን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ናይ ኣስፋልትን ፀፀር መንገድታትን፣ ዝርግሐ መስመር ኤሌትሪክ፣ ህንፀት ናይ ዉሑጅ መውረዲ ከምዝጥቀሱ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ን17ሽሕ 502 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም፡፡
ኣብታ ከተማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኸበ ልምዲ ዝበለፀ ብምጥንኻር ዝተርኣዩ ፀገማት ምቅላል ግቡእ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ፕሮጀክት ልምዓት ድማ ኣብቲ ቦታ ብምውራድ ናይ ቁፅፅር ክትትል ተግባራት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም፡፡
ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ መሰረተ ልምዓት ኣይተ ገብረማርያም መስፍን ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤ ኣበታ ከተማ ዝርከቡ ዝተወደቡ ልምዓት መሬት (ካዳስተር) ተግባራዊ ምዃን ከምዝጀመረ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬት ስለዘቕርይ ብስፍሓትን ብዝተወደበ መልክዑን ተግባራዊ ክኾን ይግባእ፡፡
ኣብታ ከተማ ናይ ካዳስተር ስራሕ ብዝተወደበ መልክዑ ከይተጀመረ ወረራ መሬት ጠጠው ምባል ከምዘይካኣል ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ሓደ ቀበሌ ጥራሕ እንተይኾነስ ብስፍሓት ብዝተወደበ መልክዑ ንክስራሕ ምርብራብ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡ እቶም ከንቲባ ኣብ ዘቕረብዎ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሪፖርት ዙርያ ዘተ ዝተኻየደ እንትኾን፤ በጀት ዓመት ዝተረኸቡ ልምድታት ሎሚ ዓመት ብዝበለፀ ክጠናኸሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም