መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ ብሓዱሽ መልክዕ ንምስራሕ ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ:- ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዘኽእል ትልሚ ሓንፂፁ ብሓዱሽ መልክዕ ንምስራሕ ከምዝተዳለወ መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ ገሊፁ።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ ኣይተ ተሰማ ግደይ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ትካል ብብርኪ ሃገር ካብ መንጎ ዝጥቀሱ ዓበይቲ ትካላት ልምዓት ሓደ ‘ዩ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ብምኽንያት እቲ ኵናት ካብ ዝገጠሞ ዕንወት ሓውዩ ተወሳኺ ትልምታት ኣውፂኡ ንምስራሕ ምድላው ገይሩ ‘ዩ።

እቲ ትካል ብዝተማልአ መልክዑ ፍርያት ንኽጅምር ፃዕርታት እናተገበሩ ‘ዮም ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ቕድም ኽብል ብድሕሪት ፋብሪካታት ሲሚንቶን መፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኾይኑ ስራሕቲ ኢንጂነሪንግ እናካየደ ዝነበረ እንትኸውን፤ ብተወሳኺ ‘ውን መለዋወጥታትን መገጣጠምታትን ኣቑሑት መኪና ከምኡ ‘ውን ኹለመዳያዊ ስራሕቲ ኢንጂነሪንግ እናሰርሐ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ትካል ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ብምትካእ ብዓርሱ ብምፍራይ ቴክኒካልን ኬሚካልን ስራሕቲ ናይ ምስራሕ ልምዲ ከምዘኻዕበተ ብምሕባር፤ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝለዓሉ ተሳሓብቲ መኻይን ነዳድን ኻልኦት ተወሰኽቲ ካብ ቐሊል ክሳብ ከቢድ ስራሕቲ ኢንጅነሪንግን ንምስራሕ ትልምታት ብምውፃእ ናብ ስራሕ እናኣተወ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ዘፈር ትራንስፖርቴሽን ንዘሎ ፀገም ንምቕራፍን ናይ ኤሌክትሪክ ትራንስፎርመር ብምፍራይን ካብ ቢዝነስ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቕራፍ ትልሚ ምሕንፃፁ ብምጥቃስ፤ ስያሚኡ ብምሕዳስ (ሪብራንድ) ብምግባር ናብ ንጥፈት ከምዝኣትው ተዛሪቦም።

ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ብፍልጠትን ክእለትን ዝተዋደደ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ተሰማ፤ ኾይኑ ግና ቕድም ክብል ብዝበፅሖ ፀገም ምኽንያት ቑጠባዊ ፅዕንቶን ፖለቲካዊ ፀገምን እንተተፈጠሮ ‘ውን ንኹሉ ተፃዊሩ ብዘይዝኾነ ድጋፍ መብዛሕቲኡ ሰራሕተኛ ዛጊድ ብጥንካረ ስርሑ እናቐፀለ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ንቐፃሊ ዝተትሓዙ ትልምታት እቲ ትካል ካብ ዘጋጠሙዎ ፀገማት ንኽላቐቕን ኣብ 2017 ዓ.ም ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ሽቶታት ንኸቐምጥን ዘኽእሉ ምዃኖም ኣብሪሆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You