ኣብ ሕርሻ ብዑቱብ ብምስራሕ ካብ ተፀባይነት ምግቢ ሓራ ምውፃእ

ትንታነ-ዜና

ከምዝፍለጥ ከምሃገር ኮነ ከም ክልል ኣብ ሕርሻ መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ ወይ ሕርሻ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ከምዘለና ‘ዩ ዝፍለጥ፡፡ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሕርሻና ብምግቢ ዓርስና ካብ ምኽኣል ብዝዘለለ ውሕስና ስርዓት ኣመጋግባ ክነረጋግፅን ብሕሱም ሕፅረት ምግቢ ዝሳቐ ህዝብና ካብ ፀገም ምውፃእ ንክከኣል ካብቲ ልሙድ ክረምታዊ ሕርሻ ብተወሳኺ ምስፍሕፋሕ መስኖን ሕርሻ ከተማ ‘ውን ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ከምዝኽእልን እዚ ድማ ወቅታዊ ኣንፈት መንግስቲ ከምዝኾነን ትኹረት ተዋሂቡ ክስርሓሉ ይጀመር ከምዘሎ ምዕዛብ ይከኣል ‘ዩ።

ፖሊሲ ሕርሻ ሃገርና ከምዘነፀሮ Specialization ዕዳጋ ተሓሳቢ ዝገበረ ብክላስተር ልምዓት ብመጠን፣ ብፅሬትን ብተወዳዳራይነትን ዘላቕነት ዘለዎ ልምዓት ብምትግባር ኢኮኖሚኻ ምድልዳል በዚ ኣቢልካ ድማ ተፀባይነትን ድኽነትን ምጥፋእ እቲ ሓደ መንገዲ ልምዓት እንትኸውን ምስ እዚ ዝህሉ ተወሳኺ መንገዲ ልምዓት ድማ Diversification ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዝርእቲ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍረምረን small ruminant ከም ልምዓት ደርሁን ጤለበጊዕን ብምፍራይ ንስድራ-ቤት ናይ ምግቢ ሃልኪ ብምምላእ ዝተመጣጠነ ስርዓት-ኣመጋግባ ክህሉ ካብ ድኽዳኸ፣ ዕብራንን ምንካይ ክብደትን ብኣንፃሩ ድማ ግንዛበ ሕ/ሰብ ብምዕባይ ካብ ልዕሊ ክብደት ምዃን ናፃ ዝኾነን ዝተማልአ ጥዕና ዝወነነ ዜጋ ክህልው ከምዘኽእል ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ሚኪኤል ምሩፅ ይገልፁ።

ካብ ኣይተ ሚኪኤል ምሩፅ ዝረኽብናዮ ፅሑፍ ከምዝሕብሮ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝራእቲ ክራማት ክልል ትግራይ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከብ ከምዘሎን። ይኹን እምበር ከም ትንብያ ሜትሬዮሎጂ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርቂ ጥቅምቲ፣ ሕዳርን ታሕሳስን ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ሓበሬታ ስለዘሎ እዚ ድማ ንዝባፅሑ ዝራእቲ ከበላሹ ስለዝኽእል ሓረስታይ ንዓፂድ ዝበፅሐ ዝራእቲ ንፅባሕ ከይበለ ብእዋኑ ብምዕፃድ ዓውዱ ከኽይድ ወይ ‘ውን ዝናብ ከበላሽዎ ብዘይኽእል ኣገባብ ክኹልስስ ይግባእ ክብሉ ይምዕዱ።

በቲ ካልእ ገፅ ድማ እቲ ዝናብ ንምርሓስ ከርሰምድሪ ስለዝሕግዝ ሓረስታይ እኽሉ ምስ ዓፀደ (ምስኣልዓለ) ሕዱር ጠሊ ተጠቒሙ ቀልጢፎም ዝባፅሑ ኣዕታር ወይ ‘ውን ሳዕስዓ ንስነ-ምህዳር እቲ ከባቢ ዝስማዕማዕ ዝራእቲ ብምዝራእ ተወሳኺ ምህርቲ ክሓፍስ ከምዝይግባእን፤ ብተወሳኺ ቀለብ እንስሳ ንምልማዕ እዚ ኣጋጣሚ ፅቡቕ ስለዝኾነ ኩሉ ሓረስታይ መኖ ከልምዕን፤ ሕዚ ኣብዝን ኣብትን ዘሎ ሳዕሪ ዓፂዱ ድርቋ ክእክብ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ካብ ቀለብ እንስሳ ዝተረፈን ካልእ ተወሳኺ ባዮማስን ብምእካብ ድማ ኮምፖስት-21 ከዳልውን ብስፍሓት ክጥቀምን ከምዝግባእ ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ምድላው ኮምፖስት-21 ኣመልኪቶም እንትገለፁ፤ ኮምፖስት-21 እንተተጠቒምና መሬትና ምሕካም ስለዘድሊ እዚ ኮምፖስት ምድላውን ምጥቃምን ክልመድ ከምዝግባእን ነዚ ድማ በብብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓን ስብ-ሞያ ሕርሻን ‘ውን ሓረስታይ ትግራይ ኮምፖስት-21 ከዳልውን ክጥቀምን ከምህሩን ከለዓዕሉን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ እታወታት ‘ውን። ኣብ ዘበናዊ ድኹዒ ዘለዎም ዕማም ጠለብ ሓረስታይ ብእዋኑ ከነፅሩ ከምዝግባእ ‘ዮም ዝሕብሩ።

ምስዚ ጎና ጎኒ ድማ ብቐፃሊ ናይ ለብዘበን መስኖ ቀልጢፍካ ብምጅማር ዝለዓለ ምህርቲ ንምረኽብ ዕድል ምስፍሕ ከምዝግባእን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ መስኖ ብምልማዕ። ኣብዚ መዳይ ካብ ፕሮጀክት SNV-HORTI LIFE ዝተረኸበ ተሞክሮ ድቃል ዘርኢ ተጠቒምካ ካብ ዝርካባ መሬት መፍረይነት ምዕባይ ክሰፍሕ ትፅቢት ይግበር ይብሉ።

ልምዓት ፍረምረ ‘ውን ብስፍሓት ብምፍፃም ብምግቢ ዓርስና ካብ ምኽኣል ብዝዘለለ ውሕስና ስርዓት ኣመጋግባ ክነረጋግፅን ብሕሱም ሕፅረት ምግቢ ዝሳቐ ህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ግዳያት እዚ ፀገም ዝኾና ጥኑሳትን መጥበውትን ኣዴታት ከምኡ ‘ውን ህፃናት ትሕቲ ክልተ ዓመትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመን ካብዚ ፀገም ምውፃእ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከምዝኮነ ‘ዮም ዝሕብሩ።

ምዕሩይ ስርዓት ኣመጋግባ እንትለዓል ንቕድሚት ዝመፅእ ካብ እንስሳን ተዋፅኦታት እንስሳን ዝርከብ ምግቢ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ስለዚ ከም ሕርሻ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ መሰረታዊ ለውጢ ክምፅእን ብፍላይ ኣብ ልምዓት ደርሁ፣ልምዓት ንህቢ፣ልምዓት ጤለበጊዕን ልምዓት ፀባን ዓሳን ኣገዳሲ ከምዝኾነ የብርሁ።

እዚ ኩሉ ጋህዲ ንምግባር ከም ክልል ንኽተሎ ኣንፈት ምሕዋይ ተፈጥሮ ሃፍቲ መሰረት ዝገበረ ሕርሻ ዝመርሖ ልምዓት ኢንዳስትሪ ስለዝኾነ ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተዋደደ ልምዓት ምስላጥ ግድን ከምዝኸውንን ኣብዚ ሕዚ ከም ክልል ዝንሄናሉ ኩነታት ፅቡቕ ዝበሃል ኣይኮነን ዝብሉ ኣይተ ምክኤል፤ ምኽንያቱ ሕርሻና ዝቖሰለ ‘ዩ፤ ጉልበት ሰብና ‘ውን ብዝተፈላለየ ኩነታት ዝተዳኸመን ‘ዩ፤ መሰረተ ልምዓትን (ፈልሲ ጣብያታትን) ትግራይ ፈራሪሰን ‘የን።

ስለዚ እተን ብዓቕምና ኣፍሊስና ዝተኸልናየን ፈልስታት ብዝግባእ ተንከባኺብና ናብ ዝብፃሕ ብርኪ ዕብየት ክነብፅሐን እቲ ኣብዝሓ ከባቢና ድማ ብምኽላል (Area closure) ካብ እንስሳ ኮነ ሰብ ምንኽኻእ ናፃ ብምግባርን በብኸባቢና ዝርከባ ሰውሕታት ብምሕላውን ቀዳምነት ሂብካ ክዕመም ይግባእ ይብሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከተማ ሕርሻ ድማ ካብ ማንም ግዘ ብዝዛየደ ብዝተለመን ብዝተዋደደን ኣገባብ ብምልማዕ ምንሃር ዋጋ ኣሕምልቲ፣ ፍረምረ፣ ደርሁን ጤለበጊዕን ንምርግጋዕ፣ በምግቢ ዓርስኻ ኪኢልካ ካብ ተፀባይነትን ተመፅዋትነትን ሓራ ንምውፃእ ብምንባብ፣ ብምድምማፅን ብምትሕብባርን ብዑቱብ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይበሃል ውራይ ከምዝኸነ የረድኡ፡፡

ብተማሳሳሊ ኣብ ክልል ትግራይ ብስራሕቲ ምርምርን ምልማድን ዝተዘርኡ ምሩፃት ዝራእቲ ጣፍ ዝሓሸ እቶት ክህቡ ከምዝኽእሉ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ክላስተር ኣክሱም ዘፍለተ ኮይኑ ከምኡ ውን ሓረስቶት ከባቢ መቀለ ብሰብ ሞያ ተሓጊዞም ዝዘርእዎ ዝራእቲ ኣብዝሓሸ ብርኪ ከምዝርከብ ‘ዮም ዝዛረቡ፡፡

እቲ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ክላስተር ኣክሱም ስራሕቲ ምርምርን ምልማድን ምሩፃት ዘራእቲ ጣፍ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ብርኪ ገምጋም እቶት ከምዘማላኽት ብምሕባር፤ ኣብቲ ማእከል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ፅጋቡ ንርኣዮ ከምዝገለፅዎ፣ ምርምር ስነ ዘራእቲ ክላስተር ኣክሱም ብምርምር ዝተረጋገፁ ድርቂ ፣ሕማም ዝፃወሩን ቀልጢፎም ምህርቲ ዝህቡን ዓሌታት ዘራእቲ ብምምንጫው ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም እቶት ንምድንፋዕን ከም ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ይስራሕ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

እቲ ማእኸል ዘለዉ መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ፀገማት ምስሳን ምህርቲ ኣብ ዘበነ ምህርቲ ዓመት 2016/2017 ዓ.ም ብዋናነት ኣብ 6 ዝተመረፃ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ልዕሊ 247 ሄክታር ብምልማዕ 807 ሓረስቶት ተረብሓቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ምርምርን ምልማድን ዘራእቲ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ዳሬክተር ናይ ዞም ብሉፃት ሓረስቶት ስራሕቲ ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ ካልኦት ሓረስቶት ብምግፋሕ ክስርሓሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱምን ኣብቶም ብተግባር ዝተዘርኡ ናይ ጣፍ ክላስተራት ካብ ብርኪ ዘራእቶም ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዉ ብርኪ ዕብየቶም ብመሰረት ገምጋም ሰብ ሞያ እቲ ማእከል ዘራእቲ ኣብ ዝሓሽ ብርኪ ከም ዘለዉን ዝሓሸ ምህርቲ ክህቡ ከምዝኽእሉን ይዛረቡ፡፡

ብምዃኑ ሓረስታይ ትግራይ ዘጋጠሞ ፀገም ክፈትሕ እንተኾይኑ ዝጥቀሞም ናውቲ ሕርሻን ብሓድሽ ፈጠራን ብብቑዓት ሰብ ሞያን ከም ኣክሱማዊት፣ኮራን ቀንጨን ዝመሳሰሉ ኣብ ክላሰተራት ኣክሱም ምስ ነባሪ ኣየር ዝስማዕምዑን ምዃኖምን ሕዚ ብዘለዎም ቁመና እቶም ዘራእቲ ብምርዳእ ሓረስታይ ክመሃረሎም ይግባእ ክብሉ ይመኽሩ፡፡

ብተማሳሰሊ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተውሃቦም ኣስተምህሮ ብምትግባር ሙሩፅ ዘርእን እታወታት ሕርሻን ተጠቂሞም ብኩታ ገጠም ዝዘርእዎ ዘራእቲ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዝርከብ ኣብ ከባቢ መቐለ ዝርከቡ ሓረስቶት ይገልፁ፡፡ ኣብ ትግራይ መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕን ቀረብ ፅሕረት ሙሩፅ ዘርኢ ንምቅላልን ትኩረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሓቢሩ ‘ዩ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስን መኣርግ ገ/ሄርን

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You