ኣብ 2017 ዓመት በጀት ሸሞንተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚእታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ክግበር ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ 2017 ዓመት በጀት ሸሞንተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚእታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ከምዝግበር፣ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃር ትኹረት ከምዝወሃቦን ንኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ‘ውን ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠርን ተገሊፁ፡፡ ኣብቲ ዕለት ሂወት ታሪኽ እቶም ኣምባሳደር ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ብ27መስከረም 2017 ዓ.ም 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ እንትኽፈት፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳዶር ታዬ ኣፅቀስላሴ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ኮይኖም ብተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተሸሙሉ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ‘ዩ፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ዘገበርዎ መደረ ኣብ 2017 ዓመት በጀት ትኹረት ክግበረሎም ‘ዮም ካብ ዝበለዎም ንለውጢ ኣየር ዘይፅለው ዘፈር ሕርሻ ምህናፅ ቀዳምነት ዝሃበዎ ‘ዩ፡፡

ንትግበራኡ ድማ ስራሕቲ ሜካናይዜሽን መስኖ ንክጠናኸሩ ብምግባር ምስ ኣቅርቦት እታወታት ተተሓሒዙ ድማ ብፍላይ ፀገማት ወፃኢ ሸርፍን ኣቅርቦት ልቃሕን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ተግባራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ገንዘብ ውፅኢታውነቱ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ትኹረት ካብ ዝግበረሎም ሓደ ምዃኑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣመልኺቶም፡፡  ፍላይ ዘፈር ኮንስትራክሽን ናይ ምምሕዳር፣ ናይ ምምራሕን ጠንኩር ትካላዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ፃዕሪ ክግበርን ኢንቨስትመንት ብዘበረታትዕ ምልክዑ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ‘ውን ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ዝርኣይ ሰፊሕ ናይ ዘይሕጋውነት ናብ ሕጋውነት ስራሕ ብምእታው፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዝተርኣየ ምንቅቓሕ ብምስፋሕን ብምቕፃልን ኢሉ ‘ውን ናብ ጠንካራ ዲጂታል ስርዓት ብምእታው ናይ 8 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ክግበር ‘ዩ፡፡

ናይ ውሽጢ ኣታዊ ንምዕባይ ናብ ስርዓት ታክስ ዘይኣተው ብምእታው፣ ሓደሽቲ ዓይነታት ታክስ ተግባራዊ ብምግባር፣ ስርዓት ምምሕዳር ታከስ ብምምዕባልን ታክሲ ብምእካብ፣ ዝወፅእ ወፃኢ ድማ ውፂኢታዊ ብምገባር፣ እቲ ስርዓት ታክሰ ናብ ክልላት ‘ውን ብምውራድ ኣታዊ መንግስቲ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪልዮን ንምብፃሕ ምትላሙ ሓቢሮም፡፡

ጥብቂ ፊሲካል ፖሊሲ ብምትግባር፣ ፍርያትን መፍረይነትን ብምሕያል፣ ብኣቅርቦት ወገን ዘለዉ ፈተናታት ብምፍታሕ ኣፍራይን ተጠቃማይን ዘራኽቡ ናይ ዕዳጋ መሰረተ ልምዓት ብስፍሕፋሕን ስርዓታት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃሪ ከምዝግብር ‘ውን ኣመለኪቶም፡፡

ሓደሽቲ ናይ ወፃኢ ፍርያታት ብምውሳኽ ከምኡ ‘ውን ተወሳኺ ናይ ዕዳጋ ከባቢ ብምስፍሕፋሕ፣ ፍርያታት ከምዘለዎም ካብ ምልኣኽ እሴት ወሲኽካ ብምልኣኽ፣ ናይ ወፃኢ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ ናብቲ ዘፈር ንክኣትው ምችው ኩነታት ብምፍጣር፣ ንተወሳእቲ እቲ ዘፈር ዝወሃቡ ዝተፈላለዩ መበረታትዒ ብምጥንኻር ካብ ንግዲ ሸቀጣት ወፃኢ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ወሳኒ ስራሕ ከምዝስራሕ ‘ውን ገሊፆም፡፡

ሎሚ ዘበን ንወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ትርፎም ካብ ሃገር ናይ ምውፃእ ሕቶ ግቡእ መልሲ ክወሃብ ‘ዩ ዝበሉ ቶም ፕሬዚዳንት፤ ንኢንቨስትመንቶም ‘ውን ውሕስናን ሓለዋን ከምዝወሃብ ኣረጋጊፆም፡፡

ናይ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ብምዕባይ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ንምብፃሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ሰፊሕን ዘላቕን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ብብርኪ ሃገር ስራሕን ሰራሕተኛን ብግቡእ ብምትእስሳር ከምኡ ‘ውን እቲ ዕዳጋ ዝደለዮ ክእለት ዘለዎ ሰብ ሓይሊ ብምቕራብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝጠናኸሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣናእሽተይ ኢንተርፕራይዛት ብምስፍሕፋሕ፣ ንመናእሰይ ኣብ ተግባር ዘተኮረ ስልጠና ብምሃብን ስራሕ ፈጣሪ ወለዶ ንምፍራይ ክስራሕ ‘ዩ፣ ናይ ወፃኢ ሃገር ናይ ስራሕ ምስምራይ ‘ውን ፅርየትን ቁፅፅርን ብምዕባይ ምስ በሄራዊ መለለይ ወረቀት ተኣሳሲሩ ንክስራሕ ክግበር ‘ዩ ኢሎም፡፡ ተግባራታቱ ‘ውን ሎሚ ዓመት ንኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንክፍጠሩ ከምዝግበርን ካብዚ ውሽጢ 700 ሽሕ ዝኸውን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝፍጠር ስራሕ ዕድል ክምዝኸውን ኣመልኪቶም፡፡

ብኻሊእ ወገን፣ ጉባኤ መበል 4ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣብቲ ዕለት መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኾይኖም እናገልገሉ ንዝፀንሑ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ፕሬዝዳንት ገይሮም ዝሸሙ ኮይኖም፤ ኣብቲ ዕለት ግዜ ስርሖም ንዝዛዘማ ነበር ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ነቲ ሓዱሽ ተመራፃይ ሕገ-መንግስቲ ኣረኪበን። እቶም ሓዱሽ ተመራፃይ ሓባራዊ ኣኼባ 4ይ ዓመት ዘመን ስራሕ ኽልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ከምዝተኸፈተ ብምብሳር ናይ ፕሬዝዳንት ሹመቶም ስራሕ ጀሚሮም።

ኣብ መኽፈቲ እቶም ኣብያተ ምኽሪ ዝተነበበ ታሪኾም ከምዘረድኦ፤ ፕሬዝዳንት ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተወለዱ ኣብ ደባርቕ ሰሜን ጎንደር ‘ዩ። ናይ መጀመርያ ዲግሪኦም ካብ ዩኒቨርስቲ በኣዲስ ኣበባ ብፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ረኺቦም። ኣብ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላንክስተር ድማ ብዓለም ለኸ ርክብን መፅናዕቲ ስትራቴጂን ኻልኣይ ድግሪኦም ረኺቦም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓፀርቲ ስልጠናታትን ኮርስታትን ዓለም ለኻዊ ርክብን ፖለቲካል ሳይንስን ወሲዶም። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ክፍሊ ስራሕ መምርሒ ኣውሮፓ ሓላፊ ዋና ክፍሊ ምዕራብ ኣውሮፓ፣ ግዝያዊ የዳይሬክተር ኢንፎርሜሽን፣ ኣብ ስቶክሆልም ኤምባሲ ፌዴሪኢ ብኣማኻራይነት፣ ኣብ ዋሽንግተን ኤምባሲ ፌዴሪኢ ብኣማኻራይነት ምግልጋሎም ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ታዬ፤ ኣብ ሎስኣንጀለስ ጀነራል ቆንስል፣ ኣብ 1998ዓ.ም ድማ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኾይኖም ተሸይሞም ‘ዮም። ኣብ ሎስኣንጀለስ ብበዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርነት መዓርግ ሓላፊ ቆንስላ ቤት ፅሕፈት፣ ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዳይሬክተር ጀነራል፣ ኣብ 2008 ዓ.ም ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኾይኖም ሰሪሖም።

ኣብ ግብፂ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፀዋዒ ቐዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኾይኖም ኣገልጊሎም። ኣማኻሪ ሚኒስትር ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኾይኖም ‘ውን ሰሪሖም። ኣምባሳደር ታዬ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኾይኖም ቕድሚ ምሻሞም ‘ውን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኾይኖም እናገልገሉ ነይሮም።

ኣብርሃ ሃጎስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You