ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ኣብ ኵናት ምስታፉ ዓለምለኻዊ ገበን ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ጁንታ ህወሓት ሰላም ዝደሊ ኣይኮነን፤ ህፃናት እናመልመልካ ናብ ኵናት ክኣትዉ ምግባር ዓለምለኻዊ ገበን እዩ ክብላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፒ.ኤች.ዲ ካንዲዴት ዝኾና ወይዘሮ መካ ኣደም ተዛሪበን::

ወይዘሮ መካ ኣደም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝገበረኦ ፃንሒት ከምዝገለፆኦ፣ መንግስቲ ፌዴራል ሰላም ብምድላይ በይናዊ ቶኲሲ ጠጠው ኣቢሉ እናሃለወ ብወገን ህወሓት ነዚ ተቐቢሉ ተግባራዊ ዘይምግባሩ ሰላም ዘይደሊ ሓይሊ ምዃኑ እዩ ዘማላኽት::

መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ብምሕሳብ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ እናሃለወ ብወገን ህወሓት ነዚ ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ተግባራዊ ምግባር ብህፃናት ዝተዓጀበ ውግእ ምቕፃሉ ቐሊል እንተይኮነስ ህፃናት እናመልመልካ ናብ ኵናት ምጥባስ ዓለምለኸ ገበን ምዃኑ ጠቚመን::

መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ብኵናት ተጎዲኡ እዩ ብምባል ብዙሕ ፃዕሪታት ዋላ እንተገብረ ኮይኑ ግና ህወሓት ኵናት ጠጠው ኣብ ክንድምባል ኣብ ርእሲኡ ህፃናት ናብ ኵናት እናሰለፈ ተወሳኺ ጉድኣት ኣብርእሲ ህዝቢ ትግራይ እናብፀሐ ይርከብ ክብላ ተዛሪበን::

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ሰላምን ምርግጋዕን ብምስኣና ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓብዪ ቅልውላው ምውዳቑ ብምጥቋም፣ በዚ ዝተልዓለ ኢትዮጵያ ዝበፅሓ ዘሎ ዓለምለኸ ፅዕንቶታት ንምምካት መጀመርያ ሰላምን ሓድነት ከምዘድሊ ተዛሪበን::

ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዝርርብ ከትፈትሕ እናኸኣለት ብሰንኪ ሰላም ዘይደሊ ህወሓት ኣብዘየድሊ ኵናት ጥሒላ እትርከብ:: ብምኽንያት እዚ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ክስእን ክኢሉ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ ከም ማንም ህዝቢ ሰላማዊ ኣየር እናተንፈሰ ክነብር እንተኾይኑ ፖለቲከኛታት ዘለዎም ፍልልይ ብልዝብ ክፈትሑ ኣለዎም:: እዚ ፀገም እዚ በቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕ ስለዝኸውን ህወሓት ናብ ቐልቡ ተመሊሱ ብዛዕባ ሰላምን ስቓይ ህዝቢ ከተሓሳስቦ ይግባእ ክብላ ተዛሪበን::

መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ዋላ ሓላፍነት እንተሃለዎ ሃገርና ሰላማ ስኢና ኣብ ዓብዪ ፀገም ፀጥታ ከትወድቕ ዝኸኣለት ብሰንኪ ህወሓት ብምዃኑ ናይዚ ኩሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ዝኾነ ህወሓት እዩ ክብላ ተዛሪበን፡

ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን ዘተኣማማን ሰላም የለን፤ ህዝቢ ተዘዋዊሩ ክስርሕን ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍስን እንተኾይኑ መንግስቲ ኣብ ዙርያ ፀጥታ ቖላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ክብላ ኣተሓሳሲበን::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You