ተስፋ ህፃናት ኣይተሕድግዎም

ናይ ሎሚ ህፃናት ናይ ፅባሕ ተስፋ ኢዮም። ህፃናት እንድሕር ዘይሃልዮም ኩሉ ነገር ኣይህሉን። ኩሉ ከንቱ እዩ ዝኸውን። ህፃናት ብኣካል ጎልቢቶም፣ ብትምህርቲ ፍልጠት ተዓጢቖም ዘመን ከሳግር ዘኽእል ስንቒ ሒዞም እንድሕር ዘይዓብዮም ናይ ፅባሕ ሰብ ብሩህ ተስፋ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህፃናት ዕድሎም ዝውሰን ዘሎ ጉዳይ ሃገር ዘይረአዮም እኩይ ተግባር ዝኽተሉን ንስልጣኖም’ምበር ንህፃናት ዝቐየስዎ ብሩህ ተስፋ ዝባሃል ነገር ኣይህልውን። ህፃናት ኣብ ናይ ውግእ ግንባር ኣሰሊፍካ ድራር ጥይት ምግባር ዕድል ሃገር ናብ ፀልማት ምእታው እዩ።

ጉዳይ ህፃናት ኣብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ሕብረት ኣፍሪካን ዓብዩ ጉዳይ እዩ። ኮይኑ ግና ብዝተዋሃቦ ግዝፈት መሰረት ተግባራዊ ኣይኮነን።

ናይ ተቓውሞን ውግዘትን ርእሲ ምዃን እኳደኣስ ብፖለቲካዊ ወገንተኝነት ተዘይውሰን ነይሩ ህፃናት ከም ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ውግእ ዋና ተሳተፍቲ ምግባር ይቕረ ወትሃደራት ክረድኡ፣ ክለኣኣኹ ዝገበረ ኩሉ ዋጋ ክኸፍል ይግበር ነይሩ እዩ። በዚ ሕጊ እዚ ህፃናት ተሓሳቢ ተገይሩ እዩ።

ብዓለምለኸ መሰል ህፃናት ኮንቬሽን ዓንቐፅ1 ዕድመ መሰረት ዝገበረ ትርጉም፣ ‹‹ህፃን ማለት ዝኾነ ዕድሚኡ ካብ 18ዓመት ንታሕቲ ዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሰብ›› ከምዝኾነ ይገልፅ።

ናይ ኣፍሪካ መሰል ህፃናትን ድህንነትን ብዓለምለኸ ቻርተር ዓንቐፅ2 ‹‹ነዚ ቻርተር ዕላማ ክባሃል ህፃን ማለት ዕድሚኡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሰብ እዩ። ›› ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ቤተሰብ ሕጊ ዓንቐፅ 215 መሰረት ድማ ኣካለ መጠን ዘይበፅሐ ሰብ ወይ ፆታ እንተይፈለየ ዕድሚኡ 18 ዓመት ዘይመልኦ እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት መሰል ህፃናት ድንጋገ ዓንቐፅ 33 መሰረት ዝኾነ ኣካል ህፃናት መደንዘዚ እፅ ተጠቐምቲ ከይኾኑ ዝኾነ ምምሕዳራዊ፣ ሕጋዊ፣ ማሕበራዊን ትምህርቲ ተንከፍ ዝኾኑ ስጉምትታት ክውሰዱ የግድድ።

ዓንቐፅ 38/1 ድማ ህፃናት ኣብ ውሽጢ ኵናት ከይኣትዉ መንግስታዊ ዝኾኑ ኣካላት ሓለዋ ክገብሩ ይእዝዝ። በዚ 18 ዓመት ዘይመለኦም ቖልዑት ብወተሃደርነት ምምልማል ዘይከኣል ምዃኑ ኣቐሚጡ እዩ።

ህፃናት ንውግእ ምጥቓም፣ ምምልማል፣ ክስልጥኑ ምግባር ወዘተ… እዚኦም ኩሎም ብሕጊ ዓለምለኸ ብናይ ኵናት ወንጀል ዘሕትቱ እዮም። ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን እቲ ኵነት ብባህሪኡ ዓለምለኸ ናይ ኵናት ወንጀል እዩ።

እዚኦም ኩሎም ዓለምለኻዊ ድንጋገታት ኣብዘለዎ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ምናልባት ዕድሚኦም 14ን15ን ዓመት ብርክት ዝበሉ ህፃናት ምንም ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ናብ ውግእ ክኣትዉ ገይሩ እዩ። ኣብዚ ዝተሳተፉ ሰባት ሙሉእ ብሙሉእ ብሕጊ ዘሕትቶም እንትኸውን፤ እቲ ተግባር ብሕጊ ኣለምለኸን ብናይ ውሽጢ ሃገር ተሓታትነት ዘለዎ ምዃኑ ሰብ ሞያ ሕጊ ይዛረቡ።

ጁንታ ህወሓት ነዚ ተግባሩ ክብል ኣብ ቐረባ ግዜ ብርክት ዝበሉ ኩንታል መዐወኒ እፅ ብመኪና ፅዒኑ ካብ ሑመራ ናብ ተፈላለዩ ከባቢታት ከአቱ ክብል ተታሒዙ እዩ። እዚ መዐወኒ እፅ ካናቢስ ዝተባህለ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።

ብሕጊ ዓለምለኸ ዝተኸልከለ መዐወኒ እፅ ጉጅለ ህወሓት ዕድሚኦም ንውግእ ዘይበፅሑ ህፃናት ክጥቐሙ ብምግባር ናብ ውግእ እናአተዎም ምዃኑ ምሩኻት ዝተዛረብዎ ሓቒ እዩ።

ጁንታ ህወሓት ህፃናት ናብ ውግእ ክኣትዉ ምግባር ከይኣኽሎ ህፃናት ዓለምለኸ ወንጀል ዝኾነ መዐወኒ እፅ ክጥቐሙ ብምግባር ዕላምኡ ንምትግባር ዝደለዮ ካብ ምግባር ንደሓር ከምዘይብል ዘርኢ እዩ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስትታት ህፃናትን ግጭትን ብዝምልከት ብቖላሕታ ምስራሕ ካብ ዝጅምር 3 ዓመት ኣቚፂሩ እዩ። ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ናይ ነንባዕልኻ ኵናት ብቑፅሪ ምቕናሱ ዋላ እንተተፈልጠ ህፃናት ንውትድርና ምምልማል ግና ሕዚ ‘ውን ተጣናኺሩ ቐፂሉ እዩ።

እዞም ህፃናት እዚኦም ካብ ኵናት ምድሓን ግቡእ ዋላ እንተኾነ ሓላፍነት ዘይስመዖምን ብፅምኢ ስልጣን ህራስ ዝሰኣኑ ኣካላት ህፃናት ብነበልባል ኵናት ክጭረሱ እናገበሩ ይርከቡ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ 250ሺሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ህፃናት ወትሃደራት ከምዘለዉ ዝግመት እንትኾን፣ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ እዮም።

ሕብረት ኣፍሪካ ነዚ እኩይ ተግባር ጠጠው ናይምባል ሓላፍነት ዋላ እንተተደርበዮ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ፈተውቲ ዓርሶም ምኽንያት ድኻሙ ኮንቱ ኮይኑ እዩ።

ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኵናት ህፃናት ብዝምልከት ቖላሕታ ሂቡ እናሰርሐ እንትኸውን፤ ብርክት ዝበሉ ድንጋገታት ኣውፂኡ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሽጢ ኵናት ዝርከቡ ህፃናት ድሕንነት ምሕላዉ ንምክትታል 2005 ኣ.ፈ ኣብ ዝወፅኦ ድንጋገ ቑፅሪ 1612 እናታሓገዘ እናሰርሐ ይርከብ። እዚ ኩሉ ፃዕሪ ዋላ እንተተገብረ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ኣብ ሊብያን ኣይቮሪኮስትን ብዝነበረ ግጭት ብርክት ዝበሉ ህፃናት ንውግእ ከምተሰለፉ ናይ ቐረባ ግዜ ሓቒ እዩ።

ኣብ ሃገርና ክልል ትግራይ ዘሎ ግብረ ራዕዳዊ ጁንታ ህወሓት ኣብ ቐረባ ግዜ ንሕማቕ ዕላማ ንመፈፀሚ ህፃናት ካብ ጉሎ ኣዴታቶም ብምሕዳግ ንኵናት ክስለፉ ከምዝገበረ ዓለም ተዓዚቡ እዩ። ኮይኑ ግና ብተዓዘቦ መሰረት ምንም ክዛረብ ኣይከኣለን።

ሕብረት ኣፍሪካ ብዘለዎ ልዑል ናይ ሞራል ሓላፍነት ነዞም ህፃናት ናብ ኵናት ክጥጠቁ ናይ ምግባር ተግባር ደው ንምባል ምኹናንን ጥንኩር ቕዋም ምሓዝ የድሊ። ነዚ ድማ ናይ ምፍፃም ዓቅሙን ብምስፋሕ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስድ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝወፁ ሪፖርትታት ሕቡራት መንግስትታት ከምዘርእዮ ብመሳርሒ ኵናት ዝተሓገዙ ጎንፂታት ታክቲከኦምን ባህሪኦምን ቐይሮም እናተቐልቐሉ እዮም።

እዚ ኣቐራርባ ህፃናት ብዓብይኡ ናብ ኵናት እናጠጠቖም እንትኸውን መቐፀልቲ እቲ ኵናት ድማ እቶም ህፃናት፣ ንባዕሎምን ንኻልኦትን ብቦንቢ ብምጥፋእን ብግብረ ራዕዳዊ ተግባር ክሳተፉ እናገበረ እዩ። እዚ ኣብ ቐረባ ግዜ ብጁንታ ህወሓት ዝተረኣየ ተግባር ነዚ ኣድሚቑ ዘርኢ እዩ።

እዚ ተግባር እዚ ብመሰል ህፃናት ኣፍሪካ ዋላ እንተተደንገገ ብዝገርም ኩነታት ፍፃሚኡ ክንድዚ እዩ ዝባሃል ኣይኮነን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ጎንፂ መሰል ህፃናት ኣብ ምሕላው ዘለዎ ሪከርድ ዝነኣሰ እዩ።

ብሕቡራት መንግስትታት ድንጋገ መሰል ህፃናትን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ መሰረት ናይ ህፃናት ቻርተር ድሕንነት ህፃናት ብዝግባእ መንገዲ ክኽበር ኣለዎ።

በቲ ቻርተር ሕብረት ዓንቐፅ 22 መንግስትታትን ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ሰብኣዊ ብምኽባር ኣብ ኵናት ውሽጢ ንዝርከቡ ህፃናት ድሕንነቶም ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም። ዝኾኑ ህፃውንቲ ኣብቲ ኵናት ተሳተፍቲ ከይኾኑ ምርግጋፅ ናይ ኩሉ ግዴታ እዩ። ዝተወሰነ ፃዕሪ እንተሃለወ እኳ ሕዚ ‘ውን ኣብ ሪፐብሊክ ማእኸላዊ ኣፍሪካ፣ቻድ፣ሪፐብሊክ ዴሞክራቲክ ኮንጎ፣ ማሊ፣ ሶማሌ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ህፃናት ናብ ኵናት ናይ ምስላፍ ተግባር ከምዝቐፀለ ብርክት ዝበሉ ሪፖርትታት የማላኽቱ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድማ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ነዚ ተግባር ብምኽታል ብርክት ዝበሉ ህፃናት ኣብ ኵናት ክልብለቡ እናገበረ ምኵኑ ብግልፂ ተራእዩ እዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You