ተግባር ጁንታ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ መረጋገፂ እዩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓረስታይ ንኽሓርስን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽጠናኸርን ብምሕሳብ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ካብ ዝውስን ሓደ ወርሒ ገይሩ እዩ፡፡ውሳነ መንግስቲ ሲዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ መቐለን ኻልኦት ከተማታት ትግራይ ወፂኡ እዩ፡፡ቅድሚ ምውፃኡ ግና ልዕሊ ብር 100 ቢሊዮን ወፃኢ ብምግባር በቲ ጁንታ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብን ይነጥፍ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኮሚቴ ህፁፅ ብሄራዊ ድጋፍ ኣብ ብሰለስተ ዙር ድጋፍ እናገበረ ከምዝፀንሐ ግልፂ እዩ፡፡

መንግስቲ ካብቲ ክልል ክወፅእ እንተሎ ንህዝቢ ንምክፍፋል ዝተዳለወ 400 ሽሕ ኩንታል ስርናይን 2.5 ሚሊዮን ሌትሮ ናይ ምግቢ ዘይቲ ኣብ መኽዘን ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ 14 ሚሊዮን ሊትሮ ነዳዲ ህዝቢ ክጥቀመሉ እዩ ብምባል ኣብ ናይ ክልል ዲፖታት ተኸዚኑ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ኮይኑ ግና እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ንዚኳ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝቢ ምውዓል ንኲናት መናውሒ እዩ ዝተጠቐመሉ፡፡በዚ ድማ እቲ ቐንዲ ተጎዳኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ገፆም በቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘሕለፈዎ መልእኽቲ ፣ ጁንታ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዕሊ እናንዳዕደዐ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ንዚ ዝበሉ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢሉ ሓረስታይ ከይፅገም ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ትራክተራትን ዝኣመሰሉ እታወታት ሕርሻ ንክባፅሑ ለይትን ቀትርን እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ንተግባራውነቱ’ውን ውፉይነት ኣርእዩ እዩ ፡፡ኮይኑ ግና እዞም ፃዕርታት በቲ ጁንታ ምኽንያት ውፂኢታዊ ክኾኑ ስለዘይኸኣሉ ህዝቢ ትግራይ ይጉዳእ ኣሎ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ ውሳነ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ከውስን እንከሎ፤ ክራማት ከይሓለፍ ህዝቢ ክሓርስን ክዘርእን፣ ከምኡ ድማ ሰብአዊ ሓገዛት ብህፁፅ ክባፃሕ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብተግባር ንምግላፅ እዩ፡፡እዚ ሰናይ ድሌትን ፃዕርን መንግስቲ ፌደራል ግና በቲ ሓይሊ ጥፍኣትን ንውልቃዊ ስልጣኑ’ምበር ንህዝቢ ዘይግደስ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተኾሊፉ ኣሎ፡፡ሓረስታይ ቀለብ ዓመቱ ተረጋጊዑ ከይሓርስ፣ ኣብ ወሳናይ እዋን ሕርሻ ናብ ኹናት እናዳጎኖ ይርከብ ፡፡በዚ ድማ እቲ ጁንታ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

እዚ ፀረ ህዝቢ ሓይሊ ዝጠመየ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሖን ንክዕንገልን ምስራሕ፣ እዚ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ ንጎድኒ ገዲፉ ንተወሳኺ ኹናትን ጥፍኣትን ይሸባሸብ ኣሎ፡፡ካልእ ተሪፉ ንኣዋርሕ ኣብ መኻዚኖታት ዝተቐመጠ ሓገዝ ህዝቢ ብእዋኑ ከይረክብ ይገብር ኣሎ። እዚ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ተረዲኡ ህዝብና ብጥምየት ከይተጎድአ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ስራሕቲ ክስርሑ ህዝቢ ድፍኢት ክገብር ይግባእ፡፡ተግባር እቲ ጁንታ ድማ ከውግዝን ክኹንን ኣለዎ፡፡

ዕድሜኦም ዘይበፅሑ ህፃውንቲ ቆልዑት/ሰገናት ኣብ ክንዲ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ምስራሕ፤ ኣገዲዱ ናብ ኲናት እናእተዎም’ውን ይርከብ። እዚ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንትውልዲ ቐፃልነትን ንዓለምለኸ ሕግን ደንታ ከምዘይብሎም ብዕሊ ዘረጋገፀ ተግባር እዩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ንዚ ተግባር ካብ ምኹናን ንላዕሊ እምብለይ ብምባል ክቃወሞን ክቃለሶን ይግባእ፡፡

ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት እንትንርኢ ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ጁንታ’ምበር ፌደራል መንግስቲ ወይ ድማ ካልእ ኣካል ከምዘይኮነ ምርግጋፅ ይከኣል፡፡ስለዝኾነ’ውን ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ዳግመ-ህንፀት ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ካብ ንጉሖ ስጋብ ምሸት ካብ ዝወቕዖ ኸቦሮ ኹናት ተናጊፉ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ህዝቢ ዝደልዮ ግልጋሎት ክረክብ ንምግባር ኩሉ ክንቀሳቀስ ይግባእ ፡፡እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ፃዕሪ ህዝብን መንግስት ፌደራልን ንድሕሪት ንምምላስ ዝብሮ ርኡይ ምንቅስቃስ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ መረጋገፂ እዩ፡፡ስለዝኾነ ኩሉ ክቃለሶ ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You