እሴታት በዓል ኢሬቻ!

በዓል ኢሬቻ ብህዝቢ ኦሮሞ በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ‘ዩ፡፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ በቢዓመቱ ኣብ ኣዳባባይ ብድምቐት እናተኸበረ ዝመፀ ዓብዪ በዓል ኮይኑ ሎሚዘበን ድማ ብዋናነት 25ን 26ን መስከረም ብድምቀት ክኽበር ‘ዩ፡፡ ኢሬቻ ንፈጣሪ ናይ ምምስጋን በዓል ኮይኑ ካብዚ ሓሊፉ ኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ረብሓ ‘ውን ኣለዎ፡፡

ኢሬቻ ብመንፅር ናይ ሓድነት እሴት!

ኢሬቻ ካብ ትካላት ስርዓት ጋዳ ሓደ እንትኸውን ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ንፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል ‘ዩ፡፡ ኢሬቻ ኣብ መንጎ ደቒ ሰባትን ፈጣሪን ከምኡ ‘ውን ፍጥረታትን ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ብቋንቋ ኦሮሞ ‹‹ሰፉ›› ተገዛእነቱ ዝገልፀሉ ኽብረ በዓል ‘ዩ፡፡

ሕጊ ተፈጥሮ ከይዛባዕ ክሳብ ሕዚ ዘፅነሖም ፈጣሪ ብሓባር ኮይኖም ብሓደ ኮይኖም ንፈጣሪ (ዋቃ) ምስጋና ዘቕርብሉ ‘ዩ፡፡ ምስ ተፈጥሮ ዘለዎም ርክብ ወይ ምትእስሳር ዘሐድስሉ በዓል እምበር ኢሬቻ በዓርሱ ሃይማኖት ኣይኮነን፡፡ ኢሬቻ ምስ ዕርቒ፣ ይቕሬታ፣ ሕብረት፣ ፍቕርን ሰላምን ዝመሳሰል ‘ዩ፡፡

  1. ኢሬቻ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ይካየድ፡፡ ንሳቶም ድማ፡-

1.1. ኢሬቻ መልካ፡- እዚ ኢሬቻ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ መልካ ዝኽበር በዓል ‘ዩ፡፡ ናይ መልካ ኢሬቻ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ከይተዛበዐ ንምፅንሑ ንመፃኢ ‘ውን ሚዛኑ ክሕሉ ንዋቃ ቶኪቻ (ንሓደ ፈጣሪ) ለምለም ሰዓሪ ተታሒዙ ምስግና ዝቐርበሉ መዓልቲ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ዝናብ ንዝሃቦ ዋቃ (ፈጣሪ) ምስግና የቕርብ፡፡ ንቐፃሊ ‘ውን ብቋያ ካብዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ተሓልዩ፤ ብሰላም ናብ ቖፍኡ ክኣቱ ንፈጣሪ ዝልመነሉ ‘ዩ፡፡

1.2. ኢሬቻ ቱሉ፡- እዚ ዝከናወነሉ ናይ ሓጋይ ኣዋርሕ ተፋሪቖም በልጊ/ኣርፋሳ እንትኣቱ ‘ዩ፡፡ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ ጎቦታት ብምድያብ ንመፃኢ ክረምቲ ዝናብ ሃበና፣ ኣዋርሕ ‘ውን ናይ ኣዝመራ ግዜ ግበረልና ብምባል ንፈጣሪ ይልምኑ፡፡

  1. ኢሬቻ ንምንታይ ይኽበር?

ኢሬቻ ንኽልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ይኽበር፡ ፡ ፈጣሪ ንወድሰብ ዝገበሮ ፅቡቕ ተግባራት ምስግና ንምቕራብ እንትኸውን ካሊእ ድማ ንመፃኢ ክኸውን ዝግበኦ ነገር ንምልማን ‘ዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኦሮሞ ከቢድ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ዘሕለፈሉ ዋቃ(ፈጣሪኡ) ናብ መልካ ብምውራድ የመስግን፡፡

ንኹሉ ዝፈጠረ ኣምላክ ኩሉ ሓሊፉ ነቲ እዋን ዘብፀሖ ኣምላክ ብንፁህ ልቢ ብምምስጋን ይቕሬታ ይጥይቕ፤ ናይቲ ዓመት ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ዓወትን ብልፅግናን ክኸውን ይልምን፡፡ ኣብዚ እዋን ነኒበዓሉ እንኳዕ ንብራ/ፅድያ እዋን ኣብፀሐኩም ብምባል ደስትኡ ይገልፅ፡፡ ኢሬቻ ናይ ምስግናን ልመናን እሴት ስለዝኾነ ልሙዕ ሰዓርን ዕንበባ ገለመስቐልን ሒዙ በቢኣንፈቱ ተኣኻኺቡ ኣብ መልካ /ሩባ/ የመስግን፡፡ ደቒ ኣንስትዮ ‘ውን ከምዝስዕብ ዜማ እናዜማ ንምምስጋን ይኸዳ፡፡

Mareehoo, mareehoo, mareehoo፣ ዘይሩ መፀልና (3)

Alaa mana nuuf toli yaa ayyoleehoo፣ ካብ ውሽጥን ደገን ኩሉ ፅቡቕ ይኹነልና Mareehoo, maree­hoo, mareehoo፣ ዘይሩ መፀልና(3)

Mee nutti araarami yaa ayyoleehoo፣ በይዛኻ ተዓረቐና ንምምስጋን ናብ መልካ (ሩባ) ይኸዱ፡፡

ደቒ ተባዕትዮ ካብ ኢሬቻ እንትምለሱ /Gabbi­sayyoo/ ገብሰዮ እናበሉ እናዝየሙ ይምለሱ፡፡

Gabbisayyoo hoo…hoo… roobee biyya gab­bisee

Gabbisayyoo hoo..hoo… roobee biyya gabbi­see

Gabbisayyoo hoo…hoo roobii lafa nuuf ga’i,

Gabbisayyoo hoo…hoo yaa Waaqi ati nuuf nahi… ይብሉ፡፡

እዚ ተሳኺዑልና፤ ብሰላም ተመሊስና ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ፡፡

  1. በሃልን ስርዓትን ኢሬቻ

በዓል ኢሬቻ ብዓብዪ ድምቀትን ስርዓት ዝኽበር በዓል ‘ዩ፤ ኣብዚ በዓል እዚ ክግበሩ ዘለዎምን ዘይብሎምን ስርዓታት ኣለዉ፡፡

  • ቒምን ፅልእን ሒዙ ናብ ምምስጋን ምውፃእ ክልኩል ‘ዩ፡፡
  • ንኣባ መልካ ቐዲምካ ናብ ናይ ኢሬቻ ቦታ ኣቲኻ ምምስጋን ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡
  • ናይ ኢሬቻ ቦታ ክቡር ‘ዩ፤ ረሳሕ ነገር ኣይድብረየሉን፤
  • ብለይቲ ናብ ኢሬቻ ኣይውፃእን፡፡ ስርዓት ኣይኮነን ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡
  • ኣብተዘርገ ሩባ፣ ማለት ኣብ እዋን ክረምቲ ንኢሬቻ ኣይውፃእን፤ ስርዓት ኣይኮነን/ ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡
  • ደቒ ተባዕትዮ ዛዕጎል ኣይገብሩን፤ ስርዓት ኣይኮነን/ ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡
  • ደናግል ደቒ ኣንስትዮ ሲንቄ ኣይሕዛን፤ ስርዓት ኣይኮነን /ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡
  • ብዘይ ለምለም ሳዕሪ ንምስግና ናብ ኢሬቻ ኣይኽየድን፤ ስርዓት ኣይኮነን/ዝተኸልከለ ‘ዩ፡፡

 

  1. ኢሬቻ፣ ናይ ሓድነት እሴት!

ኦሮሞ ንሓድነትን ንሕውነትን ዓብዪ ቦታ ኣለዎ፤ ብባህሉን ብሞጋሳን ብምኽንያት ጉዲፈቻ ባዳ ኣፀጊዑ ባህሉ ብምውራስ፣ ሃፍቱን ንብረቱን ብምክፋል ሓቢሩ ይነብር፤ ዝምድና ‘ውን የጣናኽር፡፡ በዙይ መሰረት ንእሽተይ ንዓብዪ ከኽብር፣ ብሕውነት ሓቢሩ ክነብር ይገብር፡፡

በዓል ኢሬቻ ነዚ ባህልን ልማድን ብምጥንኻር ንሓደ ዕላማ ዝወፁ ሰባት ብንፁህ ልቢን ኣእምሮን ፈጣሪኦም ብምምስጋን ክምለሱ ሓድነቶምን ሕውነቶምን ከጠናኽሩ ይበረታትዑ፡፡ ከም ኢሬቻ ልማድን ስርዓትን ካብ ተፈላላየ ቦታ ዝመፁ ተሳተፍቲ ብዘይምንም ፍልልይ፣ ብፍቕርን ሓድነትን ንፈጣሪ የመስግኑ፡፡ ሓቢርካ ምምስጋን ብሓባር ምስታፍ ምዝንናይን ግዜ ምሕላፍን ድማ ነንርእስኻ ንምፍላጥ ባህሊ ንምልዋጥ ይሕግዝ፤ ሕውነትን ሓድነትን የጠናኽር፡፡

ናይ ኢሬቻ በዓል ናይ ሓጎስ በዓል እንትኸውን ኦሮሞ ብዕድመ፣ ብፆታ፣ ብሃይማኖት፣ ብኣማላኻኽታን ብደረጃ ናብራን እንተይተኻፋፈለ ብሓደ ወፂኡ ዘኽብሮ በዓል ‘ዩ፡፡ ስለዚ ኢሬቻ ኦሮሞ ሓድነቱ፣ ሕውነቱ፣ ፍቕሩ፣ ብብሄራዊ ኩርዓቱ፣ ታሪኹን ባህሉን ዝገልፀሉን ዘሕድሰሉን መድረኽ ‘ዩ፡፡ ንኦሮሞ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልይ መሰረት መልክዑን ሓድነቱን ከምዝኾነ ኢሬቻ ሓደ መርኣያ ‘ዩ፡፡ በዓል ኢሬቻ ብመንፅር ሓድነት ኦሮሞን ሕውነት ብሄር ብሄረሰባትን ምጥንኻት ምችው መድረኽ እናኾነ መፂኡ ‘ዩ፡፡

4.1. ኢሬቻ፣ ናይ እርቒ፣ ምርቃትን ሰላምን መድረኽ!

ናይ ኢሬቻ እሴታት ምስ ሰላምን ዕርቕን ዘለዎም ምትእስሳር ብቐንዱ ይጥቐስ፡፡ በዓል ኢሬቻ ቕድሚ ምእታዉ ኣባገዳታትን ናይ ሃገር ሽማግለታትን በቢከባቢኡ እናኸዱ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ቅሬታን ዘይምስምዕማዕን እንተልዩ ክፍታሕ፣ ይቕሬታ ክበሃሃሉ፣ ደም ዝተዳመየ እንተልዩ ጉማ /ካሳ/ ክኸፍል ይገብሩ፡፡ ዕርቒ ከይገበሩ ቒም ሒዞም ንምምስጋን ናብ ኢሬቻ ምኻድ ዝተኸልከለ (Morally sanctioned) ‘ዩ፡፡

ኢሬቻ ብንፁሕ ልቢን ኣእምሮን፣ ብዘይ ቒምን ቕርሕንትን ከይድካ ሰላም ዝስበኸሉ ‘ዩ፡፡ ኢሬቻ ዝካየደሉ ቦታ ኩሉ ናይ ሰላምን ዕርቕን ቦታ ‘ዩ፡፡ ንምምስጋን ናብ መልካ እንተተኸይዱ ድሓረ ኣባገዳታት ነንርእስኹም ይቕረ ተበሃሂልኩም ዶ? ነንርእስኹም ሰላም ዲኹም? ምስ ፍጥረታትን ፈጣሪን ሰላም ዶ ኣውሪድኩም? ኢሎም ይጥይቑኻ፡ ፡

ምናልባሽ በቢኻባቢኡ ዕርቒ ከይገበረ ዝመፀ እንተልዩ ኣይሽምኳይዶ ኣብዚ እዋን ይቕሬታ ብምጥይያቕ ምስግና ኣቕሪቦም ይኸዱ፡፡ ስለዚ ንምምስጋን ልሙዕ ሳዕሪ ሒዙ ዝወፅእ ሰብ ቒምን ፅልእን ኣወጊዱ፣ ሰላም ሕውነት፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ተስፋ፣ ብልፅግናን ሰናይ ትምኒትን ይሰብኽ፡፡ ይእውጅ፡፡

ካብ ፈጣሪ ዝተዋሃቦ ውህብቶ ኣፍልጦ ይህብ፡፡ የመስግን፡፡ ኣብ ፍጥረታትን ፈጣሪን ዘሎ ምትእስሳር የድንቕ፡፡ እንተመስግን ‘ውን ንቤተሰብ፣ ንጎረቤት፣ ብሓፈሻ ንወዲሰብ፣ ንሃገር ሰላምና ፍቅሪ ብምምናይ ይዝምር፡፡ የመስግን፡፡ እዚ ድማ ኢሬቻ ናይ ዕርቕን ሰላምን ምሳሌ ምዃኑ የመልክት፡፡ ካብዚ ንርደኦ ኢሬቻ ናይ ሰላምን ዕርቕን መድረኽ ምዃኑ ‘ዩ፡፡

4.2. ኢሬቻ ብመንፅር ኢኮኖሚያዊ ረብሓ

በዓል ኢሬቻ ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ኣለዎ፤ ፅቡቕ ምስሊ ሃገርና ንዓለም ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ፍልፍል ኢኮኖሚያዊ እቶት እናኾነ መፂኡ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ንናይ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ናይ መጋየፂ መፍረይቲ ፅቡቕ ኣጋጣም ዝፈጥረሎም ‘ዩ፡፡ እንድያውም ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ንሃገር ተወሳኺ እቶት የርክብ፡፡

ከም መዘናግዒ ናይ መራኸቢ ኮይኑ የገልግል፡፡ ብተወሳኺ ንናይ ሃገርና ዕቤት ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ዘበርክቶ ኣስተዋፀኦ ልዑል ‘ዩ፡፡ ናይ ባህላዊ ክዳውንቲ እናዘመነ ምምፅኡ ብባህሊ‹‹ኣብዮት›› ውሽጢ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ናይ ውልቀ ሰባት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ብመንፅር ምፍላጥ ባህልን መንነትን ኦሮሞ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ‘ዩ፡፡

4.3. ኢሬቻ ናይ ባህሊ ህዳሰ

ናይ ባህሊ ህዳሰ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ስራሕ ባህሊ፣ ማህበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቕስቃስ ብንቕሓት ብምስታፍ ተፈላጥን ተፈታውን ክኸውን ምግባር ‘ዩ፡፡ ከም ኢሬቻ ዝበሉ ፌስቲቫላት ናይ ባህሊ ህዳሰ ብምምፃእ ልዑል ግደ ኣለዎም፡፡ ኣብ ናይ ምምፃእ ምልዕዓል ባህሊ ህዳሰ ልዑል ግደ ኣለዎም፡፡

ኣብ ናይ ምልዕዓል ባህሊ ህዳሰ ኢሬቻ ናይ በዓሉ ግደ ኣለዎ፡፡ ኢሬቻ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝርከብሉን ብዝተፈላላዩ ክዳውንቲን መጋየፅትን ተመላኺዖም ዝወፅሉ በዓል ስለዝኾነ ኣብ ናይ ባህሊ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ንምዕባይ ምስ ዝዘመነ ናይቲ ዘመን ቴክኖሎጂ ብምዝማን ንምስፍሕፋሕን ሕብረተሰብ ተጠቓሚ ንምግባር ይሕግዝ፡፡

4.4. ኢሬቻ፣ ንመልክዕን ንብሔራዊ ኩርዓትን!

ኢሬቻ መግለፂ መልክዕ ‘ዩ፡፡ እዙይ ክበሃል እንተሎ ኣብቲ መዓልቲ በዓል ዝኽደኑ ክዳውንቲ፣ ዝግበሩ መመላኽዕቲ፣ ብኢድ ዝተሓዙ ናይ ኽብሪ ኣቑሑ፣ ናይ ተሳተፍቲ ኣካዳድናን ኣካይዳን፣ መዝሙራትን ድርፍታትን ኩሎም ማረኽቲ ‘ዮም፡፡ ደቂ ኣንስትዮ ሲንቔ ሒዘን፣ ጫጩ ደሪበን፣ ጨሌ ገይረን፣ ጮጮና ለምለም ሳዕሪ ሒዘን፣ ብባህላዊ ክዳውንቲን መመላኽዕታትን ተመላኺዐን ‹‹መሬ ሆ›› እናበላ ቕድሚ ቕድሚ ኣባ ገዳታትን ካልኦት ተሳተፍቲን እንትኸዳ ማራኺ መልክዕ ኣለዎ፡፡

ባህልን ፅባቐን ብሓባር ምስ ዝረአ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህልን መንነትን ንምግላፅ ምልዕዓል ይፈጥር። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን በዓል ኢሬቻ ብኸምዚ ኣገባብ ክኽበር ምኽኣሉ መንእሰያት ባህሎም ክፈልጡን ከኽብሩን፣ ብመንነቶም ክሕበኑን ሃገሮም ክፈትዉን ዓቢዪ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You