‹‹ሰራዊትና ብሄራዊ ኣርማናን ዓምዲ ሉኣላውነትናን እዩ›› ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 15 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምድጋፍን ንራዕዳዊ ህወሓት ንምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም፡፡ ኣብ ሰልፊ ተሳተፊቲ ዝኾኑ ነበርቲ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘሞግሱ ንጁንታ ድማ ዝቃወሙ ጭርሖታት ሒዞም ወፂኦም እዮም፡፡

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺበን ዝገበርኦ መደረን ዘሕለፍኦ መልእኽትን ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ነዚ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ዘዳለውኹም ማሕበራት ኣመራርሓ፣ ኣባላት፣ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን፤ጉጅለ ጁንታ ንምቅዋም ኣብ ጎኒ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገርና ምዃንኩም ድጋፍኹም ክተስምዑ ናብ ኣደባባይ ዝወፃእኹም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ፍትዋት ኣቦታትና፣ዝተኸበርክንን ዝተኸበርኩምን፣ እዚ ሐዚ ዘለናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍን ብሃንቀውታ እንፅበዮ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ዘሰምበዶም ባንዳታት፣ታሪኻዊ ፀላእትናን ምስ ናይ ደገ ፀላእትና ሕብረት ፈጢሮም፤ሉኣላውነትና ንምድፋርን እቲ ዝጀመርናዮ ሃገራዊ መገዲ ብልፅግና ንምትዕንቓፍ ቓልሲ ሞትን ሕውየትን እናገበሩሉ ዘሎ እዋን እዩ፡፡

ብርግፅ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ፈተና ዝሓለፈት ሃገር እያ፤ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ገጢምዋ ዘሎ ፈተና ግና ኣፀገምቲ ካብ ዝበሃሉ እቲ ሓደ እዩ፤እንተኾነ’ውን፤ንዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ብፍቕሪ ‘ምበር ብሓይሊ ዘይንብርከኽ ህዝብና ሒዝና ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ሓሊፍና ብሓድነትን ብፅነዓትን ጠጠው ኢልና ንዝገጥሙና ፀገማት ብዓወት እናሰገርናዮም ኢና፡፡ ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ዝተኸተለ 6ይ ሃገራዊ መረፃ፣2ይ ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ብምዝዛም ኣብ ዓለም ደሚቓ ዝተርኣየትሉ ዓወታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዘመዝገብናዮ ዓወት ንመላእ ዓለም ትምህርቲ ዝሃበን ክብተኑ እዮም እናበሉ እናፋለዩልና ንዝነበሩ ኣካላት ፈፂምና ከምዘይንምብርከኽ ብጋህዲ ዘመስከርናሉ እዩ፡፡ በዓል ቤት ናይዚ ኣንፀባረቒ ዓወት ንዝኾነ ነቲ ጨዋን ዘይምርከኽን ህዝብና ድንን ኢልና ዓብዪ ኣኽብሮትን ምስጋናን ነቕርብ፡፡

ፍትዋት ነበርቲ ከተማና ዝተኸበርክንን ዝተኸበርኩምን ኢትዮጵያውያን፤ኣብ 2ይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ እናበፅሐና ዝነበረ ፅዕንቶ ተፃዊርና፤ ጉዳይ ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ኢልና ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተረኺብና ስዒርና ኢና፡፡ ብዓወታትና ከይተዘናጋዕና ስንና ነኺስና ግድብና ብምምላእ ለይትን ቐትን ሰሪሕና ተፈጥሮ ‘ውን ሓጊዙና 2ይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብና ብዓወት ብምዝዛምና፤ወፍሪ ሓሶት እናነዝሐ ሃገርና እናፀለምና ንዝነበረ ጉጅለ ህወሓት፤ካብ ኢትዮጵያ ብዝሰረቖ ገንዘብ ዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ወፍሪ ምጥፋእ ሽም ኢትዮጵያ ንኽፅምበሩ ብዙሕ ፃዕሪ እናገበረ ርኢናን ኣስተባሂልናን ኢና፤ብዘይኣግባብ ሽምና እናፀለሙ ዝውዕሉ ሓደሓደ ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ እናሰለፈ እዞም ሚዲያታት ግና ጉጅለ ጁንታ ህፃውንቲ ናብ ኲናት እንተሰልፍ ሪኦም ከምዘይርኣዩ ምሕላፎም ዕላምኦም እንታይ ከምዝኾነ ብጋህዲ ኣስተውዒልናዮ ኢና፡፡

ቖራፃት ኢትዮጵያውያን እስካዕ ዘለዉ እዞም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘወራርድዎ ዋላ ሓንቲ ሒሳብ ከምዘይህሉ ተረዲኦም ካብዚ እከይ ተግባሮም ብቕልጡፍ ንኽዕቀቡ ብኢትዮጵያዊ ጨዋነት ንሓቶም ኣለና፡፡

ፍትዋት ነበርቲ ከተማና ትሕቲ ኽሳዶም ዝተቐበሩ መልሓሶም ግና ዘይሞተት ጉጅለ ራዕዳውያን፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኢትዮጵያ ንምፍራስን ህዝብታታ ሃገር ኣልቦ ንምግባር ሓመድ ልሒሶም ክልዓሉ እናሓሰቡ እዮም፤ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብሰብኣውነት ብምሕሳብ ስጉምቲ ጠጠው ምባል ተኹሲ እንተገበረ ‘ውን፤ቐደሙ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ዘይግደሽ ራዕዳዊ ህወሓት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣትው ብምግባር ዕንቅፋት እናፈጠረ ይርከብ፡፡ በቲ እከይ ተግባሮም ቤት ትምህርቲ ‘ምበር ኣፈሙዝ ንዘይግበኦም ህፃውንቲ ቖልዑት ናብ ኲናት ብምእታው ዘነውር ተግባር እናፈፀመ ንሪኦ ኣለና፤ ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና ተጠናኺርና ጠጠው ምባልና ነፍልጥ፡፡ ድጋፍና ‘ውን ነጠናኽር፡፡

ሰራዊትና ብሄራዊ ኣርማና እዩ፤ዓምዲ ሉኣላውነትና’ውን እዩ፡፡ ሰራዊትና ኣብ ዝኾነ እዋን ደጀን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ንዝፈትዎን ንዘኽብሮን ህይወቱ ዝህብ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ፡፡ ኣብ እከይ ተግባር ንዝተሰለፉ ኣካላት ኹሎም፤ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ምድፋር ንዝደልዩ ኣካላት፣ ኢትዮጵያ ንኽትውጋእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ፈፂሙ ከምዘይሳኻዕ ኢትዮጵያ ብናታቶም እከይ ተግባር ከምዘይትበታተን ፅኑዕ መሰረት ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ክፈልጡ ንደልይ፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You