
ኣዲስ ኣበባ፡- ብተፈላለዩ ፀገማትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቖም ዝርከቡ ኣረጋውያን ምሕብሓብን ምሕጋዝን ናይ ኩሉ ግደ ክኸውን ከምዝግባእ ቢሮ ጉዳይ ማሕበራውን እግሪ ምትካልን ትግራይ ሓቢሩ። በቢ ዓመቱ 21 መስከረም ዝኽበር መዓልቲ ኣረጋውያን ሎሚ ዘበን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር እቲ ቢሮ ሓቢሩ።
ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ማሕበራውን እግሪ ምትካልን ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ከምዝበልኦ፣ ኣረጋውያን ሓንቲ ዓዲ ከም ዓዲ ንክትፀንዕ ኣብ ግዘ ንእስነቶም ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ክርሳዕ ስለዘይግባእ ብዕድመ ምድፋእ ኮነ ብካልኦት ፀገማት ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ኣረጋውያን ኩሉ ክሕብሕቦም ይግባእ ኢለን።
መዓልቲ ኣረጋውያን እንትነኽብር ንኣረጋውያን ብምሕብሓብን ብምሕጋዝን ክኸውን ከም ዝግባእ ‘ውን መልእኽተን ኣሕልፈን። መዓልቲ ኣረጋውያን ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተኸበረ ምፅንሑ ብምግላፅ፣ ሎሚ ዘበን ግናብደረጃ ዓለም ንመበል 34 ግዘ ብደረጃ ሃገርና ድማ ንመበል 33 ግዘ 21 መስከረም 2017 ምይይጥ ብምክያድ ከምዝተኸበረ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ትግራይ ንድወት ብምጥቃስ ገሊፁ።
መአርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም