በዓል መስቀል መስሕብ ቱሪዝም ሃገር

በቢ ዓመቱ 17 መስከረም ዝኽበር በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሃገርና ሎምን ፅባሕን ክኽበር ‘ዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን መናእሰይ፣ ተኸተልቲ እቲ እምነት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ዲፕሎማት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ዑደተኛታት ከምኡ ‘ውን ካልኦት ኣጋይሽን ዝዕድም ‘ዩ።

ደመራ መስቀል ኣብ ዝተፈላለየ ክፍታት ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝርከብሉ ሃገራት ዓለም ‘ውን ብድምቐት ዝኽበር ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ካብ ዝጠፍኣሉ ዝተረኸበሉ ዘበስር ዓብይ በዓል ‘ዩ። በዓላት ኣደባባይ ብፍላይ ድማ ከም መስቀል ዝበሉ ንዘፈር ቱሪዝም ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ይፍለጥ። እዚ ዘፈር ምዕባይ ድማ ከም ሃገር ዓብይ ግደ ኣለዎ።

ኣብ ዕብየት ዘላ ሓንቲ ሃገር ቱሪዝም ዓብይ ኣታዊ ‘ዩ። ኣብ ዑደኘታታት ዓይኒ ክኣቱ ዝኽእል ዘለዋ ሃፍቲ ብምክብኻብ ዑደኛታት ናብ ሃገር ውሽጢ ብትደጋጋሚ ንክኣትዉ ብምግባር ኣታዊ ቱሪዝም ክብ ምባል ይከኣል ‘ዩ። እዚ ንክኾን ድማ ኣብ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ ግድን ‘ዩ። ካብ ዝተፈላላየ ክፍልታት ዓለም ዑደተኛ ዝመርፆ ናይ መጀመርታ መመዘኒ ሰላምን ምቾትን ስለዝኾነ።

ምኽንያቱ ሰላምን ቱሪዝምን ዘይነፃፀሉ ‘ዮም፤ ብዘይ ሰላም ምንም ዓይነት ምንቅስቀሳስ ቱሪዝም ክህሉ ኣይኽእልን። ብፍላይ ዓለም ለኸ ዑደተኛታት ኣብ ዓለም ብዙሓት ደረጀኦም ዝሓለዉ ሃገራት ዑደት ናይ ምግባር መማረፂ ዘለዎም እንተኾነ ‘ውን ልዕሊ ኹሉ ቕድሚያ ዝህብዎ ግና ሰላም ዘለዎ ኸባቢ ‘ዩ። ቱሪዝም ‘ውን ንሰላም ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ፍሉጥ ‘ዩ። እዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሃገርና ካብ ዝኽበሩ በዓላት ኣደባባይ ከምኡ ‘ውን ብዑደኛታት ዓብይ ትኹረት ዝወሃቦም ወርሒ መስከረም ሒዝዎም ዝመፅእ በዓል መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክዛዘሙ ናይ ኺሉ ሓላፍነት ዝጠልብ ‘ዩ ።

በዓል መስቀል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግረሉን ብድምቀት ዝኽበር በዓል ‘ዩ ። ኣብ ትግራይ እንተርኢና ድማ ብፍላይ ኣብ ዓድግራትን ህዝቢ ብሄረሰብ ኢሮብን በዓል መስቀል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝደመቐ ኣግባብ ዘኽብሮ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል ‘ዩ።

ሰባት መስቀል ንምኽባር ከካብ ዘለውዎ ናብ ከባቢኦምን ናብ ቤተሰቦምን ተጓዒዞም ዘኽብርዎን በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ከባቢ ዓጋመ ኢሮብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጉራጌን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎን ቤተሰብ ንቤተሰብ ዝጠያየቁሉን ንሓድሽ ዘመን ከም መጀመሪ ብምጥቃም ከም ሓድሽ ዝጅመረሉ በዓል ‘ዩ። በዓላት ኣደባባይ ኣከባብረኦም ‘ውን ኣብ ኣደባባይ ስለዝኾነ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህላውን ሃይማኖታውን ረብሓታት ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ዓብይ ግደ ኣለዎም ፤ እዚ ድማ እቲ ሓደ በዓል መስቀል ‘ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ማሕበረሰብና ሃይመኖታውን ባህላውን ባዓላት ተግባራት ብነፃት ብምኽባር እዚ ናይ ኣደባባይ በዓል ንዓለም ኣብ ምፍላጥን ኣብ እታዎት ቱሪዝምን ዓብይ ግደ ስለዘለዎ ‘ዩ። ከምኡ ድማ ባዓላት ኣደባባይ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባዊ ባህላዊ ክንውን ኣብ ምርኣይን ምፅብራቕን መንነትና ብምግላፅ ዓብይ ግደ ዝፃወቱ ‘ዮም ።

ካብ ቱሪዝም እታዎት ብተወሳኺ ድማ ህዝብና እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልፀሉን ሓድነቱ ዘጠናኽረሉን ኢትዮጵያውነት ዘተኣሳስር ኣጋጣሚ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍቕርን ሰላምን ሓልዮትን ኣብ ምፍጣር እዚኦም በዓላት ወሰንቲ ከምዝኾኑ ተንከባኪብና ክንሕዞም ይግባእ። ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶም ሃፍቲ ዓቕሚ ቱሪዝም ንምፍላጥ ዝሕግዝ ካብ ካብ መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ቕድም ኢላ መስከረም 7 ክሳብ 9/2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ቱሪዝም በዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢራ ‘ያ።

መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ካብ 1980 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ በቢዓመቱ መስከረም 17 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝኽበር እንተኾነ ‘ውን ቕድም ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ቱሪዝም በዝተፈላለዩ ምድላዋት ካብ ምኻባራ ብተወሳኺ ብዙሕ ረብሓ ክህብ ትፅቢት ዝተገበረሉ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዘፈር ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ብሩህ ተስፋ ከንፀላልው ዝገበረን ብሓፈሻ ኢትዮጵያ እዚ መድረኽ ቱሪዝም ምድላዋ ንኻልኦት ሃገራት ‘ውን ሃፍቲ ቱሪዝምን ንከፋልጣን ኣብ ሞነጎአን ድማ ምትእስሳር ንክፈጥራ በሪ ዝኸፍት ከምዝኸውን ይእመን።

እቲ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ናብዛ ሃገር ክንደይ ዝኣኽሉ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝመፅኡን፣ ክንደይ ዝኣክል ግዘ ከምዝፀንሑ፣ ኣብ ኢኮኖሚ ክንደይ ዘኸውን ፈሰስ ከምዝገበሩን እቲ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ ካልኦት ዓውድታት ዘለዎ ምትእስሳር ንምፍላጥን ካልኦት ረብሓታት ከምዘርክብ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ዩ።

ረብሓ እቲ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ሓሳቦም ዝሃቡ ገለ መዳርገቲ ኣካላት ከምዝበልዎ፤ ዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታት መስሕብ ቱሪዝም እንተሃለዋ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ብኣግባቡ ከምዘይተጠቐመትሉን፤ ኣብ ልምዓት ቱሪዝም መረዳእታ ብምእካብ ዝስንድ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ብዘይምንባሩ እቲ ዘፈር ተጎዲኡ ከምዝነበረን ሐዚ ግና እዚ ብምቕራፉ ነቲ ዘፈር ዓብዪ ዓወት ከምዝኸውን ከምዝተገለፀ ይዝከር።

በዓላት ኣደባባይ ኣታዊ ቱሪዝም ካብ ምዕባይን ገ ፅታ ሃገር ኣብ ምህናፅ ዓብይ ግደ ‘ዩ ዘለዎም። ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዑደት ዝገበሩ ኣካላት ብምብዛሕ ናይ ሃገር ፍልፍል እቶት ንክዓቢ ዝገብር ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም መድረኽ ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ባዓላት ኣደባባይ ዝበለፀ ተዝስረሐሎም ንሃገርና ተወሳኺ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ናይ ምምፃእ ዓቅሚ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚኦም በዓላት ወፃእቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ዕድል ዝህብን ምችው ዝባሃል ኣጋጣምን ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት ፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ንክፍለጡ ዕድል ዝኸፍትን ነቶም ኣምረቲን ግልጋሎት ወሃብትን ዓብይ ኣታዊ ‘ዩ ዝኾን ።

በዓል መስቀል ድማ ፍሉይ ዝኾነ ክንውነ ስለዘለዎን ኣብ ዝተፈላላየ ክፋላት ሃገርና ብድምቀት ስለዝኽበርን ዑደተኛታት ናብቲ ዝኽበርሉ ቦታ እንትኸዱ ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎትን ተረባሕቲ እንትኾኑ እቲ ሃይማኖታዊ ኣከባብራ ድማ ንዓለም ንክፍለጡ ዝገብር በዓል ‘ዩ። እቶም ዑደት ዝገብሩ ዝመፁ ኣጋይሽ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ተረዲኦም ናብ ሃገሮም እንትምልሱ ዓመት ዓመት ተመሊሶም ንክመፁን ስለ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምስሊ ብምግዋሕ ካልኦት መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ናይ ምግባር ዓቕሚ ስለዘለዎም ኣብ ዑደኛታታ ክብሪ ዝተመልኦ ኣቀባብላ ግድን ‘ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ወፃእቲ ዓዲ እንትመፁ ካብ ዝምልከተዎምን ዝሰሓብሎምን ትኽክልኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ስለዝኾነ እቲ ናትና እንብሎ ኢና ክነንፀባርቕ ዘለና። ስለዚ ብጥንቃቐ ኣብ ዘይተበረዘ ባህልና ኢና ትኹረት ክንገብር ዝግባእ። በዓል ኢሬቻ ኾነ በዓል መስቀል ታሪካዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ትውፊቱ ዝሓለወ ትሕዝቶ ዘለዎ ንዘመናት ዘሻግርን ብፍላይ አብዚ ዘለናዮ ግዜ ንሃገርና ብመልክዕ ቱሪዝም ምስ ዓለም ነላልየሉ ዓብይን ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓበ በዓል ‘ዩ ።

ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታን መባፅሕታት ቱሪዝምን ዝማዕበለት ሃገር ‘ያ። እዚ ድማ ብኣግባቡ ክንጥቀመሉን ናብ ረብሓ ክንቕይሮ ‘ዩ ዝግባእ። ብተወሳኺ ሃፍቲ ቱሪዝም ሸርፊ ወፃኢን ናይ ስራሕ ዕድል መፍጠሪ ዘርፍን ብሓፈሻ ዓምዲ ዕብየት ሃገር ምዃኑ ጋህዲ ‘ዩ።

ብምዃኑ ድማ እዚ ኣቕሚ ሃፍቲ ትኹረት ብምግባር ካብቲ ዘፈር ሃገር ዝግበኣ ረብሓ ንምርካብ ብመንግስቲ እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምኡ ‘ውን ባዓል ዋና እቲ በዓል ዝኾነ ህዝቢ እቲ ባዓል ኣብ ምኽባር ዓብይ ሓላፍነት ክወስድ ይግባእ። ቱሪዝም ንክስፋሕፋሕ ብፍላይ ኣብቲ ዘፈር ንዝተሰማረዩ መዳርግቲ ኣካላት ኢንቨስትመንቶም ንምስፍሕፋሕን ካብቲ ዘፈር ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዓብዪ ረብሓ ክምዝህልዎ ዝፍለጥ ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You