ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ብብርኪ ዓለምለኸ ዘተኣማምን ዋሕስ ሰላም ንምርግጋፅ ባህሊ ምኽክር ምዕባይ ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም ኣፍሊጡ። ‹‹ምዕባይ ባህሊ ሰላም›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን መድረኽ ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ።
ኣብቲ መድረኽ ብሚንስትር ሰላም ህንፀት ሰላም ስራሕ ፈፃሚ ኣወቀ ኣጥናፉ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ዋጋ ሰላም ብምንም ክትመን ዘይኽእል ንወዲ ሰብ ኹሉ ኣድላይን መሰረታዊን ነገርን ብምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ብዓለምለኸ ብርኪ ዘተኣማምን ዋሕስ ሰላም ንምርግጋፅ ባህሊ ምኽክር ምዕባይ ይግባእ።
ናይ ሓደ ኸባቢ ስእነት ሰላም ንካልእ ኸባቢ ስእነት ሰላም ዓብይ ፅዕንቶ ዝፈጥር ከምዝኾነ ዘልዓሉ ኣወቀ(ዶ/ር)፤ ሰላም ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ብዘይምዃኑ ንዘላቒ ሰላም ህንፀት ፅንዓት ኹሉ ብባዓል ዋና ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ከይዲ መፅናዕ ሰላም ‘ውን ምኽክር ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኮምሽን ምኽክር በቢ ከባቢኡ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ከምዝኾነን ክሳብ ሐዚ ዘሎ ከይዲ በቢኸባቢኡ መሰረታዊ ዝኾኑ ፀገማት ንክፍትሑ ለውጢ ንክመፅእ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ብምዃኑ ‘ውን ኣብዚ ከይዲ ምኽክር ብስእነት ሰላም እቶም ቀንዲ ተጠቃዕቲ ደቂ ኣስትዮን መናእሰይን ብንቅሓት ክሳተፉ ከምዝግባእ ባህሊ ምኽክር ንምዕባይ ንዘላቒ ሰላም ናይ ግደኦም ንክሰርሑ ኣወቀ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም። ከም ገለፃ እቶም ዶ/ር፤ እቲ ሚኒስትር ኣብ ጉዳይ ሰላም ተሳፊቲ ሓይልታት ብምክታት ኣብ ህንፀት ሰላም ክስርሑ ዝግበኦም ጉዳያትን ኣካላትን ብምስታፍ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ዘኽእል ፖሊሲ ሰላም ኣብ ቐረባ ብመንግስቲ ክፀድቕ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ፖሊሲ ሃገር በቀል ፍልጠታት ንምጥቃምን ሰላም ንምስፋን ዘኽእሉ ኩነታት ሓዊሱ ዘካተተ ‘ዩ። ድሕሪ ምፅዳቑ ድማ ናይ ስራሕ መምርሒ ብምግባር እቲ ማሕበረሰብ ፍታሕ ሰላም ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ብምምልካት ዘተኣማምን ዋሕስ ሰላም ንምሃብ ዘኽእል ‘ዩ።
ኣብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ናይ ኢትዮጵያ ዋና ተፃዋዒ ብምውካል ዋና ሓላፊ ልምዓት ፕሮግራም ሳሙኤል ዱኤ (ዶ/ር) ብወገኖም ፤ ብብርኪ ዓለምለኸ ዝኽበር መዓልቲ ሰላም እንትንኽብር ሰላም ማለት ጎንፂ ዘይብሉ ማለት ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ኹሉ ፃዕርን ርብርብን ብዘላቕነት ዝሓትት ከይዲ ከምዝኾነ ክንርዳእ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ጎንፅታት ብዘተ ብዝርርብ ብምፍታሕ ናይ ሓባር ምርድዳእ ብምብፃሕ ሃገር ንሰላም ዘለዋ ቁርፅኝነት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንዕብየት ሃገር ኢሉ ‘ውን ንሰላም ምፅናዕ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።
መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሰላምን ፀጥታን ህንፀት ዘለዎም ተሳትፎ ንምዕባይ ንምብቃዕ ትካል ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ክሰርሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም