“ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣመራርሓ ስብእና ኣገልጋልነት ሒዙ ክሰርሕ ኣለዎ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡- ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣመራርሓ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ስብእና ኣገልጋልነት ሒዙ ንውፅኢታውነት ንክሰርሑ ፕሬዝዳንት ብልፅግና ፓርቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ንዝሓለፉ 12 መዓልትታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘካየዶ መድረኽ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይቲ ፓርቲ ፕሬዝደንት ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሃብዎ ኣንፈት ተዛዚሙ፡፡ ሃገራዊ ናይ ምስጋር ትልምታት ብዓብይ ርብርብን ጥምረትን ብምስኻዕ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣመራርሓ ልዕሊ ኹሉ ናይ ኣገልጋሊ ኣመራርሓ ሰብእና ሒዞም ብውፅኢታውነት ክሰርሑ ይግባእ፡፡

እቲ ፓርቲ ‹‹ናይ ሕልሚ ጉልበት ንዝላ ዕብየት›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ክልላት ፣ምምሕዳር ከተማ ካብ ትካላት ፌደራል ንዝተውፃፅኡ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ንዝኾኑ ልዕለዎት ኣመራርሓ ፤ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢ ወለዶ ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእሉ ፖለቲካዊ ፣ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ረብሓ ብዘለዎም ሓሳባት ዙርያ ስልጠና ተዋሂቡ ‘ዩ ኢሎም፡፡

እቲ ስልጠና ኣባላት ኣመራርሓ ግዜ ብኣግባብ ብምጥቃም፣ ፀገማት ህዝቢ በቢደረጅኡ ብምፍታሕ ብተግባር ሓድነት ልዕልነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ በዚ ስልጠና እኹል ዓቕሚ ዝረኸብሉን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእል ግንዛቤ ዝጨበጥሉ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

እቲ ስልጠና ሃገር ቀያሪ ፣ሃፍቲ ፈጣሪ ሰብ ብምዃኑ ፣ ኣብ ኹሎም ክልላት ፣ከተማታትን ትካላት ፌደራል ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብተመሳሳሊ ናይቲ ፓርቲ ተልእኾ ዙርያ እኹል ግንዛበ ብምድሓዝ ንዝሓሸ ውፅኢት ከምዝፅዕር ኣብሪሆም፡፡

መሪሕነት ባዕልኻ ምሃብ፣ ትዕግስትን ትልምን ንምስኻዕ ቁርፀኝነት ከምዝሓትት ብምግላፅ ፤ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝወሰዶ ስልጠና ናይ መሪሕነት ቁልፊ መትከል ባህሪያት ብኣግባብ ንምግንዛብ ዝገበረ ስልጠና ብምዃኑ ፈጣን ለውጢ ንምምዝጋብ ዓቕሚ ዝፈጥር ‘ዩ፡፡

ኣብቲ ስልጠና ሕልምን ትልምን ንምስኻዕ ዝሕግዙ ኣረኣእያን ናይ ምፍፃም ሓሳባት፣ ብህዝቢ ተቐባልነትን ምትሕብባርን ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ፣ ፍልጠት መርሕ ስግግር ንምፅናዕ ዘድልዩ ሰብእና ናይ ምስራሕ ፀገማት ፀጥታ ናብ ሙሉእ ሰላም ዘሳግሩ ከይድታትን ስነምግባር ኣመራርሓ ዝምዝኾኑን ተደሓሓዚ ርእሰ ጉዳያት ፅሑፋ ቀሪቦም ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You