ሸሞንተ ሚኢቲ ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ – ስርዓት ዘለዎ ኣጠቓቕማ መዓድን ንምርግጋፅ ሕግን ደንብን ወፂኡ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ሸሞንተ ሚኢቲ ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር መደብ ሒዙ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ምፍራይ መዓድን ብሕጋዊ መልክዕ ንምንቕስቐስ ሕግን ደንብን ወፂኡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ሸሞንተ ሚኢቲ ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር መደብ ካብ ምትሓዝ ብተወሳኺ 60 ኪሎ ግራም ሳፋየር ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ከም ንኮንስትራክሽን፣ ኢንዱስቱሪን ንመጋየፂን ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዓድናት ከምዘለዉ ብምጥቓስ፤ ብደረጃ ክልል ብድምሩ ካብ ግልጋሎት 35ሚልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።  ከም ገለፃ እቶም ዳይሪክተር፣ ብፍላይ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ብዙሓት ዘይሕጋውያን መፍረይቲ መዓድናት ተዋፊሮም ብምፅነሖም እታ ክልል ይኹን እታ ሃገር ካብቲ ዘፈር ከትረኽቦ ዝግባእ እቶት ከይረኸበት ፀኒሓ ‘ያ።

ሕዚ ነዚ ናብ ስርዓት ንምእታው ሕግን ደንብን ወፂእዎ እናተሰርሐ ‘ዩ፤ ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ኣብቲ ስራሕ ሕጋውያን ኣለዉ፤ ዘይሕጋውን ‘ውን ኣለዉ፤ እቶም ዘይጋውያን ሕጊ ክሕዙ ክግበር ‘ዩ። ሰፊሕ መሬት ኣሎ፤ ደንቢ ኣውፂእና ኣለና፤ መምርሒ ‘ውን ኣውፂእና ኣለና፤ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ወገናት ኣለዉ፤ እዚኣቶም ብትኽክል ኣብኡ ኣትዮም ዝርብሕሉ ወይ ዝሰርሕሉ ኩነታት ክፍጠር ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

እቲ ዝተሰናበተ መንእሰይ ብዝተኻኣለ መጠን ኣብቲ ናይ መዓድን ዘሎ ፖተንሻል ብስፍሓት ክሳተፍ ዝኽእለሉ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ወፂኡ ዘሎ መምርሕን ደንብን ነዚ ዘማእኸለ ከምዝኾ ተዛሪቦም። ካብቲ ዝሓለፈ ዝሓሸ ክኸውን እቶት ንምርካብ፣ ዝነበሩ ድኽመታት ንምእላይ ጥቡቕ ክትትልን ድጋፍን ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ወፂኡ ዘሎ መምርሕን ደንብን ካብ መዓድን ክርከብ ዝኽእል እቶት ንኽልል ይኹን ንሃገር ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎ ዓብዪ እቶት ንምርካብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሓደ ኢንቨስተር ናይ ኢንቨስተር ፈቓድ ንምርካብ ሕቶ ሒዙ ክቀርብ እንተሎ ክፍፅሞ ዝግባእ ግብኡ ክፍፅም ከምዘለዎ እቲ ወፂኡ ዘሎ ደንቢ ዘቕምጥ እንትኸውን፤ በቲ ደንቢ መሰረት ነዚ መምርሒ እንትፍፅም ካብቲ ዘፈር ክርከብ ዝግበኦ እቶት ክርከብ ዝሕግዝ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ 2017 በጀት ዓመት ካብ መዓድን ክርከብ ዝግበኦ ፍርያት ንምርካብ ዓብዪ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ብሓፈሻ ክረአ እንተሎ ኣብ መንእሰይ ዘለና ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ከም ቢሮ መሬትን መኣድንን ኣብ መሬት ናይ መስርሒ ቦታ ኣብ ምሃብ፣ ኣብ መዓድን ‘ውን እተን ዘለዋ ፖተንሻል ኣፅኒዕኻ ካልኦት ናይ መኣድን ቦታታት ኣፅኒዕኻ ኩሉ ብሕጊ መሰረት ካፍቶም ዘይሕጋውያን ‘ውን ሕጋዊ ዝኾንሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ብኣንፃሩ ድማ ነቲ መምርሕን ደንብን መሰረት ገይርካ እቲ መንእሰይ ተጠቓሚ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ኣብሪሆም።

እዚ ኣብ ናይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ክልልና ዓብዪ ለውጢ ዘምፅእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ዳይሪክተር፤ ካብቲ ኩናት ዝተመለሱ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ካብ ተስፋ ምቑራፅ ወፂኦም ንበዓሎም ተረቢሖም ቤተሰቦም ንምጥዋር ዘኽእሎም ኩነታት ናይ ምፍጣር መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ ይርከብ ኢሎም።

ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ከም ሓደ ዓብዪ መደብ ተታሒዙ ኣብዚ 2017 በጀት ዓመት እናተሰርሐ ዝርከብ ዘሎ ድማ ናብቲ ክልል ይኹን ናብቲ ፌዴራል ክኣቱ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ኣብቲ ደንቢ ሕድሕድ እቲ በዓል ሃፍቲ ክገብሮ ዝግባእ ብምፍፃም ብኡ መሰረት ኣብ መዓድን ዘሎ እቶት ኣዝዩ ሓፍ ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ‘ዩ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ፍስሃ፤ እዚ ናይቲ መንእሰይ ስራሕ እድል ንምፍጣርን ናይቲ ክልል ኢኮኖሚ ንምዕባይን ክልቲኡ ተደሚሩ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት እቲ ከባቢ ዘምፀኦ ለውጢ ዓብዪ ‘ዩ ዝብል ተስፋ ተገይርሉ ብትልሚ ደረጃ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You