ኣዲስ ኣበባ፡- ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ናብ ኵናት ክስለፉ ብምግባር ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር እናፈፀመ እዩ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ገሊፆም።
ኣይተ ሙሉብርሃን ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ- መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ጁንታ ህወሓት ህፃናት እንተይቐረዩ ናብ ኵናት ክወፍሩ ብምግባር ዝፍፅሞ ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ብሕጊ ዘጥይቕ ገበን እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ተኹሲ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሉ እንትውስን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ሓልዮት እዩ ዝብገስ ዝበሉ ኣይተ ሙሉብርሃን፣ ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ተረጋጊዑ ናብ ስርሑ ከይወፍር ብፍላይ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ክራማት ወቕቲ ተጠቂሙ ናብ ሕርሽኡ ንኸይኣቱ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ጁንታ ህወሓት ኵናት ጠጠው ከብል ዘይኸኣለሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ጭኻነት ዘመላኽት እዩ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ጁንታ ህወሓት ስለ ስልጣኑን ናይ ባዕሉ ጥቕምን ካብ ምጭናቕ ሓሊፉ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ምንም ተጨኒቑ ኣይፈልጥን፤ ብምዃኑ ህፃናት እንተይቐረዩ ኣብቲ ኵናት ክሳተፉ ብምግባር ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ውግእ እናካየደ ይርከብ።
ብፍላይ ብሸነኽ ዓፋር ገይሩ ዝኣቱ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ኮነ ኢሉ ዕንቕፋት እናፈጠረ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክሃልቕ ስለ ዝደሊ እዩ። ውግእ ጠጠው ክሳብ ዘይበለ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምእታው ከቢድ እዩ፤ እቲ ውግእ ጠጠው ከይብል ድማ ብሰፊሑ እናቐፀለሉ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ብኵናት ዝጥቐም ህዝቢ የለን፤ ህወሓት ኵናት እናፈጠረ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከኽፍሎ ፀኒሑ እዩ፤ ብፍላይ ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ተባሂሉ ምስተሰየመ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ቐፂልሉ ይርከብ፤ ነዚ መርኣያ ዝኾነ ህፃናት ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ትምህርቲ ምልኣኽ ናብ ኵናት እናለኣኸ ብዓለምለኸ ሕጊ ዘጥይቕ ተግባር እናፈፀመ ይርከብ ኢሎም።
ከምዝፍለጥ እቲ ጎንፂ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ኮይኑ እናሃለወ ህወሓት ግና ህዝባዊ ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ህዝባዊ መልክዕ ክሕዝ ገይርዎ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ንረብሓ ውሕዳት ገበነኛታት ክብል ደቑ ናብ ኵናት ክልእኽ የብሉን። ካብዚ ኵናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ክጥቐም ዘይኽእል ምዃኑ ፈሊጡ ንህወሓት ኣይንሰምዐካን ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ራዕዳዊ ህወሓት ‹‹ትግራይ ትስዕር፣ ትግራይ ትዕወት›› እናበለ ህዝቢ ብምትላል ናብ ዘይጠቕም ውግእ እዩ ዘአትዎ ዘሎ። ‹‹እዚ መኸተ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ድሕንነቱ ንምርግጋፅ እዩ›› ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ። ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ እንተኾይኑ እማ ኩሉ ትግራዋይ ክቓለስ ይኽእል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
‹‹ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝግበር ቓልሲ እዩ›› ዝብል ፕሮፖጋንዳ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሙሉብርሃን፣ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ን27 ዓመታት ዝኣክል ንህዝቢ ትግራይ ኣስታዊስዎ ዘይፈልጥ ሕዚ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ምስተነኽአ ምእንቲ ድሕንነቱ ‹‹ንህዝቢ ትግራይ ኢና ንቓለስ ዘለና›› ዝብል ፍፁም ሓሶት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ መሪሕነት ህወሓት ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ምህላዉ ተረዲኡ ኣንፃር ህወሓት ጠጠው ክብል ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።
ንሕና ከም ፓርቲ ትዴፓ ብጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕታት ዋላ እኳ ብጣዕሚ ዘሕዝነና ይኹን ሓሳብናን ቕዋምናን ንህዝቢ ካብ ምግላፅ ሓሊፍና ንገብሮ ነገር ስለ ዘየለ ህዝቢ ባዕሉ ካብ መግዛእቲ ህወሓት ንምንጋፍ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም።
መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ሓዊሱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ፈልዮም ብምርኣይ ኣብ ጎኒ ጭቑንን ደላዪ ፍትሕን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013