በሪሁ ኣረጋዊ ዝደመቐሉ መጠቓለሊ ዳይመንድ ሊግ

2024 ዳይመንድሊግ ውድድር ዓሰርተ ኣርባዕተ ከተማታት ኣባፂሑ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ብራስልስ ፍፃሚኡ ረኺቡ ‘ዩ፡፡ ናይ ድያመንድ ሊግ ጠቕላላ ተዓዋታይ ዝፍላየሉን ልዑል ነጥቢ ምስብሳብ ዘኽእሎ ናይቲ ውድድር ናይ መወዳእታ መባፅሒ ከተማ ዝኾነት ብራስልስ ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቐዳምን ምሸት ብዝተፈላለዩ ርሕቐት ወሰንቲ ንሕንሕ ኣታኣናጊዳ ‘ያ፡፡

ዓርቢ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 5ሽሕ ሜትሮ ትፅቢት ዝግበረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት እንትዛዝሙ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ድያመንድ ሊግ 2024 ናይቲ ርሕቐት ሓፈሻዊ ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ፡ ፡ ኣትሌታት ኢትዮጵያውያን ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዘሎ ብርኪ ሒዞም ኣብ ዝዛዘምዎ ግዜ ፓሪስ ኦሎምፒክ 10ሽሕ ሜትሮ ተዓዋታይ ብሩር ሜዳልያ በሪሁ ኣረጋዊ 12፡43፡66 ሰዓት ቀዳማይ ብምዃን ዛዛሙ ‘ዩ፡፡

እዚ ድማ ናይ ዳይመንድ ሊግ ጎልደን ሊግ ተኪኡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2010 ጀሚሩ ምክያድ ካብ ዝጅምር መበል18 ኢትዮጵያዊ ተዓዋቲ ዝኾነ እንትኾን ፅዋዕ ኣልማዝን ናይ 30ሽሕ ዶላርን ተሸላሚ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ በሪሁ 2021 ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ተዓዋታይ ድያመንድ ሊግ ከምዝነበረ ዝዝከር እንትኾን፤ ድሕሪኡ በቲ ርሕቐቱ ድያመንድ ተዓዋታይ ዝኾነ ኢትጵያዊ ኣትሌት የለን፡፡

ኣብዚ ዓመት ውድድር ድያመንድ ሊግ ንሕንሕ ብዝተፈላለዩ ከተማታት እናተዓወተን ፈጣን ሰዓት እናመዝገበን ዝመፀ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ብራስልስ ብዓወት በሪሁ ተዛዚሙ ‘ዩ፡፡ በዚ ድማ 12፡44፡ 25 መበል ካልኣይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ካልእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጥላሁን ሃይለ ብ12፡45፡63 መበል ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ክዛዝም ክኢሉ ‘ዩ፡፡

እዚ ውፅኢት ስዒቡ ሓጎስ ገብረህይወት 12ሽሕ ዶላር ከምኡ ‘ውን ጥላሁን ሃይለ ናይ 7ሽሕ ዶላር ተሸላሚ እንትኾን መበል ሓምሻይ ብርኪ ሒዙ ዝዛዘመ ዮሚፍ ቀጄልቻ ናይ 2500 ዶላር ተዓዋቲ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ 3ሽሕ ሜትሮ፣ መሰናኽል ጌትነት ዋለን ሳሙኤል ፍሬው መበል 7ይን 8ይን ብርኪ ሒዞም ብምዝዛሞም 1500ን 1000 ዶላር ተሸላሚ ኾይኖም ‘ዮም፡፡

በዚ ውድድር ኬንያዊ ኣሞስ ሳሬም እንተሸንፍ ናይ ኦሎምፒክን ቻምፒዮና ዓለም ሞሮካዊ ሶፊያን ኢል ባካሊ ካልኣይ ብርኪ ረኺቡ ‘ዩ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትሮ ድማ ሃፍታም ኣለሙ ብ1፡59፡81 መበል 6ይ ብርኪ ሒዛ ብምዝዛም ናይ 2ሽሕ ዶላር ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡ ኬንያዊት ሜሪ ሙራ ድማ ናይቲ ርሕቐት ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡

ኣብ ብራስልስ ዳይመንድ ሊግ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሎም ዝነበረ ውድድራት 5ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሓደ እንትኾን 12 ኢትዮጵያውያን ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡ እቶም 9 ውድድሮም እንትዛዝሙ እተን ሰለስተ ኣቋሪፀን እየን፡ ፡ ኣቲ ውድድር ድማ ካብ 2ይ ክሳብ 4ይ ዘሎ ብርኪ ብምድሓዝ ዛዚሞም ‘ዮም፡፡

ናይቲ ርሕቐት ክብረ ወሰን ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌት መዲና ኢሳ ብኣትሌት ቢያትሪስ ቺቤት ብ11 ሰከንድ ተቐዲማ 2ይ ብርኪ ብምድሓዝ ዛዚማ ‘ያ፡ ፡ ካሊእቲ ኢትዮጵያዊት ፎትየን ተስፋዬ መበል 3ይ ኾይና እንተዛዝም እጅጋየሁ ታዬ መበል ራብዓይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡ መልክናት ዉዱ መበል7፣ ፅጌ ገብረሰላማ መበል9 ብርኪ እንትሕዙ በላይነሽ ፋንታዬ እቲ ውድድር ከይዘዛመት ተሪፋ ‘ያ፡፡

ብተመሳሳሊ 1500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ብኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ፌዝ ኪፕዮጎ መእኸል ናይ ምስዕዓር ንሕንሕ ዝተርኣየ እንትኾን ብማይክሮ ሰከንድ ፍልልይ ኪፕዮጎ ቀዳማይቲ ብምዃን ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡ ፡ 3፡54፡75 እቲ ርሕቐት ዘሸነፈትሉ እንትኾን ናይቲ ውድድር ሓድሽ ክብረወሰን ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡ ፡ ኣትሌት ድርቤ ድማ መበል2ይ ኾይና እንትዛዝም 3፡ 55፡25 ሰዓት ኣመዝጊባ ‘ያ፡፡

ኣውሰትራልያ ተወዳዳሪት መበል 3ይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡ ፍረወይኒ ሃይሉ 4ይ ፣ብርቄ ሓየሎም 8ይ ከምኡ ‘ውን ወርቅነሽ መሰለ 10ይ ብርኪ ብምድሓዝ ዛዚመን ‘የን፡፡ 3ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መሰናኽል ኢትዮጵያ ዝወከለታ ኣትሌት ሎሚ ሙለታ 10ይ ወፂኣ ‘ያ፡፡ ኣብቲ ውድድር ናይ ኬንያ፣ ባህሬንን ዩጋንዳ ኣትሌታት ካብ 1 ክሳብ 3ይ ዘሎ ብርኪ ብም ድሓዝ ተዓወቲ ኾይነን ‘የን፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You