ኣካውንት ሳተላይት ንቱሪስትታት ዝተደራጀወን ንጡፍ ግልጋሎት ሓበሬታ ዝህብ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡– ናይ ኢትዮጵያ ቱሪዝም ሳተላይት ኣካውንት ንበፃሕቲ ዓዲ ዝተደራጀወ ሓበሬታን ስሉጥን ኣገልግሎት ከምዝህብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ ምጅማር መርሃ ግብሪ ኣካውንት ሳተላይት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ቱሪዝም ሃብታም ሃገር ‘ያ። ዘለዋ ናይ ቱሪስት ንጎብነይቲ ንምፍላጥ ዝሕብር ናይ ቱሪዝም ሳተላይት ኣካውንት ተዳልዩ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ናይ ቱሪስት ቦታታት ብምልማዕ ነቲ ዘፈር ንምዕባይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፃ ኣምባሳደር ናሲሴ፣ ነዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቱሪዝም ሳተላይት ስርዓት ኣካውንት ምልምዑ ሓደ ኣብነት ናይዚ ‘ዩ ክብላ ተዛሪበን። ኣካውንት ሳተላይት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዕላው ምዃኑ ኣብቲ ዘፈር ዝነበረ ዝተደራጀወ ናይ ሓበሬታ ውሱንነት ብምፍታሕ ንበፃሕቲ ዓዲ ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህብ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

እቲ ሳተላይት ኣካውንት ክንደይ በፃሕቲ ዓዲ ናብታ ሃገር ከም ዝመፁ፣ ክንደይ ግዜ ከም ዝፀንሑ፣ ኣብ ቁጠባ ክንደይ ከም ዘፍስሱ፣ ቱሪዝም ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያት እታ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ኣበርክቶ ከም ዘለዎ፣ ምሕደራ ሓበሬታ ቱሪዝም ንምዝማን፣ ቱሪዝምን ምስ ካልኦት ዓውድታትን ዘለዎ ምትእስሳር ንምፍላጥን ካልኦት ብዙሓት ረብሓታት ከምዘለዎ ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ቱሪዝም ክተብልፅግ ብዘይምኽኣላ፣ ካብቲ ዓውዲ ዝግብኣ ረብሓ ከይረኸበት ምፅናሓ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መንግስቲ ግና ነቲ ዓውዲ ዓብዪ ትኹረት ብምሃብ ቱሪዝም ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን፡፡ ቱሪዝም ንቁጠባዊ ልምዓት ሃገርና፣ ሸርፊ ወፃኢን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ናይ ቱሪዝም ቦታታት ናይ ምልማዕ ስራሕቲ ተጣናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመላኺተን።

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ በከር ሻሌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ባህልን ልምድን ብዝተደራጀወ መንገዲ ኣብ ግልጋሎት ከየውዐለት ምፅንሓ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ናይ ቱሪዝም ሳተላይት ኣካውንት ምትግባር ዓውዲ ቱሪዝም ዘዐቢ ከምዝኾነ ብምጥቓስ፤ ዝተደራጀወን ቀፃልነት ዘለዎ ሓበሬታ ስታቲስቲክስ ቱሪዝም ብምሓዝ ስሉጥ ናይ ሓበሬታ ፍሰት ክህሉ ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You