‹‹ጁንታ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዕሊ እናንዳዕደዐ ይርከብ››ቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ጁንታ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዕሊ እናንዳዕደዐ ይርከብ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ብዙሓት ዓውዲታት ሙያ ባህጊን ተውህቦን ከምዝጠልቡ ኣመልኪቶም፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል፣ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢሉ ሓረስታይ ከይፅገም ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ትራክተራትን ዝኣመሰሉ እታወታት ሕርሻ ንክባፅሑ ለይትን ቀትርን እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ንተግባራውነቱ’ውን ርኡይ ውፉይነት ኣርእዩ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ ውሳነ ደው ምባል ቶኽሲ ከቕርብ እንከሎ፤ ክራማት ከይሓለፈ ህዝብና ክሓርስን ክዘርእን፣ ከምኡ ድማ ሰብአዊ ሓገዛት ብህፁፅ ክባፃሕ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብተግባር ንምግላፅ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣበይ፣ ኮይኑ ግና እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ንውልቃዊ ስልጣኑ’ምበር ንህዝቢ ዘይግደስ ብምዃኑ ሓረስታይ ቀለብ ዓመቱ ተረጋጊዑ ከይሓርስ፣ ኣብ ወሳናይ እዋን ሕርሻ ናብ ኹናት እናዳጎኖ ይርከብ ከብሉ ገሊፆም፡፡

‹‹ግዘ እንተለካ፣ ግዘ ኣይትፀበ›› እዩ እሞ፤ ገባር ትግራይ ናይዚ እከይ ግብሪ ፃውዒት ኹናት ገዲፉ፣ ቆላሕትኡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ከይጠሚ፣ እኹል ሓገዝ እኽሊ ብህፁፅ ክተኣኻኸብን ናብ ህዝቢ ክባፃሕን፣ ከምኡ ድማ ኸይዲ ተበፃሕነቱ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንክህሉ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

እዚ ፀረ ህዝቢ ተመሊሱ ካብዝኣቱ ንነዘ ግን፣ ዝጠመየ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖ ንክዕንገልን ምስራሕ፣ እዚ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ ንጎድኒ ገዲፉ ንተወሳኺ ኹናትን ጥፍኣትን ይሸባሸብ ኣሎ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ካልእ ተሪፉ

 ንኣዋርሕ ኣብ መኻዚኖታት ዝተቐመጠ ሓገዝ ህዝቢ ብእዋኑ ከይባፀሐሉ ይገብር ኣሎ። እዚ ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ተረዲኡ ህዝብና ብጥምየት ከይተጎድአ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ስራሕቲ ክስርሑ ህዝቢ ድፍኢት ክገብር ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዕድሜኦም ዘይበፅሑ ህፃውንቲ ቆልዑት ኣብ ክንዲ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ምስራሕ፤ አገዲዱ ናብ ኲናት እናእተዎም ይርከብ። እዚ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንትውልዲ ቐፃልነትን ንዓለምለኸ ሕግን ደንታ ከምዘይብሎም ብዕሊ ዘረጋገፀ ተግባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

መንግስቲ ፌደራል፣ እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ኮነ ኢሉ ዘፈራረሶምን ዘዕነዎምን መሰረተ-ልምዓታት፣ ብቢልየናት ባጀት መዲቡ ብምፅጋን፣ ግልጋሎት መብራህቲ ፣ ስልኪ፣ ባንኪን ካልኦትን ኣብ መላእ ትግራይ ክምለሱ፤ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለስን ህዝቢ መንግስቲዊ ግልጋሎት ክረክብን ክሰርሕ ምፅናሑ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ኣብይ፣በዚ’ውን ርኡይ ለውጢ መፅኡ ምንባሩ ጋህዲ እዩ ኢሎም። ኮይኑ ግና እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ንዚ ልዑል ፃዕሪ ህዝብን ፌደራል መንግስትን ንድሕሪት ንምምላስ ርኡይ ምንቅስቃስ እናገበረ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም።

ብሓፈሻ ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ጁንታ’ምበር ፌደራል መንግስቲ ወይ ድማ ካልእ ኣካል ከምዘይኮነ ብተግባር እናርአየ ይርከብ። ስለ ዝኾነ’ውን ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ዳግመ-ህንፀት ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ካብ ጓሓት ምሸት ኸቦሮ ኹናት ተናጊፉ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ህዝቢ ዝደልዮ ግልጋሎት ክረክብ ንምግባር ኩሉ ክንቀሳቀስ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብኻሊእ መዳይ ብዙሓት ዓውዲታት ሙያ ባህጊን ተውህቦን ከምዝጠልቡ ኣመልኪቶም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዙሓት ዓውዲታት ሙያ ባህጊን ተውህቦን ይጠልቡ እኳ እንተኾኑ ንውትድርና ግን ቐዳማይ ተግባር ዓሚቕ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ኢዩ ኢሎም።

ውትድርና ከም ካልኦት ሙያታት ፍልጠትን ጉልበትን ጥራሕ ኣይደሊን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ደምን ዓፅምን ንምግባር ድልዊ ምዃን’ውን ይሓውስ ክብሉ ኣብሪሆም።

ባንዴራና ዝውልብለብ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ካብ ጅግና ወታደርና ዝፍልፍል ትንፋስ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ደኺሙኒ እንተይበሉ ሃገር ካብ ምግልጋል፣ እንተይሰስዑ ፍቕሪ ካብ ምሃብ፣ ብመትከል እናነበርካ ንመትከል ካብ ምስዋእ ዝበለፀ ዘኹርዕ ነገር የለን ኢሎም።

ሻለቃ/ጋዜጠኛ ወይንሐረግ በቀለ“የወታደር ልጅ ነኝ” ኢላ እንትትዛረብ ብልዑል ኩርዓት ኢያ።ወታደር ምዃን ድማ እቲ ኩርዓቱ ብኡ ልክዕ ከመይ ክብ ከምዝብል ምሕሳብ ይከኣል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም ።

እንተይሰሳዕኻ ሃገር ምፍታውን ድኻም ከይተሰመዐካ ንህዝቢ ምግልጋልን ካብ ወታደር ንመሃር ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ሻለቃ/ጋዜጠኛ ወይንሐረግ በቀለ“የወታደር ልጅ ነኝ” ዝብል ግጥምታትን ሓፀርቲ ልቦለዳትን ዝሓዘ መፅሓፍ ኣብ ግንቦት 2013 ዓ.ም ንንባብ ዝበቕዐን ኣብ ህይወትን ተግባርን ወታደርነት ዘተኮረ እዩ፡፡

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You