በዓላት እንትኽብር ሰናይ ተግባራት ብዘጠናኽር ክኸውን ኣለዎ!

ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ በዓላት ከምዘለውዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ወርሒ መስከረም ብርክት ዝበሉ ከም ሓዱሽ ዓመት፣ መውሊድ ፣ መስቀልን ኢሬቻን ዝመሳሰሉ ዝተፈላላዩ በዓላት ዘለውዋ ‘ያ፡፡ ከምዚኦምን ካልኦትን በዓላት ብትኽክል እንተተጠቒምናሎም ፍልፍል ሃፍቲ ሃገር ‘ዮም፡፡

ናይዚ ሰሙን እዋናዊ ዛዕባና ምኽባር በዓላት ሓዱሽ ዓመትን ከምኡ ‘ውን በዓል መውሊድን ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተመሓላለፉ መልእኽታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖታትን ዘሕለፍዎ መልእኽታት ትኹረት ብምግባር ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ፡-

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ድሮ በዓል ሓዱሽ ዓመት እንኳ ንሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፉሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ዝልውጠና እንተይኮነስ ንልውጦ ዓመት ክኸውን ትምኒተይ ‘ዩ ብምባል፤ ንኢትዮጵያ ዘበን እናለወጣ ንብዙሕ እዋን ነይራ ‘ያ፡፡ ሓሓሊፉ ድማ ብብርታዐን በፃዕርን ንዘበን ለዊጣቶ ትፈልጥ ‘ያ፡፡ ዘበን እንትልውጠና፤ ካብ ጎቦ ከም ዝተፍንቐለ እምኒ ናብ ዝሓሰብናዮ ዘይኮነስ ናብ ዝደለዮ ‘ዩ ዝወስደና ክብሉ ኣረዲኦም ‘ዮም፡፡

ብተወሳኺ ዘመን ዕድል ‘ዩ፤ ነቲ ዘመን ምጥቃም ግና ውፅኢት ስራሕ ‘ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር፤ ፈጣሪ ንኹለና ብማዕረ ዘመን ሂቡና ‘ዩ፡፡ ኣፍላላይ ዝፍጠር ግና ኣብቲ ዘመን ብምስራሕን ብዘይምሰራሕን ‘ዩ ብምባል፤ ኣብ ውሽጢ ታሪኽና እንኾርዐሎም መዕራፋት ኣለዉና፤ እዞም እዋናት ካሊእ ዘይኮኑስ ዝተወሃበና ናይ ዘመን ዕድል ብዝግባእ ተጠቂምና ንሰርሓሎም እዋናት ‘ዮም ክብሉ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣንሕና ደለና ኣይደለና ዘመን ይልወጥ ‘ዩ፡፡ ግዘ ንቀድሚት ጥራሕ ዝኸድ ማሽን ስለዝኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ደው ዘብሎ የለን፡፡ ኣንፍቱ ዝቕይሮ ‘ውን የለን፡፡ እቲ ዝክኣል ግና ብግዘ ምጥቃም ጥራሕ ‘ዩ ክብሉ ብምግላፅ፤ ኣብ 2016 ንኢትዮጵያ እንታይ ኣዐዊትና? ኣብ 2017 ከ ንኢትዮጵያ እንታይ ኣዳሊውና? ናይ ዞም ሕቶታት መልሲ ትርጉም ምልዋጥ ዘበን ይቕይሮ ‘ዩ፡፡ ዘበን ይልውጠና ኣሎ ወይስ ንዘበን ንልውጦ ኣለና? ዝብል የረድአና፡፡

ብምቕፃል ‹‹ክረምቲ ንሰነፍ ሓረስታይ መዓት፤ንንፉዕ ሓረስታይ ከዓ ምሕረት ‘ዩ” ይበሃል›› ምሕረትን መዓትን ምስ ዘናብ ዝመፅእ ዘይኮነስ ካብቶም ሓረስቶት ምድላውን ስራሕን ዝረከብ ‘ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነፍ ሓርስታይ ዘመን ይልወጥ፤ እቲ ብርቱዕ ሓርስታይ ግና ነቲ ዘመን ባዕሉ ይልውጦ ክብሉ ብምርዳእ ናይ እንኳዕ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ነይሮም፡፡

ብተመሳሳሊ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር ‘ቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ‘ውን ሰብ ሱቅ ኢሉ ናብዚ ዓለም ኣይመፅእን ብምባል፤ ተልእኾ ኣለዎ ‘ዩ፡፡ ‘ቶም ዓበይቲ እንብሎም ሰባት ‘ውን ብትኽክል ተልእኽኦም ዘፈለጡን ንተልእኽኦም ድማ ዝሰርሑን ነዚ ንምዕዋት ‘ውን ግቡእ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ‘ዮም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ብተወሳኺ በዓል መውሊድ ናብዚ ምድሪ ምፅዋዕና እንዝክረሉን ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ዝመፅእሉ ተልእኾ፤ ዝሰርሕዎ ስራሕን ዘምፅእዎ ውፅኢትን እንሓስበሉ ምዃኑን ናይ ነብዪ መሓመድ ምምፃእ ዓለም ቅድም ክትብል ካብ ዝነበረቶ መልክዕን ፀባይን ቀይርዋ ‘ዩ ብምባል፤ ምምፅኦም ናይ ዓለም ታሪኽ መኽፈሊ ከምዝኾነን ኣብ ዘመኖም ክሰርሕዎ ዝግባእ ስራሕ ምስሪሖም ኣረዲኦም ‘ዮም፡፡

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ንዘመናት ዝዓቀቦ ፀጋታት ምትሕብባር ብምዕዛዝ ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ ከዓ ስራሕ መፈፀሚ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ዓብዱልሃሚድ ኣሕመድ ኮይኖም፤ መበል ሓደ ሽሕን 499 ናይ ነብዩ ሙሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) መውሊድ (በዓል ልደት) ‹‹ናይ ሠላም ነብይ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተኸበረን ነቢዩ መሓመድ ኣብ ዘመን ህይወት ዘመኖም ስለ ሠላም፣ ስለ ይቕር ምባል፣ ስለ ምክብባር፣ ስለ ምትሕግጋዝ፣ ስለ ፍትሕን ሓቕነትን ክምዘምሀሩ ‘ዮም ገሊፆም፡፡

ንምንታይ ናብዚ ዓለም መፂአ? ነሃተይ ተልእኾ እንታይ ‘ዩ? እቲ ተልእኾስ ሂወት ደቂ ሰባት ናብ ፅቡቕ ምዕራፍ ዝልወጥ ድዩ? ዝብል እንተሓሲብና፤ ሃገር ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ተትርፍ እያ፡፡ ናይ ደቂ ሰባት ጉዕዞ ‘ውን ናብ ፅቡቕ ብዝመርሑ ሰባት ዘተለዓለ ቅኑዕ ጎዳና ‘ዩ ዝኸውን ክብሉ ምዒዶም ‘ዮም፡፡

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብዛ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዘለዉ ጎንፂታትን ዘይምርድዳእን ተወጊዶም ሰላም ክሰፍንን ሃገራዊ ሓድነት ክጥንክርን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ፀገም ውሽጢ ዝርከቡ ወገናት ምድጋፍ ከምዝግባእን ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ዘቕረቡ ኮይኖም፤ ካብዞም ኣቦታት ድማ፡-

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዓርሲ በዓርስኻ ጎንፂ፣ ጥሜት፣ ኩናት፣ ድኽነት፣ ድሕረት፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ቕድሚ ዓለም ፍሉይ መፍለይና ኮይኑ፣ ካብዚ ፀገማትና ዘይተላቐቕና ኣጣናኺርና ንምቕፃል ውዕል ዝኣተና ክሳብ ንመስል እናቐፀልናዮ ንርከብ ኣለና ብምባል፤ ኸምዚ ዓይነት ልምዲ ክንሓፍረሉን ንስሃ ክንኣቱን ‘ምበር ክንቕፅለሉ ኣይግባእን ኢሎም ‘ዮም።

ብምቕፃል ኢትዮጵያ ንዓለም ዝተርፍ ሃፍተ ገነት ኣለዋ፤ ንዓይ ንዓይ ምባል ናይ ህዝብና መከራን ስቓይን እንተይኣናዋሕና ብማዕርነትን ብሓድነትን ሃገርና ብምሕዳስ ብናይ በዓልና ፀጋታት ክንምራሕ ኣለና። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ጎንፂታት ብልዝብ፣ ምፍልላይ ብሓድነት፣ ዘይምስምዕማዕ ብዕርቒ ብምፍታሕን ብምሕዳስን ድልዱል ማሕበረሰብ ንምህናፅ ኩሉ ሓላፍነታዊ ግዲኡ ክዋፃእ ምትሕስሳቦም ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ኩሉ ሰብ ትልምን ተግባርን ምስ ሰላም ሃገር ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ድማ ስራሕ ኣካያዲ መጅሊስ ፌዴራል፣ ተወካሊ ክልል ኣምሓራን ሓላፊ ዘፈር ምርምርን ዝኾኑ ሼክ እንድሪስ ዓሊ ኾይኖም፤ ብናይ ሙስሊም ኣስተምህሮ ሰብ ምስ ቤተሰቡ ሰላም እንተኾይኑን ኣካሉ ጥዑይ እንተኾይኑን ንዓለም ኣብ ኢዱ ኣውዒልዋ ይበሃል። ኩልና ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ብዙሕ ትርጉም ዘለዋ ምስምዃና ተረዲእና ንሰላም ሃገር ቀዳመነት ብምሃብ ምሕላው የድሊ ክብሉ መለእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ብተወሰኺ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላላዩ ሓላፍነት ቦታ ዘለዉ ውልቐ ሰባት መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ሰላም ብምምሃር ናይ ተግባር መምህር ክኾኑ ይግባእ ብምባል፤ ብሓፈሻ ከዓ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንሓስብን ከንሰርሕን ኣለና፤ በዚ ካብ ፀገም ወፂእና ናብ ልምዓት ከመይ ከምእንሰጋገር ክንሓስብን ከንሰርሕን ይግባእ፤ ብኻሊእ ወገን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናትና ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሖም ‘ዮም፤ ምርድዳእ ናይዚ ሓዱሽ ዓመት ዕላማና ብምግባር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ወገናትና ከንድግፎም ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ተፀብፂቡ ‘ዩ።

ሊቐ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ካርዲናል ብርሃነኢየሰስ ሱራፌል ብግዲኦም፤ እዚ ሓዱሽ ዓመት ዝተወሃበና ሰናይ ነገራት ክንሓስብን ንናይ ሓባር ረብሓ ዝኾኑ ተግባራት ክንፍፅምን ከንለዓል ኣለና ምባሎምን፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈታተኑና ፀገማት ሕዚ በቲ ሓዱሽ ዓመት ምእንቲ ከንፈትሖም እግዚኣብሄር ናይ መፍትሒ መንገዲ ከርኤና እንፅልየሉ ግዜ ‘ዩ። እዚ ሓዱሽ ዓመት ንዝጠመዩ፣ ንዝፀምኡ፣ ንዝዐረቑ፣ ንዝተፈናቐሉ፣ ንዝተኣሰሩ፣ ንዝሓመሙን ንዝሓዘኑን እንበፅሐሉ ግዜ ይኹነልና ክብሉ ሰናይ መልእኽቶም አሕሊፎም ‘ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈፀሙ ዘየድልዩ ተግባራትን ዘይምጥኑናን፣ ካብ ቒም በቐልን ሸለልትነትን ዝተላዓሉ ‘ምበር ብተፈጥሮ ዝወረስናዮም ወይ ፈጣሪ ዘሸከመና ዕዳታት ከምዘይኮኑ ዝገለፁ ፕረዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቑ ኣብዶ ብግዲኦም፤ ብናይ በዓልና ሸለልትነትን ትዕቢትን ዘምፀኣናዮም መዘዛት ብምስትውዓልን ብጥበብ ብምርሓቕ ምክብባርን፣ ይቕሬታ ብምብህሃልን ካብ ኣድልዎ ናፃ ዝኾነ ርክብ ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምምለኻት፤ እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ በረከትን ሰላምን ክኾነልና፣ ኣጥቢቕና ብዛዕባ ምድርና ንፅልየሉን ንሓቒ ጠጠው ንብለሉ ይኹነልና ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ፕረዚዳንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ቄስ ዶክተር ዮናስ ይገዙ ኣብዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ናብዚ ሓዱሽ ዓመት ከንሰጋገር ዝኸኣልና ብፍቓድ እግዚኣብሄር ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኣዩ ድኽመታት ብምእራምን ጥንካረታት ብምቕፃልን ንምምሕያሽ ናብራ ዜጋታት ኩሉ ክተግህን ንእግዚኣብሄር ምፍራሕን ሰናይ ተግባራት ምልባስን ካብ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ይግበር ከምዝኾነ፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ካልኦት ጥቕምን መንነትን ዘይትንከፉ ተግባራት፣ ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ንምክንዋን ምልዕዓል ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዛ ሃገር ካብዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንነዘ ዝፈታተና ዘሎ ናይ ሰላም ስእነት ከምዘሎ ኮይኑ ኣብተፈላላዩ እዋናት ዝፍጠሩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት ናብራ ዜጋታት እናኽበደ ከምዝኾነ ግልፂ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሓዱሽ ኣመት ዝተፈላላዩ ፀገማት ዝበፅሖም ወገናት ብፍላይ ዝንከባኸብን ዘዐብዮም ዘይብሎም ህፃናት፣ ዓቕሞም ዝደኸሙ ወገናት፣ ኣረጋውያን፣ ጥዕና ዝሰኣኑ፣ ብድኽነትን ተፈናቒሎምን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ተሓሳቢ ከግበር ከምዘግባእ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You