ኣብ ዕብየት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ተስፋ ዘሕደረ መዓልቲ ቱሪዝም

ኢትዮጵያ ምድሪ ቀዳሞት፣ መርከቢት ዘርኢ ሰብ፣ መሰረትን ንቕናቐ ፓን ኣፍሪካን መግለፂ ሕበረ ብሄራውነትን ሀገር ብምዃናን ሃፍቲ ተፈጥሮኣ፣ ባህላዊ ፀጋታታን ታሪኻን ብዝተደራጀየ መንገዲ ናብ ኣግለግሎት ብምውዓል ካብ ዘፈር ቱሪዝም ዘርፈ ብዙሕ ተረባሒት ክገብራ ዝኽእል ሃፍቲ ዝወነነት ሃገር ‘ያ፡፡

እዚ ዘለዋ ልዑል ዓቕሚ ቱሪዝም ንምፍላጥ ዝሕግዝ ካብ ካብ መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ቕድም ኢላ መስከረም 7 ክሳብ 9/2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ቱሪዝም በዝተፈላለዩ ምድላዋት እናኸበረት ትርከብ ኣላ፡፡ እዚ መዓልቲ ቱሪዝም፤ ምኒስተር ቱሪዝም ምስ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኮምሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ብምተሕብባር እናተኸበረ ይርከብ ኣሎ፡፡

ነዚ ዕለት ብምምልካት እናተኸወነ ካብ ዘሎ መርሓ ግብረታት፤ ቱሪዝም ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዊሱ ልዕሊ 100 መዳርግቲ ኣካላት ይሳተፉ ከምዘለው ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኢጋድን ኣባላት ሃገራትን ኣብቲ ቀጠና ዛላቒ ልምዓት ቱሪዝም ንምግሃድ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ናይ 10 ዓመት (ማስተር ፕላን ዘላቒ ቱሪዝም) ሎምዓንቲ መስከረም 9 2017 ዓ.ም ዕላዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡ ምስ ‘ዚ ጎናጎኒ ድማ ናይ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ዓውደ ርእይ ቱሪዝምን ናይ መዳርግቲ ኣካላት ኣኼባ ክግበር ‘ዩ፡፡

ናይቲ መርሃ ግበሪ ኣካል ዝኾነ ዕላዊ ምግባር ኣካውንት ሳትላይት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምድላው ቅድሚ ትማሊ ዕላዊ ዝተገበረ ኾይኑ፤ እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ንምቕራፅን ውሳነ ንምሃብን ዘኽእል ሳትላይት ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ መኸፈቲ ስነ ስርዓት ሚኒሰትር ቱሪዝም ናንሲ ጫሊን ሚኒስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ ነቲ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ዕላዊ ገይሮሞ ‘ዮም፡፡

ኣብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ቱሪዝምን ሰታስቲክስ፤ ካብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ካልኦት ተሓባበርቲ ትካላትን ብሓባር ብምዃን እዚ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ዝተዳለወ ኾይኑ ፤ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ግዘ ከምዝወሰደ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ፡፡ መረዳእታት እቲ ኣካውንት ሰኒድካ ብምቕማጥ ካብ ዘፈር ቱሪዝም ዝርከብ ዓቅሚ ኢኮኖሚ ብግቡእ ንምጥቃም ከምዘኽእል ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡

እቲ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ናብዛ ሃገር ክንደይ ዝኣኽሉ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝመፅኡን፣ ክንደይ ዝኣክል ግዘ ከምዝፀንሑ፣ ኣብ ኢኮኖሚ ክንደይ ዘኸውን ፈሰስ ከምዝገበሩን እቲ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ ካልኦት ዓውድታት ዘለዎ ምትእስሳር ንምፍላጥን ካለኦት ረብሓታት ከምዘርክብ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡

ነዚ ኣመልኪተን ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ከምዝበልኦ ‘ውን፤ ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታን መባፅሕታት ቱሪዝምን ዝማዕበለት ሃገር ‘ያ፡፡ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዝነበረ ዝተዋደደ ፀገም ሓበሬታ ምፍታሕ ከምዘኽእልን ብተወሳኺ ቱሪዝም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዓውዲ ቱሪዝም ንምምዕባል ‘ውን እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪብን ‘የን ፡፡

ብተወሳኺ ሃፍቲ ቱሪዝም ሸርፊ ወፃኢን ናይ ስራሕ ዕድል መፍጠሪ ዘርፍን ብሓፈሻ ዓምዲ ዕብየት ሃገር ምዃኑ ዝሓበራ ‘ተን ሚኒስትር፤ ብምዃኑ ድማ እዚ ኣቕሚ ሃፍቲ ብምልማዕ ካብቲ ዘፈር ዝግብአና ረብሓ ንምርካብ ሐዚ ብመንግስቲ እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ዝብረታታዕ ምዃኑ ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ኣብዚ መኽፈቲ መድረኽ ተረኺቦም ብዛዕባ ረብሓ እቲ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ሓሳቦም ዝሃቡ ገለ መዳርገቲ ኣካላት ከምበልዎ፤ ዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታት መስሕብ ቱሪዝም እንተሃለዋ ‘ውን ክሳብ ሐዚ ብኣግባቡ ኣልሚዓ ከምዘይተጠቀምትሉ ብምልዓል፤ ኣብ ልምዓት ቱሪዝም መረዳእታ ብምእካብ ዝስንድ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ብዘይምንባሩ እቲ ዘፈር ተጎዲኡ ከምዝነበረን ሓዚ ግና እዚ ብምቕራፉ ነቲ ዘፈር ዓብዪ ዓወት ከምዝኸውን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ ‘ዩ፡፡

ፕሬዚደንት ፌዴሬሽን ኣስራሕቲ ሆቴላት ኢትዮጵያ ፍትህ ወልደሰንበት (ዶ/ር) ከዓ፤ ዘፈር ቱሪዝምን ሆቴልን ልዑል ናይ ስራሕ ዕድል ካብ ዝፈጥሩ እነተኾኑ ‘ውን ጉድለት ሓበሬታ ዓብይ ዕንቕፋት ኮይኑ ምፅንሑ ብምልዓል፤ ሐዚ ግና ምጅማር ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ዕላዊ ብምዃኑ ንዕብየት ዘፈር እቲ ቱሪዝም ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ምግላፆም ተሓቢሩ፡፡

ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዕላዊ ምዃኑ ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ዓሚቕ ዓቅሚ ብግቡእ ምጥቃም ዘኽእላ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣባል ቦርድ ትካላት ማሕበር መጎብነይ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣይተ ናሆም ኣድማሱ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒስኮ ብዝተመዝገቡ ይኹኑ ብካልኦት መስሕብ ቱሪዝማት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ሓንቲ እንተኾነት ‘ውን ሓበሬታት ብግቡእ ሰኒዳ ብዘይምፍላጣ ዓሚቕ ዓቅማ ከይተጠቀመት ምፅንሓ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

ኣባል ቦርድ ማሕበር መጎብነይቲ ቱሪስት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮናስ ትኩእ ብወገኖም፤ እቲ ሳትላይት ኣካውንት ብሓበሬታን ብትልሚ ዝተመረሐ ኢንቨስትመንት ቱሪዝም ንክስፋሕፋሕ ክምዝገብር ብምዝራብ፤ ብፍላይ ኣብቲ ዘፈር ንዝተሰማረዩ መዳርግቲ ኣካላት ኢንቨስትመንቶም ንምስፍሕፋሕን ካብቲ ዘፈር ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዓብዪ ረብሓ ክምዝህልዎ ኣልዒሎም ‘ዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ዓቕሚ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዓብዪ ግደ ከምዘለዎን ንቱሪዝም ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ድማ ንዘፈራት ግብርናን ኮንስተራክሸንን ምንቕቃሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ተወካሊ ኮምሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ኣይተ ጆኦፍሬይ ማንያራ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ዴእታ ሚኒስትር ልምዓትን ትልምን ኣይተ በረከት ፍስሃ ፅዮን፤ መንግሰቲ ናይ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ፀጋታት ፈልዩ ብምልማዕ ዋና ዘፈር ዕብየት ምጣነ ሃፍቲ ገይሩ እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ዝርከብ ዕዳጋ ንምምሕያሽን ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ወሳኒ ብፅሒት ክምዝህልዎ ኣመላኺቶም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ በሀር ሻሌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ቀፃልነት ዘለዎ ዘየቋርፅ ዝተደጀወ ሓበሬታ ስታትስቲክስ ቱሪዝም ብምሓዝ ዝተሳለጠ ፍሰት ሓበሬታ ቱሪዝም ንክህልው ከምዘኽእል ብምሕባር፤ እዚ ሳትላይት ኣካውንት ንዘፈር ቱሪዝም ሓደ ደረጃ ሓፍ ንምባል ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዘኽይድ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ምድሪ ቀዳሞት፣ መርከቢት ዘርኢ ሰብ፣ መሰረትን ንቕናቐ ፓን ኣፍሪካን መግለፂ ሕበረ ብሄራውነትን ሀገር ብምዃና ብምምልኻት፤ ሃፍቲ ተፈጥሮኣን ባህላዊ ፀጋታታን ብዝተደራጀየ መንገዲ ናብ ኣግለግሎት ንምውዓል የኽእላ ‘ዩ ኢሎም፡፡

መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ካብ 1980 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ በቢዓመቱ መስከረም 17 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ዝኽበረሉ ቕድም ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ቱሪዝም በዝተፈላለዩ ምድላዋት ካብ ምኻባራ ብተወሳኺ ብዙሕ ረብሓ ክህብ ትፅቢት ዝተገበረሉ ሳትላይት ኣካውንት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዕላዊ ምግባሩ ኣብ ልዕሊ ዘፈር ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ብሩህ ተስፋ ከንፀላልው ዝገበረን ብሓፈሻ ኢትዮጵያ እዚ መድረኽ ቱሪዝም ምድላዋ ንኻልኦት ሃገራት ‘ውን ሃፍቲ ቱሪዝመን ንከፋልጣን ኣብ ሞነጎአን ድማ ምትእስሳር ንክፈጥራ በሪ ዝኸፍት ከምዝኸውን ‘ዩ ዝእመን፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You