መሳገሪ ሓድሽ ተስፋ

ንሓሙሽቲኦም መዓልትታት ጳጉሜን 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ለኸ ብዝተፈላለዩ ስያመታት ከምዝተኸበሩ ዝዝከር ‘ዩ። ሕድሕድ ጳጉሜን መዓልቲ ስያሜን መግለፂ ብምሃብን ዝተፈላለዩ ምድላዋትን ተኸቢሩ ‘ዩ። ሓዱሽ ዓመት አውን ብድምቕ ፅምብል ትማሊ ተቐቢልና ኢና።ኣብ ወርሓ ጳጉሜን ዝነበሩ ተግባራት ከምዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ።

1 ጳጉሜን መዓልቲ ምስጋር፤ ብዝብል ስያመ ብድምቀት ተኸቢሩ ከምዝዋዓለ ይፍልጥ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ 1 ጳጉሜን “መዓልቲ ምስጋር” ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላላፎ መልእኽቲ፤ “ምስጋር ካብ ሓደ ናብ ካሊእ ምዕራፍ ህይወት ስግግር እንገብረሉ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ኢዩ”ኢሉ።

ኣረጊት ዘበን ተዛዚሙ ናብ ሓዱሽ ዓመት ንሰጋገረላ ቀዳመይቲ ዕለት ወርሒ ጳጕሜን እንትነኽብር ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ዘመዝገብናዮም ዓወታት ጥንኩራት ከይዲ ለውጢታትን ዝተረኸቡ ዘዕግቡ ውፅኢታትን ብዝለዓለ ደረጃ ብምጥንኻር ዘጋጠሙና ማሕላኻታት ድማ ብግቡእ ብምግምጋምን ንምፍታሕ ቆራፅነት ብምርኣይ ኢሉ›› ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዙሓትን ዝተሓላለኹን ፈተናታት ኣጋጢሞም፣ ሃገር ከፍርስ ዝኽእል ኲናት፣ ጎንፂታትን ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን ከምዘጋጠመ ብምዝኽኻር፤ ይኹን እምበር ብዝተገበረ ምትሕብባር ህዝቢን ብጥበብን ቆራፅነትን ኣመራርሓ ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ፈተና ብምፅዋር ምስጋር ከምዝተኽኣለ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ ኣዘኻኺሩ።

እናተዛዘመ ኣብ ዝርከብ ዓመት ንኢትዮጵያ ከሳግሩ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጅታት ብብቕዓት ብምምራሕ ብልዑል ፅሬትን ቅልጣፈን ንኽዛዘሙ ከምዝተሰርሐ ‘ውን ገሊፁ። ብፍላይ ‹ኣብ ዝኾነ እዋን ኣይዛዘምን› ተባሂሉ ዝፀንሐ ሓበራዊ አሰርን ተምሳሌት ሓድነትን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዑል ብርኪ በፂሑ ሓይሊ ናብ ምፍልፋል ተሰጋጊሩ ኢሉ›› ኢሉ።

2 ጳጉሜን ናይ ሪፎርም ዕለት፤ “ሪፎርም ንዝለዓል ኣገልግሎት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ተኺቢሩ ዉዒሉ ‘ዩ። ከም ሃገር ዘጋጠሙና ናይ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስብራታት ንምፅጋንን ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምርግጋፅን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተጀሚሮም ኢዮም ኢሉ።

ውፅኢታት ‘ውን ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ። ብዝተለመዱ ኣሰራርሓታት፣ ሕጊታት፣ ፖሊሲታትን ትካላትን እንደሊዮ ኩለ መዳያዊ መዕባለ ምምፃእ ኣይከኣልን ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፤ ስለዝኾነ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ናይ ሪፎርም ስጉምቲ ተወሲዱ ‘ዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ናይ ሕጊ፣ ናይ ኣሰራርሓ፣ ናይ ፖሊሲን ናይ ኣተሓሳስባን ለውጥታት ኢሉ’ውን ናይ ትካላት ሪፎርም ብምግባሮም ዘተባብዑ ለውጥታት ተራእዮም ‘ዮም ። ኣብ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ካብ ዝተገበሩ ናይ ትካላት ሪፎርም ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ሪፎርም ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ነበር ስርዓት ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲያዊ መሰላት ካብ ምኽባር ወፃእ ናይ ሓደ ጉጅለ ፀቢብ ድልየት ንምሕላው ዝተወደቡ ትካላት ነይሮም ኢሉ።

ብምዃኑ ናይ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ብምምላስን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምንጋስን ዘጋጠሙ ናይ ፖለቲካ ስብራታት ንምእራም ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን፣ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ቦርድ፣ ናይ ህዝቢ ሓባሲ ንብዓት ትካል፣ ፍርዲ ቤታትን ካልኦት ትካላትን ነፃን ገለልተኛን ኮይኖም ንክሰርሑ ሪፎርም ከምዝተገበሩ ገሊፁ። እቶም ትካላት ካብ ናይ መንግስቲ ፅዕንቶ ሙሉእ ንሙሉእ ነፃ ኮይኖም ስርሖም ምክያድ ምጅማሮም ‘ውን ሓቢሩ ‘ዩ።

3 ጳጉሜን – መዓልቲ ሉኣላዊነት፤ ኢትዮጵያ ሉዓላዊነታ ብደምን ዓፅሚን ኣፅኒዖም ዘንበሩ ጀጋኑ ሃገር ከምዝኾነት ‘ውን ገሊፁ ‘ዩ። ‹ግዝኣታዊ ሓድነታን ናፅነታ ሓሊያ፣ ንባዕዳዊ ገዛእቲን ወረርቲ አሕፊራ ብናፅነት ዝነበረት ሃገር ኢያ› ዝበለ እቲ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን፤ ነገር ግን ሉኣላዊነት ዶብ ብምኽባር ጥራሕ ግዝኣታዊ ሓድነት ከምዘይሕሎ ገሊፁ። ሉኣላዊነትና ሓሊና ምንባርና የኹረዐና። ናይ ግዝኣት ሉኣላውነት ንበይኑ ደው ከምዘይብል ግን ተረዲእና ኣለና። ሉኣላውነት ኩለ መዳይ ክኸውን ኣለዎ።

ናይ ምግቢ ሉኣላዊነት፣ ናይ ቴክኖሎጂ ሉኣላዊነት ፣ ናይ በጀት ሉኣላዊነት፣ ናይ ሃገር ሉኣላዊነት ብፅንዓት ደው ዘብሉ ‘ዮም። እዞም ናይ ሉኣላውነት ዓውዲታት ንምጥንኻር ሓዱሽ ዓይነት ሃርበኝነት የድሊየና። ናይ ብሄራዊነት ሃርበኝነት። ናይ ብሄራዊነት ሃርበኝነት ኣብ ዝተጣየሸሉ ስራሕ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ሉኣላዊነት ንምኽባር ናይ ጊዜ፣ ፍልጠት፣ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእትነት ምኽፋል ‘ዩ። ሃገር ብደቃ ከትህነፅ ኢያ ክትሕሎ ኢያ ክብል እቲ መግለፂ ይሕብር።

3 ጳጉሜን – መዓልቲ ሉኣላዊነት ንምኽባር ሉኣላዊነት ሃገር ዝተኸፈለ ዋጋ ክብሪ ብመሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳይንስ ሙዚዬም ተኸቢሩ ‘ዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ከምኡ ‘ውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣግይሽ ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ኩለመዳይ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ሉኣላዊነታ ሓሊያ ዝነበረት ሃገር ኢያ፤ ነዚ ሉኣላዊነታ ቀንዲ መርአዪ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝነበረ ጅግንነት ‘ዩ። ብኹሉ መዳይ ሉኣላዊነታ ዝተረጋገፀ ሃገር ምፍጣር ከምዘድሊ ብምግላፅ፣ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ከምዝሓትት ገሊፆም።

ሉኣላዊነት ብደምን ረሃፅን ዝሕሎ ክብሪ ‘ዩ ክብሉ ዝገለፁ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ‘ዮም። ሉኣላዊነት ብደም፤ ብረሃፅ ዝሕሎ ክብሪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ‹ናፅነትን ዶብን ሃገር ከምኡ ‘ውን ክብሪ ዜጋታት ምሕላው ዝከኣል ብደም መስዋእትነት ‘ዩ› ኢሎም።

4 ጳጉሜን – መዓልቲ ሕብሪ፤ ‹ሕብርና ንሰላምና› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ ውዒሉ ‘ዩ። ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ ብብሄር፣ ብቋንቋ፣ ብኣረኣእያ፣ ብመልክኣ ምድሪ፣ ብኣመጋግባ፣ ብኣነባብራ፣ ብኣለባብሳ ወዘተ ህብርና ብዙሕ ‘ዩ፤ ህብራዊነትና ‘ውን ሰፊሕ ‘ዩ ክብል ገሊፁ። እዚ ህብርና ድማ ፅባቐና፣ ሕብረትና፣ ፍልፍል ጥንካረናን ሓጎስናን ‘ዩ ኢሉ።

ናይ ደጉዓ ኣከዳድና ንቆለታይ ብርቁ ‘ዩ ብምባል፥ ናይ ሓደ ብሄር ኣሰዓስዓ ንካሊእ ሓዱሽ ልምዲን ፍልፍል ሓጎስን ከምዝኾነ ‘ውን ሓቢሩ። ናይ ሓዲና ኣረኣእያ ንካልኦትና ትምህርቲ ‘ዩ፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ መልክኣ ምድሪ ንካሊእ ፅባቕኡ ከምዝኾነ ገሊፁ። ህብር ተፈጥሮኣዊ ኣብ ዝኾነላ ኢትዮጵያ ናይ ብዙህነትና መኽሰብ እናተኻፈሉ ምንባር ዕድል ‘ዩ ኢሉ። ህብረብሄራዊነት ንዘላቒ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ምጉልባት ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ።

ህብረ ብሄራዊነት ንዘጋጥሙና ናይ ውሽጢን ግዳምን ፈተናታት ኩሉ መገዲ መፍትሒ ‘ዩ። ብሕብረት እንትንስለፍ ንዘላቒ ሰላምናን ሓድነት ሃገርን ፀረ ዝኾኑ ዛዕባታት እንተጋጥሙና ንምምካት ዓቕሚ ንረክብ ኢና። ዘጋጥሙና ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ንምቕራፍን ብዘላቕነት ንምፍታሕን ጉልበት ይህልወና። ስለዝኾነ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብምምካት ሃገርና ምስ ሙሉእ ክብራ ንቐፃሊ ትውልዲ ናይ ምሽጋር ሓላፍነት ከምዘለና ብምርዳእ ተጊህና ክንሰርሕ ይግባእ።

5 ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ፤ ፅባሕ መቑፀሪ እዋን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ፅባሕ ተስፋ፤ ትምኒት፣ ስንቂ ንሎሚ ምልዕዓልን ምኽንያት ‘ውን ‘ዩ። ፅባሕ ኹላትና ንምርኣይ ዝሓሸ ህይወት ስኬት ንክህልወና እንምነዮ ድልየትና ‘ዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሸን መንግስቲ ገሊፁ ‘ዩ። ኣብቲ መግለፂ ፤ ኢትዮጵያ ፅባሓ ብሩህ ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምቕናዕ ብዙሓት ስኬታማ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ናይ ትካላት ምህናፅ ጀማሮ ዘመን ተሳጋሪ መሰረት ዝሓዙ ‘ዮም፤ ብፀጥታ ትካላት ተጀሚሩ ናብ ካልኦት ዝተሸገረ ሪፎርም ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዝተገበረ ‘ዩ። ልኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮ መርሃግበሪ ካብ ሎሚ ዝሓለፉ ‘ዮም። ናይ ፅባሕ ወለዶ ምግቢ ዝልምን እንተይኾነስ ኣምሪቱ ባዕሉ ዝምግብን ኽሳዱ ቅንዕ ኣቢሉ ንክነብር ንምኽኣል ‘ዩ።

ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተጀመረ ስራሕ ሪፎርም ናይ ፅባሕ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ትልሚ ዝሓዙ ‘ዮም። ከም ግድብ ህዳሴ ዝኣመሰሉ ናይ ታሪኽን ፖለቲካን ፀወታ ቀየርቲ ፕሮጀክት እንትንሃንፅ ንሎሚ ሓይሊ ድልየትና ጥራሕ ኣይኮነን። ከተማታት እናፍረስና እንሰርሕ ዘለና ፅባሕ ዝምጥኑ ንክኾኑን ተስፋ ዘንፀባርቑ ንምግባር ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You