ሓድሽ ሰብ ኮይንካ ናብ ሓድሽ ዘመን ዝትሰጋገረሉ በዓል

ትማሊ ዝተኸበረ በዓል ሓድሽ ዓመትን ብኣቆፃፅራ ግእዝ ሓድሽ ዓመተ ምሕረት ሓደ መስከረም 2017 ኮይኑ፤ ካብ ዓመተ 2016 ዘመነ ሉቃስ ወንጌላዊ ናብ 2017ዘመነ ማቴዎስ ዜናዊ ዝተሰጋገረሉ ‘ዩ። እዚ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ’ውን እናተባህለ ዝበዓል ዘመን መለወጢ፤ ኣብዛ ሃገር ሓድሽ ዓውደ ኣዋርሕ (ካላንደር) ዝልወጠሉ መዓልቲ’ዩ።

ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፤ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት ዝሓዛ 12 ኣዋርሕን ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት እተቑፅር መበል 13 ወርሒን ዝሓዘ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዛ መበል 13 ወርሒ ጳጉሜን ተባሂላ እትፅዋዕ ሓፃር ወርሒ፤ ነዛ ሃገር ዝተፈለየ ኣቋፃፅራ ኣዋርሕ ንክህልዋ ዝገበረት ፍልይቲ ወርሒ ‘ያ።

ገለ ፅሑፋት ‘ጳጉሜን’ ናይ ግሪኽ ቃል ኰይኑ፡ ‘ዓመት ክፅብፀብ እንከሎ ዝተረስዓ መዓልታት’ ማለት ምዃኑ ይገልፁ።ከም ኣቋፃፅራ ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፤ ሓደ ዓመት 365 መዓልታት፣ ሽዱሽተ ሰዓታት፣ ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ኣለዎ። በብኣርባዕተ ዓመት ክኣ እዘን ሽዱሽተ ሰዓታት ናብ 24 ሰዓታት ተደሚረን ሻድሸይቲ መዓልቲ እቲ ዓመት ይዀና። ኣብ 600 ዓመት ሓደ ግዜ ክኣ፤ እተን ክልተ ደቒቕን 42 ካልኢታትን ሓደ ሙሉእ መዓልቲ ኰይነን ሻብዐይቲ መዓልቲ ይፈጥራ።

ኣብ እዋን ጳጕሜን ህዝቢ ክርስቲያን ፀሓይ እንተይበረቐት ገስጊሶም ናብ ሩባ ብምኻድ ወይ ድማ ዝናብ ክዘንብ እንተሎ ናብ ደገ ብምውፃእ ማይ ፀሎት ይሕፀቡ። እዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድማ፣ ጳጕሜን ምሕረት ዝርከበሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ይብሉ መምህራን ቤተ ክርስቲያን። ኣብዚ ሃይማኖታዊ ትሕዘቶኡ ከምዘሎ ከይኑ ባህላዊ ወግዒ ‘ውን ኣልዎ ‘ዩ፡፡

ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ጳጉሜ መዓልታት፤ ብፍላይ መብዛሕትኡ’ቲ ኣብ ገጠራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነብር ኣማኒ ክርስትና ህዝቢ ‘ማይ ጳጉሜን ተሓፂቡ ‘ሓድሽ ሰብ’ ኮይኑ ናብ ሓድሽ ዘመን ዝሰጋገረሉ መዓልቲ’ዩ።

<<ጳጉሜንየ ኣብ ማይ ጳጉሜን

ኣይትሕፀባን ዶ ኣብ ማይ ጳጉሜን >>

ዝብል ደርፊ ምስተን ኣብ ወጋሕታ ጩቕጩቕ ዝብላ ኣዕዋፍ ተወሃሂዱ ኣብ ኣእምሮይ ይቓጭል ኣሎ ይብል ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይተ ይርጋ ገብረመድህን። ማይ ጳጉሜን ንኽሕፀባ ተኣኪበን ናብ ሩባ ዝወርዳ ኣዋልድ መስከረም እናተቐባበላ የዚምኦ። ምስ ኣዕዋፍ መስከረም ንሕናዶ ንስኽን እንክበሃሃላ ኣየ ክጥዕማ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዕምበባ ገልገለ መስቀል በቢከባቢኡ ዓምቢቡን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሕብርታት ደሚቑን ዝትሪአሉን ነዓይኒ ዝርኣይ ንእዘኒ ዝስማዕ ተፈጥሮ መሊኡ ዝፈሰሉ ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዋን ‘ዩ። እንስሳት ‘ውን ከይተረፉ በቲ ዘሎ ልምላመን ተፈጥሮኣዊ ፅባቀን ደስ ኢልዎም ካብ ደቐቕቲ ክሳብ ዓበይቲ ፍጥረታት ካፍቲ ናፍቲ ክሰራሰሩን ከዳምፁን ከትርኢ እንተለኻ ልዑል ሰላም ይስመዐካ።

ብፍላይ ካብ ዓበይቲ በዓላት ብፍላይ ኣብ ጎዳና ካብ ዝኽበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ድባብ ሰላም እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ብተወሳኺ፤ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን መስሕብ ቱሪዝም ብምዃን ንብዙሓት ፍልፍል እቶት ዝኸውን ብምዃኑ ኣብ ቁጠባ እታ ክልልን ብሓፈሻ ድማ ኣብታ ሃገር ዝፃወቶ ግደ ቀሊል ከምዘይኮነ ይግለፅ ‘ዩ፡ ፡ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝግበር ምንቕስቓስ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ‘ውን ዘለዎ ግደ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ክምዝፍለጥ መንፈሳዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ክብርታትካ ከተኽብር ካብ ዘድልዩ ቐንዲ ነገር ሰላም ወሳኒ ‘ዩ። በዚ ዝተረኽበ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ከም ኣሸንዳን ሓዱሽ ዓመትን ብሰላም ምኽባር ምጅማሩ ይበል ይቅፅል ዘብል ‘ዩ። ምስ በዓላት ተተሓሒዙ ህዝብና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልን ልምድን ዘለዎ ርህሩህ ህዝቢ ምስ መዃኑ ከዓ፤ እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ካብ እዋን ናብ እዋን ምስቲ ዘመን ንክዓቢ ብምግባር፤ ክዕቀብ ከምዝግባእ ብዝተፍላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ‘ውን መልእኽቲ እናቅረቡ ‘ዮም ዝርከቡ፡፡

ምስ ዝሓለፉ በዓላት ተተሓሒዙ ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝምን ባህልን ትግራይ ኣይተ ኣፅብሃ ገብርእግዚኣብሄር ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ድሕረ ገፅ ፌስቡኮም ከምዝገለፅዎ፤ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ቅድመ ምድላው ዝተገበረሉ ካብ 9-29 ነሓሰ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝተዓጀበ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኢድ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዋ ዞባታት ትግራይ ኣብ ዝነበረ ምድላው ሙሉእ ወፃኢኡ በቲ ቢሮ ብምሽፋን ብቀጥታ ፈነወ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተጋወሐሉ፣ ብጣዕሚ ብዙሓት ስራሕ_ዕድላት ዝፈጠረ፣ ዓብዪ ቁጠባዊ ዓቅሚ ትግራይ ዝሃነፀ ከምዝነበረን ከምኡ ‘ውን ካብ ዝተፍላለየ ሃገር ወፃኢ ዲያስፖራ ትግራይ ናብ ትግራይ ብልዑል ቁፅሪ ዝመፀሉ፣ ልዕሊ 10 ናይ ልምዓትን ሓድነትን መድረኻት ዘተታት ዝተኻየድሉ፣ ምስሊ ትግራይ ብዝግባእ ዳግም ዝተሃነፀሉ፣ እቲ በዓል ህዝባዊ መሰረቱ ክሕዝ ሰፊሕ ፃዕሪ ዝተገበረሉ፣ ቁመና ፀጥታ ትግራይ ብዝግባእ ዝተመስከረሉ በዓል ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዚ በዓል ዝገጠሙና ፈተናታት ብጥበብ ክንኣልዮም ሞኪርና ኢና ዝበሉ እቶም ሓላፊ ቢሮ፤ ኣብዚ እዋን ዝተርኣዩ ሕፅረታት ኣብ ቀፃሊ ክእረሙ ክንሰርሕ ኢና ብምባል፤ ህዝብና ካብ ደንገርገር ክወፅእ መፃኢኡ ብሩህ ክኾን ምንፃፍ ዘንፅፍ በዓል ከነብዕል ኩሉ ዓይነት ሓገዝን ድጋፍን ዝገብሩ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ኣመስጊኖም ‘ዮም።

ስለዚ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘተገለፀ ኩሉ ግደ በዓላት ዘርፈ ብዙሕ ረብሓኦም ዝተመሰከረሉ ምንባሩ ‘ዩ ዘርኢ እሞ፤ ኣብ ዝቅፅል ዝኸበሩ ከም መስቀል ጥምቀትን ካለኦትን ዝበሉ በዓለትና ‘ውን ብዝሓሸ ኩለ መዳይ ተራባሕነት ንምርካብ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እኹል ምድላዋት ብምግባር ንኽስራሕ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You