ኣዲስ ኣበባ፡-መንግስቲ ኢትዮጵያ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ እናሰርሐ ምምፃኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተምሃሪት ፒ.ኤች.ዲ ዝኾነ ወይዘሮ መካ ኣደም ገሊፀን።
ወይዘሮ መካ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ከምዝገለፅኦ፣ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ተጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዝኒሀናሉ ደረጃ ዝበፅሕ መንግስቲ ጠንካራ ዝባሃል ዲፕሎማሲ ርክብ እናሰርሐ ስለዝመፅአ እዩ። ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ።
ህዝባዊን መንግስታዊን ዲፕሎማሲ እናተሰርሐ ምምፃኡ ዝገለፃ ወይዘሮ መካ፣ ኣብ ቐረባ ግዜ ግብፅን ሱዳንን ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራን መንግስትታት ክወስድዎ ክኢሎም እዮም። ኮይኑ ግና በዝተገበረ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ እቲ ቤት ምኽሪ ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ኣለዎ ብምባል መሊስዎ እዩ ኢለን።
ቅዋም ኢትዮጵያ ‘ውን ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ዝብል ድሌት እዩ ነይርዋ። ኣብዚ ፅቡቕ ዲፕሎማሲ እናሰርሐት መፂኣ እያ። ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስትት’ውን ጉዳይ ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ብምእማኑ እዩ ክምልሶ ክኢሉ ክብላ ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ‘ውን ኣፍሪካ ዝምልከት ብሕብረት ኣፍሪካ ክረኣ ኣለዎ እናበለት ብምፅናሓ ቕዋማ ድጋፍ ረኺቡ እዩ ዝበላ ወይዘሮ መካ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢትዮጵያ ዝሰርሐቶ ዲፕሎማሲ ስራሕ ንኣባላት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትያ ብሚኒስትር ማይን መስኖን ኢነርጀን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብምልኣኽ ብዝግባእ ቅዋማ ብምግላፅ ዕዉት ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ሰሪሓ እያ ኢለን።
‹‹ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ኩርዓት ተሰሚዕዎ እዩ፤ ኣብዚ ዓብዪ ዲፕሎማሲ እዩ ተሰሪሑ ዝብል እምነት ኣለኒ›› ዝበላ ወይዘሮ መካ፣ ከምዚ ዓይነት ዲፕሎማሲ ስራሕ ቅድም ክብል’ውን ስለተሰርሐ መበል ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ በዓወት ምዝዛም ተኻኢሉ ኣሎ ክብላ ገሊፀን።
ንቕድሚት ‘ውን ብጉዳይ ኣባይ ኢትዮጵያ በፂሓቶ ዘላ ደረጃ ተሰማዕነት ክህልዋ ዝገብር እዩ። ስለዚ ግድብ ህዳሰ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሃፍቲ ስለዝኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሐዚ ‘ውን እንተይተሳላቸወ ተሳትፍኡ ከጣናኽር ኣለዎ ክብላ ምዒደን።
እዚ ግድብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ። ስለዚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግደብ ህዳሰ ብዓወት ምስኻዕ ውፅኢት ጠንካራ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ እዩ ምባል ይከኣል ኢለን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013