ሓላፍነት ኹሉ ዝኾነ ፅሬትን ውፅኢትን ተምሃሮ

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተምሃረ ሓይሊ ብዝበዝሐ ቑፅሪ፣ ዕብየት እታ ሃገር ‘ውን ብኡኡ ልክዕ እናተረጋገፀ ከምዝኸይድ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቒ ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ ብዘይ ትምህርቲ ዕቤት ሃገር ክመፅእ ስለ ዘይኽእል ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብምቕራፍ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ግዲኡ ክፃወት ግድን ‘ዩ።

ብፍላይ ድማ ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ምስቲ እታ ክልል ኣጋጢምዋ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ስዒቡ ብዙሕ ፀገም በፂሕዎ ‘ዩ፡፡ ካብዚ ንምውፃእ ብዝበለፀ ትኹረት ተገይርሉ ብምስራሕ ዘዕግብ ውፅኢት ብምምፃእ፣ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንባዕሉን ንካልኦት ክልላትን ኣብነት ክኸውን ይግባእ።

ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ትምህርቲ ክፍተት ተተፈጢሩ ብቕልጡፍ ዓብይ ፅዕንቶ ‘ዩ ዘጋጥም። ብፍላይ ድማ ኣብ ተምሃሮ ዘሕድሮ ስነልቦናዊ ፅዕንቶ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ከም ወለዶን ከም ሃገርን ሓደ ብርኪ ንድሕሪት ዝጎትት ‘ዩ። ትምህርቲ ናይ ኹሉ መበገሲ ብምዃኑ ፅባሕ ሃገር ተረከብቲ ‘ዮም እንብሎም ወለዶ ሎሚ ብዝግባእን ዕንቅፋት ዘይብሉ ትምህርቲ ክማሃሩ ይግባእ። ርግፅ ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ከም ምዃና ዕንቅፋት ኣየጋጥምን ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ‘ዩ ዝኸውን፡፡

ኾይኑ ግና እዚ ፀገም እንትበፅሕ ብቕልጡፍ መፍትሒ ብምቕማጥ ናብ ሰላማዊ ከይዲ ትምህርቲ ምምላስ እቲ ዓብይ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ኣካይዳ ‘ዩ። እዚ ድማ ካብ መንግስቲ ዝግበር ሓገዛት ጥራሕ ትፅቢት ብምግባር እንተይኾነስ ቀፃሊ ህይወት ተምሃሮ ዘምፀኦ ረብሓ ከም ሃገር ስለዝኾነ ግደ ወለዲ፣ ግዱሳት ተጋሩንን መዳርግቲ ኣካላትን ‘ውን ተሳትፎ ክህልዎም ይግባእ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍታሕ ኣይካኣለን፡፡ ኾይኑ ግና ፅቡቕ ዝባሃሉ ጅማሮታት እናተርኣየ ይርከብ፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውፅኢት 12 ክፍሊ ብፍላይ ንተምሃሮ ተስፋ ዘለዎ ነገር ተራእዩ ‘ዩ፡፡ ተምሃራይ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዝኾነ ኣብ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ብምምፃእ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገበ ይዝከር፡፡

ካልኦት ተኸተልቱ ‘ውን ፅቡቕ ዝባሃል ውፅኢት ከምፅኡ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ እቶም ልዑል ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙዎም ክልተ ፈተናታት ኮቪድ-19ን ኹናትን ኣብ ትምህርቶም ልዑል ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ከምዝሕለፈ ምግማት ይካኣል ‘ዩ፡፡ ኣብዞም እዋናት ዝባኸነ ግዚኦም ብውፅኢት ንምኽሓስ ጠንኪርካ ምስራሕ ብምምራፆም ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሑ ኣኽኢልዎም ‘ዩ ፡፡

እዚ ውፅኢት ተምሃሮ ንካልኦት ብሰንኪ እቲ ኹናት ስነልቦነኦም ዝተጎድኡ ተምሃሮ ዓብይ መበረታትዕን ተስፋን ‘ዩ፡፡ ትምህርቲ ትግራይ ‘ውን ካብ ዝነበሮ ፀገም ተላቒቑ ዝሓሸ ውፅኢት ዘመዝግቡ ተምሃሮ ኣብ ከይዲ ምፍራይ ከምዝኸነ ከም መርኣያ ዝጥቀስ ‘ዩ፡፡ እዚ ቀፃልነት ንክህልዎ ኩሉ ዜጋ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። እዚ ብፍላይ ንሚንስቴር ትምህርቲ ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን።

ወለዲ፣ ሕብረተሰብ፣ መምህራን፣ መንግስቲ ተምሃሮ ወዘተ ዓብዪ ብፅሒት ከምዘለዎም ምግንዛብ የድሊ። መፍትሒ ንምምፃእን እዚ ውፅኢት ብምምፅኡ ካልኦት ናብ ትምህርቲ ማእዲ ዘይተመለሱ ተምሃሮ ንክምለሱ ኣብ ምግባር ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ‘ውን ኣድላይ ‘ዩ። ብዘይ መላእ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓውዲ ዓብይ ግደ ዘለዎም ተምሃሮ፣ መምህራን ወለድን መፍትሒ ትኹረት ተዘይገይረምሉ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮኦም እታዎታት ትምህርቲ ኣብዘይ ተማለአ ‘ዮም ዘምህሩ። እዚ ኣብ ዘየተማልአ ኩነታት ትምህርቲ ንክምሃሩ እንትግደዱ ድማ ንፅሬት ትምህርቲ ዘለዎ ኣሉታዊ ግደ ኹላትና እንፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ኸዚ ‘ውን እዚ ፀገም ብመንግስቲ ጥራሕ ክፍታሕ ስለ ዘይኽእል ውልቐ ትካላትን ባዓል ሃፍትን ቤት ትምህርቲ ካብ ምህናፅ ጀሚሩ ክሳብ እታዎት መሳርሒ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ ክሳተፉ ግድን ‘ዩ።

ምኽንያቱም ኸዚ ‘ውን ንፅሬት ትምህርቲ ናውቲ ካብ ምቅራብ ጀሚሩ ብዝግባእ ቖላሕታ ክዋሃቦ ኣለዎ። እዚ እንድሕር ዘይኾይኑ ግና ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዓብዪ ክፍተት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ድማ ውፅኢት ተምሃሮ ንክወርድ እቲ ዓብይ ዕንቅፋት ‘ዩ፡፡ ብትምህርቱ ብቁዕ ዝኾነ ወለዶ ንምፍራይ ካብ እታዎታት ትምህርቲ ጀሚሩ እኹል ዝኾነ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክህሉ ይግባእ።

ፀገማት ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕ ናውቲ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ጉዳይ መምህራን ‘ውን ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ። መምህራን ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ዝተመዝገበ ትሑት ኾነ ልዑል ውፅኢት ኣብ ምምፃእ ዓብይ ግደ ከምዘለዎም ዝፍለጥ ‘ዩ። ምኽንያቱ መምህራን ዘድልዮም ነገራት እንተዘይተማሊእሎም እቲ ዝተደለየ ውፅኢት ክመፅእ ኣይኽእልን።

ብርኪ ናብራ መምህራን ትሑት ምዃን፣ ኣብ ሞያ መምህርነት ዝንፀባረቕ ክፍተት፣ ኣመለኻኽታን ምንኣስ ዓቕሚን ኣብቲ ዓውዲ ንዘጋጠሙ ፀገማት መበገሲ ከምዝኾኑ ግልፂ ‘ዩ። እዞም ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ሓዊሱ ብዛዕባ ወለዶን ሃገርን ይምልከተኒ ‘ዩ ዝብል ኩሉ ክረባረብ ይግባእ።

ብሓፈሻ ኣብ ትምህርቲ ትኹረት ብምግባር ተመሃሮ ዝሓሸ ውፅኢት ከምፅኡን ዝሓሸ ወለዶ ኾይኖም ናይ ፅባሕ ብቑዓት ተረከብቲ ሃገር ክኾኑ ኩሉ በቢዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሳተፍ ኣለዎ፡፡ ጉዳይ ትምህርቲ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እምበር ሓላፍነት ውሱናት ኣካላት ጥራሕ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ሃገርና ወይ ክልልና ብቕዓትን ተስፋን ዘለዎ ሙሁር ዜጋ ከትረክብ እንድሕር ኮይና ዝተዋደደ ፃዕሪ ኩሉ መዳርግቲ ኣካል ወሳኒ ‘ዩ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You