ንህፃናት ኣብ ክንዲ ንቤት ትምህርቲ ናብ ኲናት ዝዳጉን ዘሎ ራዕዳዊ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፡- ካብ ትግራይ መቐለ ናብ ዓፋር ብዘይጠንከረ ዓቕሞም ተጓዒዞም እዮም።ናይ ሩባ ማይን ደረቕ ብሽኮትን ጥራሕ እናበልዑ፤ብጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ተገዲዶም/ን/ ዝኣተውዎ ኲናት ብዙሓት ሓውን ሓፍትን ስኢኖም እዮም።

‹‹እቶም ምሩኻት›› ሰገናት/ህፃናት ንብዓት እናሓነቖም ርኢቶኦም ንግዜኢ እንትህቡ፣ህወሓት ከይቐትለና ፈሪሕና ኢና ናብ ኲናት ዝተዳጎና ይብሉ።

ካብ መንጎ እቶም ሰገናት ‹‹ወተሃደራት›› እየሩሳሌም ሃይላይ ሓንቲ እያ፤እየሩሳለም 7 ሓምለ 2013 ዓ.ም ካብ መቐለ ሃንደበት ካብ ገዝኣ ከምዝወፀት ተዓፊና ናብ ኲናት ከም ዝኣተወት ትዛረብ።

ዝኾነ ዓይነት ስልጠና ይኹን ኣፅዋር ኣይሓዘትን፤ ‹‹ስዒርና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንኣትው ኢና›› ብዝብል ባዶ ተስፋ እናኣዐሸዉ ናብ ኲናት ከምዘእተውዎም ትገልፅ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኲናት እንትጅመር ምስ መሓዙታ ብምዃን‹‹ደንጊፅና ዓርስና ንምድሓን ንሰራዊት መከላኸሊ ኢድና ሂብና ኢና›› ትብል-እየሩሳለም።

እታ ኻልአይቲ ህፃን ሄለን ሓድጉ ብወገና ካብ መቐለ ብኣንፈት ፋብሪካ ሲሚንቶ ገይሮም ናብ ክልል ዓፋር እስካዕ እንኣትዉ ናበይ እናወሰድዎም ከምዝኾኑ ከይፈለጠት ምፅንሓ ተዘኻኽር።

ኣብ ኲናት ምስኣተዉ ደረቕ ብሽኮትን ናይ ሩባ ማይን እናሰተዩ ከምዝፀንሑ እትዛረብ ሄለን ‹‹ኣዕርኹተይ ዓርሶም ንኸድሕኑ ኣብ ጭንቂ ዝነበሩሉ እዋን ብመከላኸሊ ሃገር ተማሪኸ ህይወተይ ስለዘትረፍኩ ተሓጒሰ እየ›› ትብል።

ህዝቢ ትግራይ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣኑ ንምፅናሕ ክብል ሰገናት/ህፃናት ብግፍዒ ናብ ኲናት ብምዱጓን እናፈፀሞ ንዘሎ ግፍዒ ጠጠው ንኸብል ክቃለሶ ሓቲታ።

እቲ ኻሊእ ህፃን ኢሳያስ ኣለም ብወገኑ እቲ ጁንታ ህፃናት ትግራይ ብግፍዒ ናብ ኲናት እናዳጎኖም ከምዝኾነ ይምስክር።ንዑኡ ሓዊሱ ኻልኦት መሓዙቱ ተማሂሮም ፅባሕ ዝሐሹ ዜጋታት ንክኾኑ ድሌትን ሕልምን እንተሃለዎም እኳ፤ጁንታ ከይቐትሎም ብምፍራሕ ክዋግኡ ከምዝተሰለፉ ይዛረብ።

በቲ ጁንታ ተገዲዶም ናብ ኲናት ከምዝኣተዉ ብሰራዊት መከላኸሊ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ስጉምቲ ካብ ሞት ወፅዮም ዝተማረኹ ህፃናት ‹‹ኣመራርሓ ጁንታ ንደቆም ኣብ ወፃኢ ሃገር እናምሃሩ ተስፋ ህይወቶምን ህይወት ኻልኦት ስድርኦምን ብምፅልማቱ ተጣዒስና ኢና›› ይብሉ።

እቶም ህፃውንቲ ኣብ ስልጣን ንኽፀንሕ ክብል ህፃውንቲ ብግፍዒ ናብ ኲናት ዘእትው ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክቃለሶ ከምዝግባእ ብግንባር ዓፋር ብሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዝተማረኹ ህፃናት ‹‹ወተሃደራት›› ይገልፁ።

ጁንታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ወፍሪ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ፣ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ምጥቃም ካብ ዝጅምር ፀኒሑ እዩ፤ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ፈንቲ-ረሱ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ዝተማረኹ ህፃውንቲ መሕፈርን ካብ ሰብኣውነት ዝወፀ ባህረት ጁንታ ዓለም ብትኹረት ክሪኦ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ምክትል ኮምሽነር ቤት ህንፀት ክልል ዓፋር ኮምሽነር መሓመድ ኣሕመድ ከም ዝገለፅዎ፣ እቲ ጁንታ ኣፍቲ ዞባ ዝገበሮ ወራር ህዝቢ ዓፋር ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገርን ፍሉይ ሓይልን ጠጠው ብምባል እናደምሰሶ እዩ።

እቲ ጁንታ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝኸፈቶ ኲናት እቲ ዝፀንሐ ሃገር ናይ ምፍራስ ሕልሙ ጋህዲ ንምግባር ብዕሊ ዝጀመሮ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣፍቲ ኲናት ድማ ነቶም ህፃናት ብሓሽሽ እናስኸረ ብምእታው ኣብ ስምዒት ተስፋ ብምቑራፅ ኾይኑ ልዕሊ ኹሉ ንኣዴታት ትግራይን ህፃውንትን ዘለዎ ፅልኢት እናመስከረ እዩ ኢሎም። ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምክልኻልን ኣብ ጎኒ እቲ ኻሊእ ኢትዮጵያዊ ጠጠው ብምባል ንኽቃለሶ ሓቲቶም።

ራዕዳዊ ህወሓት ንዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበፅሑ ሰገናት/ህፃናት እናገደደ ካብ ሰለስተ መዓልቲ ዘይበልፅ ስልጠና ብምሃብ ናብ ውግእ ኣእትዩ ክፃርዎ ናብ ዘይኽእልዎ ኲናት እናእተዎም ከምዝኾነ ሚኒስቴር መከላኸሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

‹‹ኣብ ኲናት ካብ ዘሰለፎም ህፃናት ዓወት ክረክብ እየ ኢሉ ብምሕሳብ ‹‹ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐቲልዎም››ኢሉ ንኸወደኦም ብናይ ህፃውንቲ ኣስከሬን ክሽቅጥ እቲ ዝለመዶ ቕጥፈት ፕሮፖጋንዳ ንምስርጫው ኣስከሬኖም ኣብ ኲሓ ተኣኪቡ ከምዝርከብ እቲ መግለፂ የመልክት።

ቕድሚ መዓልታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ሰመራ እናጉዓዓዛ ዝነበራ መኻይን ብጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ደጊሙ ዘውገዘ እቲ መግለፂ፤በቲ ጉጅለ እናተፈፀመ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትዕንቓፍ ፖለቲካዊ ኽስቢ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ብማሕበረሰብ ዓለም ክውገዝ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኾይኑ እናሰርሐ ከምዝርከብ ‘ውን ገሊፁ፤ምግብን መድሓኒትን ንዘድልዮም ሰባት ተበፃሒ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ድማ ኣረጋጊፆም።

ምስ ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትሕብባር ስርሑ ከምዝቕፅል ወሲኹ ገሊፆም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You