ኣብ ክልል ትግራይ ዝጋፋሕ ዘሎ ሕማም ዓሶ ንምዕጋት ፍሉይ ቖላሕታ ከም ዘድልዮ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ዝጋፋሕ ዘሎ ሕማም ዓሶ ንምዕጋት ፍሉይ ቖላሕታ ከም ዘድልዮ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ አፍሊጡ፡፡

መተሓባበሪ ጉጅለ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ክልል ትግራይ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤70 ሚኢታዊ ማሕበረሰብ ክልል ትግራይ ኣብ ኸቢድ ፅዕንቶ ሕማም ዓሶ ይርከብ፤ እዚ ንምቕራፍ ድማ ፍሉይ ቆላሕታ ትካላትን ገበርቲ ሰናይን የድልይ፡፡

ብምኽንያት ኵናት ትካላት ጥዕናን ሰብ ሞያ ጥዕናን እቲ ክልል ኸቢድ ማህሰይቲ ስለ ዝገጠሞን ድሕሪኡ ድማ ምትዕርራይ እተን ትካላት ይኹን ዘድልይ መጠን እታዎት ምምላእ ብዘይምኽኣሉ፤ሕማም ዓሶ ካፍቲ ቕድም ክብል ዝነበሮ ብርኪ ኣዝዩ ወሰኽ እናርአየ ‘ዩ ኢሎም፡፡

እቶም መተሓባበሪ ከም ዝበልዎ፤ሕማም ዓሶ ዳርጋ ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝርኣይን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓሰርተ ወረዳታት ኣዝዩ ኸቢድ ብርኪ ከም ዝበፅሐ ብምሕባር፤ኣብ ከባቢ ቆላታት ተምቤን ፣ቐይሕ ተኽሊ፣ደቡብ ራያ ጨርጨር፣ሰሜን ምዕራብ ኣስገደ፣ኣድያቦ፣ዓዴትን ኻልኦትን ኣብ ኸቢድ ብርኪ ከም ዝርከባ ድሕሪ ምሕባር ብወገን መንግስትን ገበርቲ ሰናይን ቖላሕታ ተገይርሉ ፍታሕ ንክናደይ ተዛሪቦም፡፡

ምኽንያት እቲ ሕማም ኢሎም ዘቐመጥዎ ፀገማት ስርዓት ዝርገሐ ጥዕና፣ሕፅረት እኹል ሰብ ሞያ ጥዕና፣ሕፅረት ዛንዜራን መንፀጊ ኬሚካል መድሓኒት ከም ዝኾነ ብምሕባር ብተወሳኺ ድማ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሶም፡፡ ሕብረተሰብ ካፍቲ ሕማም ንኽከላኸል ቕድም ክብል ዛንዜራ ዝነበሮ ብኣግባቡ ክጥቀምን ኣብ ደገ ከየምስዩን ዝሓበሩ እንትኾኑ ዛንዜራ ዘይብሎም ብፍላይ ኣዴታትን ህፃውንትን በቲ ዘለዎም ጨርቂ ሙሉእ ሰውነቶም ተሸፊኖም ክድቅሱ ከም ዘለዎም ሓቢሮም፡፡

ዝሓመመ ቀልጢፉ ክሕከም ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፣ ብዋናነት ግና ዘላቒ ፍታሕ ንኽርከብ ንትካላት ጥዕናን ህዝብን ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ ህዝባዊ መንግስቲ ኣድላዪ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ሕብረተሰብ፣ ጥዕና ብዝምልከት ሓበሬታ ዘመሓላልፋ ሚዲያታት ክከታተልን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዕቋር ማይ መራብሒ ጣንጡ ከይኸውንን ብምፅራይ ዓርሱ ካብ ሕማም ዓሶ ክከላኸልን ብምሕባር፤ ብፍላይ መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ድማ ዝንዛሕ ኬሚካላትን ቐረብ መከላኸሊ ጣንጡ ዛንዜራ ከማልኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You