ሓዱሽ ዓመት ንዝሓሸ ሰላምን ልምዓትን

ወርሒ መስከረም ናይ ዓመት ፈላመይቲ ወርሒ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብዝሓ ኣብ ሂወትና ብኣውንታውን ኣሉታውን ክፀልውና ዝኽእሉ ሓሳባትን ተግባራትን እንውስነሉን እንጀምረሉን ወርሒ ‘ውን ‘ያ ምባል ይክኣል፡፡ ሓደ ዓመት ተወዲኡ ናብ ካሊእ ሓዱሽ ዓመት ብዝተለወጠ ቁፅሪ ኣብ ሂወትና ‘ውን ዝኾነ ዝሓሸ ኣውንታዊ ለውጢ ንክህልው ምሕሳብና ኣይተርፍን፡ ፡

ኩሉ ሓሲቡ የተግብሮ ‘ዩ እነተዘይተብሃለ ‘ውን ኣብቲ ኣረጊት ዓመት ዝነበሮ ሂወት ንምምሕያሽ ድልየትን ሓሳብን ክህልዎ ናይ ግድን ‘ዩ፡፡ እዚ ከም ውልቀ ሰብ ይኹን ከም ሃገርን ህዘብን ‘ውን ዝሓሸ ሰላም፣ ልምዓትን ዕብየትን ንምምፃእ ተስፋ እንገብረሉን እንምንየሉን ‘ዩ፡፡

በዓላት እንትኽበሩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ታሪኻዊን ወይ ካልኦት መበገሲ ብምገባር እንትኽበሩ ናይ ባዕሎም ዝኾነ ምኽንያት፣ ረብሓን ኣድላይነትን ኣለዎም ‘ዩ፡ ፡ ሓዱሽ ዓመት ብኸመይ ክኽበር ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ብዝምልከቶም ሰብ ሞያን መራሕቲ ሃይማኖትን ተገሊፁ ዝተኸብረ ኮይኑ ናይ ባዕሉ መበገሲ ምኽንያትን ዕላማን ብዘለዎ መሰረት ከምቲ ልሙድ ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ሂወትና ክንፍፅሞም እንደልዮም ነገራት ንምጅማር ወይ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝተጠናኸረን ብዝሓሸን መንገዲ ንምዕዋት፣ ከምኡ ‘ውን ዝኾነ ዝተቋረፀ ስራሕ መሊስካ ብሓዱሽ መንፈስን ተስፋን ንምጅማር ከም መበገሲን መለዓዓሊን ገይርና ብምውሳድ ሓደ ኢልና ንምፍፃም ዕላማ፣ ትልሚን ኣነፂርና እንብገሰሉ ጠቃሚ ግዘ ‘ዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መፃኢ ወይ ቀፃሊ ዓመትና ዝሓሸ ብሩህ ተስፋ ሰኒቅና፣ ሰላም፣ ፍቅሪ፣ታሕጓስ፣ ጥንካረን ዕውት ስራሕን ብዝሓሸ ንምፍፃም እንዳላወሉን ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ሂወትና ኣሉታዊ ሰዓቤናት ከብፅሑ ዝኽእሉ ባህርያት፣ ልማዳትን ተግባራትን ካብ ሂወትና ንምርሓቅ እንውስነሉን ንምጅማር ምኽንያት እንገብረሉ ጠቃሚ እዋን ‘ዩ፡፡

ስለዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ መኽባር ተተሓሒዙ ኣረጊት ዓመት ሰኒና ሓዱሽ ዓመት እንቅበለሉ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ሂውትና ፀላዊ ግደ ዘለዎም ተግባራት ንምፍፃም ወይ ንዘይምፍፃምን ንምልዋጥን ሓሲብና እንውስነሉን እንጅምረሉን ኣብ ሂወትና ሓዱሽ ለውጢ፣ ሓዱሽ ተስፋ፣ ዕብየትን ምዕባለን ኣሳጊርና ብሓሳብ ብትልሚ ኣሳጊርና እንሪአሉ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ዝኸውን ኣብዝሓ ሰብ ንሓዱሽ ዓመት ብፍሉይ ኣዝዩ ዝብህጋን ዝናፍቃን ብሃንቖውታ ‘ውን ዝፅበያ ‘ያ፡፡

እዚ በዓል ካብ ካልኦት በዓላት ዝፈልዮ ኣብዝሓ ሰብ ብዘይ ሃየማኖት፣ ቋንቋን ካባቢን ኣፈላላይ ዝኽበር ኮይኑ ብዙሕ ሰብ ኣብዚ እዋን ፍሉይ ስምዒት ታሕጓስ ይስመዖ ወይ ታሕጓስ ንክስምዖ ዝተፍላለዩ ተግባራት ንምፍፃም ይንቀሳቃስ፡፡ ፍሉይን ደስ ዝብልን ክዳን መሪፁ ይኽደን፣ መሪፁ ይበልዕ፣ መሪፁ ይሰቲ፣ ብዝኸኣሎ ዓቅሚ ምስ ናይ ቐረባን ርሑቕን ኣዝማድ ይተኣኻኸብ፣ ይጠያየቕ፣ ይተሓጋገዝ፣ ይተሓባበር እንኳዕ ኣብፀሐካ/ኪ/ኩም ብምባል ታሕጓሱ ይገልፅ።

ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ግዜ ጥራሕ ዘይኮነ ዝቅየርስ ተፈጥሮ ‘ውን ባዕላ ሓዱሽ ለውጢ ዝተርእየሉ ኩነታት ‘ዩ፡፡ ነኣብነት ሓያል ዝናብ፣ ነጎድጓድን ውሕጅን ቀኒሱ ብሓዱሽ ንዓይኒ ሰሓቢ፣ ማራኺ ልምላመን ዕንበባን ምስቲ ምችው ፀባይ ኣየር ተደሚሩ ብዝበለፀ ሓዱሽ መሲሉ ንክስመዐና ከይገበረ ኣይተርፍን።

እዚ በዓል መፃኢና ብብሩህ ተስፋ እንሪአሉ ‘ዩ ከምዘበልክዎ፤ መፃኢና መሊኡ ብሩህ ንክኸውን ግና ሐዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ ፅባሕ ድማ ካብዚ ብዘበለፀ ምሉእ ሰላም ንክህልወና ብሓድነት ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ከምቲ ሓደ እዋን ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝበልዎ፤ ተጋሩ ዋጋ ሰላም ክንፈልጥ ሰላም ክንስእን ግድን ኣይኮነን፡፡

ህዝቢ ትግራይ መዋእሉ ሰላም ስኢኑ እንታይ እናኾነ ከምዝመፀ ናይ ቀረባ ታሪክና ምስክር ‘ዩ ካብ ህዝቢ ትግራይ ብላዕሊ ትርጉም ሰላም ከምህር ዝኽእል ክህሉ ኣይክእልን፡፡ ኣልፋን ኦሜጋን ሕርያና ሰላም ምዃኑ ንምርግጋፅ ናብ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ንምብፃሕ ዝተኸፍለ ዋጋ ምዝካር ጥራሕ እኹል ‘ዩ፡፡ ምርግጋፅ ውሑስ ሰላምን፣ ሓርነት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ‘ዩ፡፡

ምኽንያቱ ሰላም እንተሃልዩ ‘ዩ ዘሓሸ ተስፋ ዘለዎ ፅባሕ ኣሳጊርና ክንርኢ፣ ክንሓስብን ክንትልምን ሓሪስና ነጊድና ብሓፈሻ ሰሪሕና ክንኣትው እንኽእል፡፡ ከምዝፍለጥ ሰላም ንሓደ ህዝብን ሃገርን ዕብየት ኢኮኖሚ ወሳኒ ‘ዩ። ብዘይ ሰላም ዘላቂ ቁጠባ ምህናፅ ኾነ ምዕቃብ ከቢድ ‘ዩ። ሰላምን ኢኮኖሚን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክለተ ገፃት ‘ዮም።

ሰላምን ኢኮኖሚን ክነፃፀሉ ዘይኸእሉ ክልተ ወሰንቲ ጉዳያት ‘ዮም። ዝተረጋግዐ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ኢኮኖሚ ብዝድለይ ደው ኢሉ ከኸይድ ከምዘይኸእልን ዋላ እኳ ምንቕስቓስ ኢኮኖሚ እንተቀፀለ ‘ውን ብዘተሓሰቦ ኸይዱ ዕላምኡ ክወቀዕ ኣይኽእልን፡፡ ዝተፈላለዩ በዓላትና ከም ኣሸንዳ፣ ሓዱሽ ዓመትን ካልኦት በዓላት ፅቡቅ ተኸቢሮም ዝሓልፉ ዘለው ‘ውን በዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ‘ዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ሰላም ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ምልስ ኢልና እነተርኢና ዳርጋ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐካ ዝበሃለሉ ኩነታት ኣይነበረን። ሐዚ ግና ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እዚ ታሪኽ ተቐይሩ ብታሕጓስን ምትሕግጋዝን እናተኸበረ ይሓልፍ ኣሎ። ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ክብል እንተለኹ ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ህዝቢ ተፋናቒሉ ክሳብ ሕዚ ናብ መረበቱ ከይተመለሰ ኣብ ከቢድ ፀገም ዘሎ ስለዝኾነ ‘ዩ። ስለዚ ሰላምና ሙሉእ ንክኸውን ሕቶ ውፁዓት ተመዛበልቲ ወገናትና ‘ውን ክንርስዕ የብለናን፡፡

ሓሳበይ እንተጠቃልል፣ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ዘርአናዮም ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ካልኦት ንህዝብን ሃገርን ረብሓ ዘለዎም ተግባራትን ሙሉእ ዓመት ንክቅፅሉ ብምስራሕ፤ ብሓፈሻ ዘለው ፀገማትና ንክቅረፉ፣ ዝተፈላለዩ ልምዓታት ዝሳለጠላ ስልጥንትን ምዕብልትን ትግራይ ንምፍጣር ኩልና ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ብሓድሽ መንፈስ፣ ተስፋን ወነን ተላዒልና ክንሓስብ፣ ክንትልም፣ክንሰርሕን ንዘላቒ ዕብየትን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ዘዝኸኣለናዮ ፀፀር ብምድረባይ ግዴና ንዋፃእ ይብል።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You