“ብሉኣላዊነትን ኽብርን ኢትዮጵያ ኣይንደራደርን” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ:– ብሉኣላዊነትን ኽብርን ኢትዮጵያ ኣይንደራደርን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መዓልቲ ሉኣላዊነት “ሕብሪ ንኹለመዳያዊ ሉኣላዊነት” ብዝብል ቴማ ኣብ ሓፈሻዊ መምርሒ ሚኒስቴር ምክልኻል ብሰንበት እንትኽበር ከምዝተዛረብዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንዝኾነ ተንኪፋ ኣይትፈልጥን፤ እንተተንኩፎምዋ ግና ብሉኣላዊነታን ኽብራን ኣይትደራደርን።

ንኢትዮጵያውያን ንዝኾነ ዘይምትንካፍ ተግባርና፣ መንነትናን መግለፂናን ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰላም ንልምዓትን ብልፅግናን መሰረት ብምዃኑ ንዝኾነ ናይ ምትንካፍ ድልየትን ዕላማን የብልናን ኢሎም።

ኾይኑ ግና ኢትዮጵያ እንተተንኪፋ ኣሕፊርካ ናይ ምምላስ ታሪኽ ከምዘለዋ ገሊፆም፤ እቲ ኽብሪ ሃገር ዝኾነ ጅግና ሰራዊት ምክልኻልና ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ከምኡ ‘ውን ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ንምሕላው ኣብ ዘተኣማምን ቑመና ድልውነት ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

ድልየት ኢትዮጵያ ካብ ልመና ምግልጋል፣ ካብ ረድኤት ምልቓቕ፣ ፍርያት ብሰፊሑ ምፍራይን መሰረታዊ ድልየታት ምምላእን ምዃኑ ገሊፆም፤ ነቲ ሽቶ ንምስኻዕ ብውሽጢ ኾነ ደገ ሰላም የድልየና ‘ዩ ኢሎም። ብመንፈስ ምትሕብባር ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ድልየት ኣለና፤ ከይተንከፍናዮም ዝትንክፉና እንተሃልዮም ግና ኣሕፊርካ ምምላስ ካብ ታሪኽና ዝወረስናዮ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሉኣላዊነትና ሓሊውና ምንባርና የኹርዐና ‘ዩ። ሉኣላዊነት ግዝኣት ንበይኑ ደው ከምዘይብል ግና ተረዲእና ኢና ኢሎም። ሉኣላዊነት ኹለመዳያዊ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም፤ ሉኣላዊነት ምግቢ፣ ሉኣላዊነት ቴክኖሎጂ፣ ሉኣላዊነት በጀት፣ ነቲ ዝዓበየ ሉኣላዊነት ሃገር ብፅንዓት ደው ዘብሉ ምዃኖም ኣረዲኦም። ነዞም ዘፈራት ሉኣላዊነት ንምኽባር ሓዱሽ ዓይነት ሓርበኝነት ከምዘድልየና ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባን ሰላም ዘምፅእ ጥራሕ ዘይኮነስ ልምዓት ዘካይድ፣ ኢንዱስትሪ ዘስፋሕፍሕ፣ ካብ ፀገም ዘውፅእ፣ ዝመራመር ዝምህዝ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኹላትና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኹለመዳያዊ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኣለና ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ባንዴራ ኢትዮጵያ ሰቒሎም። ንሉኣላዊነት ሃገሮም ንዝተሰዉኡ ጀጋኑ ጧፍ ናይ ምብራህ ስነ-ስርዓት ተሳሊጡ። ሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ድሕንነት ህዝቢን ብዝተዋደደን ብዘተኣማምንን ኩነታት ንምሕላው ቆራፃትን ድሉዋትን ከምዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ገሊፆም።

“ሕብሪ ንኩለመዳይ ሉኣላዊነት” ብዝብል ቴማ 3 ጳጉሜን መዓልቲ ሉኣላዊነት፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሰራዊት ምክልኻልን ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት መኽበርቲ ሰላም ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ፡፡ ኣብ ሰራዊት መክልኻል ሃገር ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ እዚ ሰሜን ምብራቕ መበል 801 ኮር ሻለቃ መላኩ ቶላ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሰራዊት ድሕንት ሃገርን ህዝቢን ንምሕላው ምስ ህዝቢ እና ሰርሐ ይርከብ።

”ክሳብ ህይወት መስዋእቲ ብምኽፋል ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምሕላው ሎሚ እውን ቆራፃትን ድሉዋትን ኢና” ክብሉ ‘ውን ኣፍሊጦም። ሕብረተሰብ ‘ውን ሓድነቱ ሓሊዩ ኣብ ጎንና ምስላፉ ብዝበለፀ ጅግንነት ንኽንላበስ ገይሩና ኢዩ ዝበሉ ሻለቃ መላኩ፣ ሎሚ መዓልቲ መዓልቲ ሉኣላዊነት ብሓባር ከኽብሩ ምኽኣሎም ንዝሐሸ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ተበግሶ ዝፈጥር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብኻሊእ ዜና ሰራዊት ምክልኻል ናይ ተስፋሕፋሕቲ ጎስጓስ ኲናት ንምምካት ኣብ ዘኽእል ዝተማልአ ወተሃደራዊ ቁመና ይርከብ ከብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ኣብ መበል 47 መስረታ በዓል እዚ ምብራቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ናይቲ እዚ ምስረታ በዓል ምስ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ሶማሌን ኣባላትን ኣመራርሓን ጅግና እዚ ምብራቕን ንምኽባር ብምኽኣለይ ሓጎስ ይስመዐኒ ኢሎም።

እቲ እዚ ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ተስፋሕፋሒ ሰራዊት ዚያድ ባሬ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ብምክልኻል ኣብ ዝተፈላላዩ ክፍልታት እታ ሃገር ዝተውሃቦ ግዳጅ ብጅግንነት እንትምክት ዝፀንሐ ጅግና እዚ ከምዝኾነ ገሊፆም። እቲ እዚ ሰራዊት ዚያድ ባሬ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝገበሮ ወረራ መስዋእትነት ብምኽፋል ሓዊሱ ዶብ ሃገሩ ከምዘኽበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ እዚ ናይ ሃገር ሰላም፣ ሉእላውነትን ሓድነትን ኣብ ምሕላው ልዑል ዋጋ ከምዝኸፈለን ዘኹርዕ ተግባር እቲ ሰራዊት ከምዝኾነን ገሊፆም። ሰራዊት ምክልኻል፥ ሃገር ንምውራር ዝፈተኑ ሓይሊታት ንምምካት ኣብ ዘኽእል ቁመና ከምዝርከብ እውን ኣረጋጊፆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You