መልእኽቲታት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሕድሕድ መዓልቲታት ጳጉሜን

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት መዓልታት ጳጉሜን ንሓድነትን ምትሕግጋዝን ዜጋታት ብዘጉልሕ መንገዲ ብድምቐት እናተኸበረ ምምፅኡ ዝዝከር ‘ዩ።

ሎሚ ዘበን ናይ 2016 ዓ.ም ሓሙሽቲአን መዓልታት ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ብዝተፍላለዩ ስያመታት ማለት፣ 1ጳጉሜን መዓልቲ ምስጋር፣ 2ጳጉሜን መዓልቲ ሪፎርም፣ 3ጳጉሜን መዓልቲ ሉኣላዊነት፣ 4ጳጉሜን መዓልቲ ህብር፣ 5ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ ተባሂሎም ብዝተሰየምዎ መሰረት ተኸቢሮም ‘ዮም፡፡

ብመሰረት ስያመ ሓሙሽቲአን መዓልታት ጳጉሜን ስዒቡ ቐዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሕድሕድ እተን መዓልቲታት ብማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡፡

ጳጉሜን 1 መዓልቲ ምስጋር

ኣብዚ ንምብፃሕ ብዙሕ ሰጊርና ኢና። ዘይተመዘዘ ሰይፊ፣ ዘይተሰበኸ ኲናት፣ ዘይተተኸለ መፃወድያ፣ ዘይተፈሓሰ ውዲት፣ ዘይተኾዓተ ገደል፣ ኣይነበረን። ኩሉ ብሓገዝ ፈጣሪ እናሰገርናዮ ኢና።

ኩናት፣ ለበዳ ኮሮና፣ ጎንፂ፣ ዕስለ ኣንበጣ፣ ላዕልን ታሕትን ግድብ ህዳሰ፤ ሰጊርናዮም። ንኻልኦት ‘ውን ንሰግር ኣለና። ተሳገርቲ ኢና። መስገሪና ‘ውን ዘይስበር ‘ዩ። ኣማዓዲና ኣይንተርፍን። ኣብ ማእኸል ‘ውን ኣይንወድቅን፡፡ ብዓወት ከም እንሳገር ክንድፃፍ ዝኣክል ኣይንጠራጠርን።

ጳጉሜን 2 መዓልቲ ሪፎርም

ኣብዮት ፅቡቕ ምስ ሕማቕ ኣጃሚሉ ፀሪጉና ‘ዩ። ተሳጋሪ ትካላት ክንሃንፅ ኣየኸአለናን። ነዚ ኢና ድማ ሪፎርም መሪፅና። እናዘመንና፣ እናነፀርና፣ እናመርመርና፣ ዝጠቕመና ንወስድ፤ ዘይጠቕመና ንድርብዮ።

በዚ ሓሳብ እዚ ዓቢዪ ዓወት ነመዝግብ ኣለና። ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፀጥታ ዘፈር፣ ሕጊ፣ ሕርሻ፣ ትምህርትቲ ናይ ሲቪል ሰርቪስ ሪፎርምታትን ዕናዕወትና ኣብ ምጉዓዝ ኢና ዘለና። ብምትሕብባር እንተሰሪሕና ዘይነሳኸዖ ሪፎርም፤ ዘይብፃሕ ብልፅግና የለን።

ጳጉሜን 3 መዓልቲ ሉዓላዊነት

ልዑላውነትና ሓሊና ምንባርና የኹረዐና፡፡ ግዝኣታዊ ልኡላውነት በይኑ ደው ከምዘይብል ንርዳእ ኢና። ልኡላውነት ኩለመዳያዊ ክኸውን ኣለዎ።

ልኡላውነት ምግቢ፣ ልኡላውነት ቴክኖሎጂ፣ ልኡላውነት ባጀት፣ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራዊ ልኡላውነት ፀኒዖም ደው ዝብሉ ‘ዮም። እዞም ልኡላውነት ዘርፍታት ንምኽባር ሓድሽ ዓይነት ሓርበኝነት የድልየና። ናይ ብሄራውነት ሓርበኝነት።

ናይ ብሄራውነት ሓርበኝነት ኣብ ኩሉ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ኩለመዳያዊ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ናይ ግዜ፣ ፍልጠት፣ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእቲ ምኽፋል ‘ዩ። ሃገር ብደቓ ትህነፅን ትሕሎን።

ጳጉሜን 4 መዓልቲ ሕብሪ

ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ብሄራት፣ ቋንቋታት፣ እምነታት፣ ስልጣነታት ኮይና ብዙሓት ጀጋኑ ዝነብሩላ ሃገር ‘ያ። ኢትዮጵያ ህብር ‘ያ።

ኩሎም ናትና ብኣና ንበዓልና ዝተዋሃቡ ‘ዮም። ንኹሉ ነኽብር ኢና። ብኹሎም ንሕበን ኢና።

ህብረ ብሄራውነትና መልክዕና ‘ዩ፤ ሓድነትና ድማ ህላወና ‘ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ህብራዊ ፀጋታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ‘ዮም ዝርከቡ። ዕላማና ሓንቲ ናይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበረሰብ ምህናፅ ‘ዩ። ዕላማና ብልፅግና ኢትዮጵያ ‘ዩ። እዚ ‘ዩ ሓድነትና።

ዝተበታተንና ህብርታት ኣይኮናን፤ ዝተጨፍለቕና ሓደ ዓይነት ‘ውን ኣይኮናን። ንሕና ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘለና ኢትዮጵያውያን ኢና።

ጳጉሜን 5 መዓልቲ ፅባሕ

ትማሊ ተወዲኡ። ሎሚ ‘ውን እናተገባደደ ‘ዩ፡፡ ፅባሕ ግን ገና ኣይተተንከፈን። ስለዚ ፅባሕ ንምጥቃም ሎሚ ከንሰርሕ ኣለና።

ግድብ ህዳሰ፤ ፕሮጀክትታት ገበታ ንሃገርን ገበታ ንወለዶን፤ መንገድታትን ግድባትን፤ ትካላዊ ህንፀት ስራሕቲ፤ ሓምለዋይ ኣሰርን ኢትዮጵያ ታምራትን፤ ልምዓት ኮሪደርን ናይ ሌማት ትሩፋትን፤ ዲጂታል ኢትዮጵያን ምገባ ኣብያተ ትምህርትን፤ ሃገራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሕን፤ ካልኦት… ፅባሕ ዝሓሸ ንምግባር እንሰርሖም ‘ዮም፡፡

ናይ ፅባሕ ወለዶ ኣዝያ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ከምዝርከብ ርግፀኛታት ኢና። ስለዚ ንፅባሕ ሎሚ ከንሰርሕ ይግባእ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You