‹‹2017 ዓ.ም ዝልውጠና ዘይኮነስ እንልውጦ ዓመት ንክኸውን ትምኒተይ ‘ዩ››  – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡– ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ዝልውጠና እንተይኮነስ ንልውጦ ዓመት ክኸውን ትምኒተይ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነዚ ዝበሉ ኣብ ድሮ በዓል ሓዱሽ ዓመት እንኳ ንሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፉ ‘ዩ፡፡ ኣብ 2016 ንኢትዮጵያ እንታይ ኣዐዊትና? ኣብ 2017 ከ ንኢትዮጵያ እነታይ ኣዳሊውና? ናይ ዞም ሕቶታት መልሲ ትርጉም ምልዋጥ ዘበን ይቕይሮ ‘ዩ፡፡ ዘበን ይልውጠና ኣሎ ወይስ ንዘበን ንልውጦ ኣለና? ዝብል የረድአና፡፡

ንኢትዮጵያ ዘበን እናለወጣ ንብዙሕ እዋን ነይራ ‘ያ፡፡ ሓሓሊፉ ድማ ብብርታዐን በፃዕርን ንዘበን ለዊጣቶ ትፈልጥ ‘ያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዘበን እንትልውጠና፤ ካብ ጎቦ ከም ዝተፍንቐለ እምኒ ናብ ዝሓሰብናዮ ዘይኮነስ ናብ ዝደለዮ ‘ዩ ዝወስደና ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

ዘመን ዕድል ‘ዩ፤ ነቲ ዘመን ምጥቃም ግና ውፅኢት ስራሕ ‘ዩ፤ ፈጣሪ ንኹለና ብማዕረ ዘመን ሂቡና ‘ዩ፡፡ ኣፍላላይ ዝፍጠር ግና ኣብቲ ዘመን ብምስራሕን ብዘይምሰራሕን ‘ዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ውሽጢ ታሪኽና እንኾርዐሎም መዕራፋት ኣለዉና፤ እዞም እዋናት ካሊእ ዘይኮኑስ ዝተወሃበና ናይ ዘበን ዕድል ብዝግባእ ተጠቂምና ንሰርሓሎም እዋናት ‘ዮም ክብሉ ወሲኾም ኣረዲኦም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ኣንሕና ደለና ኣይደለና ዘመን ይልወጥ ‘ዩ፡፡ ግዘ ንቀድሚት ጥራሕ ዝኸድ ማሽን ስለዝኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ደው ዘብሎ የለን፡፡ ኣንፍቱ ዝቕይሮ ‘ውን የለን፡፡ እቲ ዝክኣል ግና ብግዘ ምጥቃም ጥራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

‹‹ክረምቲ ንሰነፍ ሓረስታይ መዓት፤ንንፉዕ ሓረስታይ ከዓ ምሕረት ‘ዩ” ይበሃል›› ምሕረትን መዓትን ምስ ዘናብ ዝመፅእ ዘይኮነስ ካብቶም ሓረስቶት ምድላውን ስራሕን ዝረከብ ‘ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነፍ ሓርስታይ ዘበን ይልወጥ፤ እቲ ብርቱዕ ሓርስታይ ገና ነቲ ዘበን ባዕሉ ይልውጦ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You