ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንፂታትን ዘይምርድዳእን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ተወጊዶም ሰላም ክሰፍን ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብዛ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዘለዉ ጎንፂታትን ዘይምርድዳእን ተወጊዶም ሰላም ክሰፍንን ሃገራዊ ሓድነት ክጥንክርን ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ፀገም ውሽጢ ዝርከቡ ወገናት ምድጋፍ ከምዝግባእ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዓርሲ በዓርስኻ ጎንፂ፣ ጥሜት፣ ኩናት፣ ድኽነት፣ ድሕረት፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ቕድሚ ዓለም ፍሉይ መፍለይና ኮይኑ ኣሎ።

ሕዚ ‘ውን ካብዚ ፀገማትና ዘይተላቐቕና ኣጣናኺርና ንምቕፃል ውዕል ዝኣተና ክሳብ ንመስል እናቐፀልናዮ ንርከብ ዝበሉ እቶም ፓትሪያሪክ፤ ኸምዚ ዓይነት ልምዲ ክንሓፍረሉን ንስሃ ክንኣቱን ‘ምበር ክንቕፅለሉ ኣይግባእን ኢሎም። ኢትዮጵያ ንዓለም ዝተርፍ ሃፍተ ገነት ኣለዋ፤ ንዓይ ንዓይ ምባል ናይ ህዝብና መከራን ስቓይን እንተይኣናዋሕና ብማዕርነትን ብሓድነትን ሃገርና ብምሕዳስ ብናይ በኣልና ፀጋታት ክንምራሕ ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ጎንፂታት ብልዝብ፣ ምፍልላይ ብሓድነት፣ ዘይምስምዕማዕ ብዕርቒ ብምፍታሕን ብምሕዳስን ድልዱል ማሕበረሰብ ንምህናፅ ኩሉ ሓላፍነታዊ ግዲኡ ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም። ስራሕ ኣካያዲ መጅሊስ ፌዴራል፣ ተወካሊ ክልል ኣምሓራን ሓላፊ ዘፈር ምርምር ሼክ እንድሪስ ዓሊ ብግዲኦም፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ኩሉ ሰብ ትልምን ተግባርን ምስ ሰላም ሃገር ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ከም ገለፃ ሼክ እንድሪስ፣ ብናይ ሙስሊም ኣስተምህሮ ሰብ ምስ ቤተሰቡ ሰላም እንተኾይኑን ኣካሉ ጥዑይ እንተኾይኑን ንዓለም ኣብ ኢዱ ኣብውዒልዋ ይበሃል። ኩልና ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሰላም ብዙሕ ትርጉም ዘለዋ ምስምዃና ተረዲእና ንሰላም ሃገር ቕድሚኣ ብምሃብ ምሕላው የድሊ ክብሉ አማላኺቶም።

ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላላዩ ሓላፍነት ቦታ ዘለዉ ውልቐ ሰባት መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ሰላም ብምምሃር ናይ ተግባር መምህር ክኾኑ ይግባእ። ብሓፈሻ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንሓስብን ከንሰርሕን ኣለና፤ በዚ ካብ ፀገም ወፂእና ናብ ልምዓት ከመይ ከምእንሰጋገር ክንሓስብን ከንሰርሕን ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ ወገን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናትና ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሖም ‘ዮም ዝበሉ ሼክ እንድሪስ፤ ምርድዳእ ናይዚ ሓዱሽ ዓመት ዕላማና ብምግባር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ወገናትና ከንድግፎም ይግባእ ኢሎም።

ሊቐ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ካርዲናል ብርሃነኢየሰስ ሱራፌል ብግዲኦም፤ እዚ ሓዱሽ ዓመት ዝተወሃበና ሰናይ ነገራት ክንሓስብን ንናይ ሓባር ረብሓ ዝኾኑ ተግባራት ክንፍፅምን ከንለዓል ኣለና ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈታተኑና ፀገማት ሕዚ በቲ ሓዱሽ ዓመት ምእንቲ ከንፈትሖም እግዚኣብሄር ናይ መፍትሒ መንገዲ ከርኤና እንፅልየሉ ግዜ ‘ዩ ኢሎም።

እዚ ሓዱሽ ዓመት ንዝጠመዩ፣ ንዝፀምኡ፣ ንዝዐረቑ፣ ንዝተፈናቐሉ፣ ንዝተኣሰሩ፣ ንዝሓመሙን ንዝሓዘኑን እንበፅሐሉ ግዜ ይኹነልና ክብሉ መልእኽቶም አሕሊፎም።

ፕረዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቑ ኣብዶ ብግዲኦም፤ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈፀሙ ዘየድልዩ ተግባራትን ዘይምጥኑናን፣ ካብ ቒም በቐልን ሸለልትነትን ዝተላዓሉ ‘ምበር ብተፈጥሮ ዝወረስናዮም ወይ ፈጣሪ ዘሸከመና ዕዳታት ከምዘይኮኑ ኣፍሊጦም።

ብናይ በዓልና ሸለልትነትን ትዕቢትን ዘምፀኣናዮም መዘዛት ብምስትውዓልን ብጥበብ ብምርሓቕ ምክብባርን፣ ይቕሬታ ብምብህሃልን ካብ ኣድልዎ ናፃ ዝኾነ ርክብ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣማላኺቶም። እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ በረከትን ሰላምን ክኾነልና፣ ኣጥቢቕና ብዛዕባ ምድርና ንፅልየሉን ንሓቒ ጠጠው ንብለሉ ይኹነልና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ፕረዚዳንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ቄስ ዶክተር ዮናስ ይገዙ ኣብዘሐለፍዎ መልእኽቲ፣ ናብዚ ሓዱሽ ዓመት ከንሰጋገር ዝኸኣልና ብፍቓድ እግዚኣብሄር ብምዃኑ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኣዩ ድኽመታት ብምእራምን ጥንካረታት ብምቕፃልን ንምምሕያሽ ናብራ ዜጋታት ኩሉ ክተግህ ይግባእ።

ንእግዚኣብሄር ምፍራሕን ሰናይ ተግባራት ምልባስን ካብ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ካልኦት ጥቕምን መንነትን ዘይትንከፉ ተግባራት፣ ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ንምክንዋን ምልዕዓል ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዛ ሃገር ካብዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንነዘ ዝፈታተና ዘሎ ናይ ሰላም ስእነት ከምዘሎ ኮይኑ ኣብተፈላላዩ እዋናት ዝፍጠሩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት ናብራ ዜጋታት እናኽበደ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሓዱሽ ኣመት ዝተፈላላዩ ፀገማት ዝበፅሖም ወገናት ብፍላይ ዝንከባኸብን ዘዐብዮም ዘይብሎም ህፃናት፣ ዓቕሞም ዝደኸሙ ወገናት፣ ኣረጋውያን፣ ጥዕና ዝሰኣኑ፣ ብድኽነትን ተፈናቒሎምን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ተሓሳቢ ብምግባር ክኸውን ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You