ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ተምሃራይ ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ክኸትት ትፅቢት ይግበር

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ መላእ ትግራይ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ተምሃራይ ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ክኸትት ትፅቢት ከምዝግበር ቢሮ ትክህርቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንኣፈፃፅማ መደባት ትምህርቲ 2016 ዓ.ም መበገሲ ብምግባር ንምዝገባ ተምሃሮን ምጅማር ትምህርቲ 2017 ዓ.ምን መሰረት ገይሩ 27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ንመራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበርዎ፤ ድሕሪ ውዕሊ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝመሓደሩ ከባብታት ብፕሮግራም ምክሕሓስ ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅመር ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ኣብ መላእ ትግራይ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ካብ 27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣትሒዙ ምዝገባ ተምሃሮ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ መላእ ትግራይ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ተምሃራይ ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ክኸትት ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትምህርቲ ትግራይ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሰብ ሃፍትን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ብምፅዋዕ፤ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ፣ መምህር ይኹን መላእ ማሕበረሰብ ትግራይ ኩሉ ተማሃራይን ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኪሮስ ተላብዮም።

ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ ስርዓተ ትምህርትን ካልኦትን ዝበፅሐ ኩለ መዳያዊ ዕንወትን ማሕሰይትን ብምፅዋር ንስነ ልቦናዊ ሕውየት ዝሕግዙ ስልጠናታት ብምሃብ ነቲ ክሳብ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘየለዉ ከባቢታት ሓዊሱ ኣብ መላእ ትግራይ ክልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ተምሃራይ ንምምዝጋብ ተተሊሙ ነይሩ ‘ዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ 2017 ዓ.ም ‘ውን ከም ትግራይ ነቶም ክሳብ ሐዚ ዘይተፈትሑ ፀገማት ብምፅዋር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ምቕፃል ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የብልናን ክብሉ ብምግላፅ፤ ካብዚ ብምብጋስ ምስ ሕውየትን ምልማዕ ሓይሊ ሰብን ተዛሚዱ ሞያዊ ዓቕሚ መምህራን ንምዕባይ ሰፋሕቲ ስልጠናታት ከምዝዋሃብ ገሊፆም።

ንዝጎደለ ሓይሊ ሰብ ካብ ምምላእ ጀሚሩ ምስ ዝውውር፣ ዕብየትን ጥቕማ ጥቕምን ብኣውርኡ ድማ ነቲ ዘይተኸፍለ ናይ 17 ኣዋርሕ መሃያ መምህራን ንምምላስ ኣብ 2017 ዓ.ም ትኹረት ገይርካ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You