መገዲታት መፍትሒ ጎንፂ

ሓተታ- ዜና

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንከይረጋገፅ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት በቢእዋኑ ጎንፅታት እናተልዓሉ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ሐዚ ‘ውን መብቅዒ ዘይተረኸቦ ጉዳይ ብምዃኑ ዘላቂ መፍትሒታት የድልዮ ‘ዩ። ንምዃኑ በቢእዋኑ ኣብዛ ሃገር ንዝለዓሉ ጎንፅታት መበገሲኦም እንታይ ‘ዩ? በኸመይ ኸ ደው ምባል ይክኣል ይኸውን?

በዓል ዋና ሚድያ ንጉሳት ኣባይን ኣብ ጉዳይ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያ ተሟጋቲ ዑስታዝ ጀማል በሽር፤ ብዙሕ ግዜ ኣብ እዋን ጎንፂ ህፃናት ግዳይ ናይቲ ጎነፂ ‘ዮም ይብሉ። ዕሸላት ህፃናት ንቀፃላይ ሰላማዊ ሂይወት ቁልፊ ግደ ዘለዎም ብሙዃኖም ሕድ ሕድ ቆለዓ ዕድል ትምህርቲ ንክህልዎ ምርግጋፅ ግቡእነት ሞራል ጥራሕ ዘይኮነስ ሜላ መንገዲ መፍትሒ ጎንፂ ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ብዙሓት ዝተረጋግኣ ሃገራት ትምህርቲ ሕጋዊ መስፈርቲ እንትኾን ወለዲ ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምልኣኸ እንተስኢኖም መንግስታት ኣብ ሞንጎ የኣትው ‘ዮም። ኢትዮጵያም ‘ውን ብተመሳሳሊ ስጉምቲ እንተወሲዳ ጎንፂ ንምቅናስ ይሕግዛ ‘ዩ ክብሉ የረድኡ።

ሕድሕድ ህፃን ንድፈ ሓሳብ ፍለጠት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሰላም፣ መክእኣልን ሓቢረካ ናይ ምንባር ፀጋታትን ዘምህር ትምህርቲ ንክረክብ ምግባር ይግባእ ዝብሉ ዑስታዝ ጀማል፤ ኩሎም ህፃናት ትምህርቲ ንክምሃሩ ብምግባር መንግስቲ ጎንፅታት ብህወከት ካብ ምፍታሕ ብዘተ ንምፍታሕ ዝሐሸ ብቅዓት ዘለዎ ወልዶ ንምፍራይ ክምዘኽእሎ ኣመላኺቶም።

እዚ ኣከያይዳ ዝተምሃረ ህዝቢ ብምፍራይ ዘላቅን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ንዕብየት እታ ሃገር ናይ ባዕሉ ግደ ንምብርካት ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ ይብሉ።ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንከይረጋገፅ ኣብ ብዝሕ ዝበሉ ከባቢታት ብቢእዋኑ ጎንፅታት ይለዓሉ ‘ዮም።

መበገሲ ናይዞም ጎንፅታት እንታይ ‘ዩ ንዝብል ሕቶ መብራህርሂ እንትህቡ ከምዝበለዎ፤ ናይ ኩሎም ጎንፅታት ምኽንያት ንነገራት ዘለዎ ክፍተት ምርዳእ ‘ዩ። ብሃይማኖት፣ ብኣካዳሚክ፣ ብዛዕባ ምትእትታው ወይ ሓቢርካ ብምንባር ኣብዘሎ ጉዳይን ካልኦት ምስፍልጠታት ዝተተሓሓዙ ዘለው ጉዳያት ዝፀቡሎም ኣከያይዳ ምድላይ ወሳኒ ‘ዩ። ኣብዚ እነተዘይተሰሪሑ ግና ጎንፅታት እናየበዝሑ ከኸዱ ይኽእሉ ‘ዮም ዝብል ሓሳብ አለዎም።

ካበዚ ወፃኢ ኾነ ተባሂሉ ጎንፅታት ዘበኣእሱን ጎንፂ ባዕሉ ዘምፅኡ ኣካላት ምህላዎም ዘልዕሉ ዑስታዝ ጀማል፤ ሓደሓደ ብዘተፈላለዩ ምኽንያታት መበገሲ እናገበሩ እንተኾኑ፤ ሓሳቦም ድማ ስልጣን ብምድላይ ሓፂር መንገዲ ንምጥቃም ክብሉ ኵናት ኣማራፂ ይገብሩ ኢሎም።

ከምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ዋና ዓላምኦም ስልጣን ምድላይ እንተኾውን፤ ብዕስለ ዝኽተልዎም ኣካላት ክምዝደለዩ ኣለዒሎም። ነዞም ኣካላት ‘ውን በብዙሕ መልከዕ የለዓዕልዎም። ካብዚ ውሽጢ እቲ ሓደ ድማ ምስ ታሪኽ ዝተሓሓዙ ዝተሰሓሓቱ ትርኽትታት እንትኾኑ፤ ናይ ቀደም ትርኽትታት ብምልዓል ቁስሎም ብምንኽኻእ ናይ ቀደም ዕዳ ሐዚ ንዘሎ ሕብረተሰብ ብምፅዓን ንጎንፂ ንክለዓዓሉ ይገብሩ ‘ዮም ይብሉ። ነዚ ዝጥቀሙሉ ብልሓት ብሄር መበገሲ ዝገበረ ተንኳሲ ሓሳብ ክምዝኾነ የብርሁ።

ምስ ስልጣን ተተሓሒዙ ‘ውን ፅልኢ ብምፅሓር ወይ ብጎንፅን ኵናትን እንተዘይኮይኑ ስልጣን ብሕጋዊ መንገዲ ምርካብ ክምዘይኽእሉ መንገዱ ዝተፀወ ብሙዃኑን ሰባት ከምዘየእምኑ ሓቢሮም። ብመረፃ ይኹን ብሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ንምትሓዝ ዓቅሚ ከምዘይበሎም ዝኣምኑ ሓደሓደ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ውግእ ብምኽፋት ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎነፂ ብምፍጣር ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ውሽጢ ከምዘላ ኣምሲሎም ብምረኣይ ንኻልኦት ናብ ጎንፂ ንክኣትው ናይ ኩሉ ግዘ ስርሖም ገይሮም ከምዝንቀሳቅሱ የረድኡ።

ሓደሓደ ብምፍላጥ ካልኦቶም ድማ ብዘይምፍላጥ ናብ ጎንፂ ዝኣትው ከምዘለው ዝዛረቡ ዑስታዝ ጀማል፤ ክልቲኦም ንምክልኻል ክፍተት ፍልጠት ንምምላእ ልዑል ስራሕ ከምዘድሊ ይገልፁ። በዚ ኣንፃር ስርዓት ትምህርቲ እታ ሃገር ሓዊሱ ምፍታሽ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

ስርዓት እቲ ትምህርቲ ብኹሉ ከባቢታት ተበፃሒ ምዃኑ ‘ውን ምምርማር ኣገዳሲ ‘ዩ ይብሉ። ትምህርቲ ዘይምሃሩ ህፃናት ፎትዮም ኾነ ከይፈተው ናብ ማእዲ ትምህርቲ ምእታው ክምዝግባእ ምሕሳብ ኣድላይ ‘ዩ። ነዚ ድማ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም መኺሮም።

ዑስታዝ ጀማል ከምዝብለዎ፤ ጎንፂ ዘሰጉሙን ዘብኣእሱን ኣካላት ንታሪኽ ሓዊሱ ዝጥቀሙሎም መሳርሕታት ዝረእዩሉ ኩነታት ብደንቢ ከስተኻኸሉ ምግባር ይግባእ። ነዚ ‘ውን ሰገናት ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሩ ዝቅረፅሉ ኸይዲ ትምህርቲ ዕሙቕ ብዝበለ ፅነዓት ክዳለው ያግባእ። ካብዚ ጎና ጎኒ መናእሰይ ምስልጣንን ምምሃርን ዝከኣልሉ ኩንታት ምምችቻው ይግባእ። ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ነቲ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ብዝገበረ መልክዕ ክዳለው ኣለዎም። ነዚ ድማ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ሰባትን ወሳኒ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም ‘ዮም ይብሉ።

ኣብ ኸይዲ ኣፈታትሓ ጎንፂ ዘትኾሩ ትምህርትታት እቲ ሕብረተሰብ ዝረኽበሉ መንገዲ ምሕሳብ ‘ውን ትፅቢት ዝግብሮ ስራሕ ከምዝኾነ ኣልዒሎም። ብፍላይ ብረት ኣልዒሎም ዝንቀሳቐሱን ጎንፂ ዝቅስቕሱን ኣብዝሓ ካብ ከተማ ውፅእ ኣብ ዝበሉ ከባቢታት ከምምዃኖም ኣብዚ ከባቢታት ኣብ ኹሉ ብርኪ ንዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ምስ ሰላም ዝተተሓሓዘ ትምህርትታት ክባፅሑ ይግባእ ኢሎም። ገበርቲ ሰናይ ሓዊሱ ኣብዚ ዙሪያ ዝሰርሑ ኣካላት ‘ውን እናተሰማረዩ ሕብረተሰብ ናይ ምንቓሕ ስራሕ ክስርሑ ምግባር ቅልጡፍ መፍትሒ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ወገን ዘለው ኣካላት ድማ እቲ ዝወሃቦም ትምህርቲ ክዕዘብዎ ኣልዎም ክብሉ ተዛሪቦም። ሓደ ሓደ ግዘ መበገሲ ጎነፂ ሃይማኖታት ምዃኖም ብምሕባር፤ ምስ መማህራን ሃይማኖት ብምዃን ዝተፈለየ ርክብ ብምግባር ኣብ ጉዳይ ሰላም ዘለዎም ኣረኣእያ ንክሪእዎ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ይገልፁ። በዚ ‘ውን ሰብከታት ፅልኢት ደው ንከብሉን ነዚ ዝግምግም ኣካይዳ በቢትካሉ ንክርኣይ ኣንፍት ዝቕመጠሉ ኩነታት ክህልው ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ጎነፂ በዘላቂነት ደው ንምባል ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ግልፅነት ብዝተመልኦ ኣካይዳታት ክፍፀሙ ከምዘለዎም ዑስታዝ ጃማል ይገልፁ። ኸይዲ ሕጊ ምኽባር ዓቕሚ ዝፈታተን ከይኸውን ብትምህርቲ ክሕገዝ ኣለዎ። ኣብ ኩሉ ጥፍኣታት ዘጥፍእ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ዑስታዝ ጀማል፤ ካብዚ ውሽጢ ድማ ሓደ መንግስቲ ምዃኑ ይሕብሩ።

መንግስቲ ሕጊ ብምውፃእ፣ ብምኽባርን ነቲ ሕብረተሰብ ብግቡእ ብምርዳእ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ይግባእ። ንእሽተይ ይኹን ዓብዪ ወንጀል እንትስራሕ እቲ ሕብረተሰብ ንክፈልጥን እቲ ዝተሰርሐ ወንጀል ‘ውን ዝምጥን ፍርዲ ምውሃቡ ዘፍልጡሉ ኩነታት ብሰፊሑ ምስራሕ ከምዘለዎም ‘ዮም የብርሁ።

ኣካቢ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይተ ደስታ ዲንቃ ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክሰፍን እቲ ቁልፉ ጉዳይ ለዓላውነት ሕጊ ምኽባር ‘ዩ ይብሉ። ለዓላውነት ሕጊ እንትኽበር ካብ ዜጋታት ጀምሩ ክሳብ ኣካላት መንግስቲ ዘለው ኩሉም ኣካላት ትሕቲ ሕጊ ሙዃኖም ክረጋገፅ ከሎ ምዃኑ ይሕብሩ።

ሕጊ ድማ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት፣ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዜጋታትን ዘሎ ርክብ ዝገዝእ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢ ትካላት መንግስቲ ዘለው ርክባት ዝገዝእ ሕገ መንግስታዊን ካልኦት ሕግታትን ምኽባር ዘካተተ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። በዚ ኣግባብ ኣብዛ ሃገር ዝግበር ርክብ ብሙሉኡ ብሕጊ ኣግባብ ከኸውን ከምዝግባእ ኣመላኺቶም። ኩሉ ናይ ሕጊ ተገዛኢ እንትኾን መብትን ግዴትኡን ይፈልጥ። ንሓንቲ ሃገር ምዕባለ፣ ንሰላምን ምርግጋዕን፣ ንርክባት ምስትኽኻልን ሰላማዊ ምዃንን ለዓላውንት ሕጊ ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣድላይነት ሰላም ብኹሉ ወገን ክርኣይ ከምዘለዎን እዚ ድማ ምክብባር መሠረት ዝገበረ ክኸውን ከምዘለዎ ኣልዒሎም። ንኣብነት ብፍላይ ውድባት ፖለቲካ ዝገብርዎም ውድድራት ኣብ ምትሐብባር ዘተኮረ ንሕንሕ ምግባር ከምዘለዎም ይመኽሩ። ዘመናዊ ናይ ዴሞክራሲ መርህታት ምኽባር፣ መሰል ሰብኣዊ ሕግታት ንምኽባር መስራሕ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ እዚ እንትኾን ድማ ጎንፅታት ይቕንሱ፤ ሰላም ይሰፍን ብምባል ይዛረቡ።

ዑስታዝ ጀማል፤ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ሓባራዊነት ዘማዕብሉ ጉዳያት ተሸርሺሮም እናጠፍኡ እንተኸይዶም ንኣበኣኣስቲ ጎንፂ ምችው ኩነታት ዝፈጥሩ ይኾኑ ‘ዮም። በዚ ‘ውን እቲ ነባር ርክባት ዓርሱ ብዓርሱ ዘርእዩ ክብርታት ብምሕያል ካሊእ ጎንፂ ደው መበሊ መንገዲ ክምዝኾነ ብምሕባር ፤ ኢትዮጵያውያን ዘማዕበልዎ ሓቢርካ ናይ ምንባር ፣ ናይ ምትሕስሳብ ፣ ናይ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ፅጋታት ብግቡእ ክጥቀሙሎምን ክዕቅብዎምን ከምዝግባእ መኺሮም።

ነዚ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ይኹን መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ብዝበለፀ ከራኽቡ ዝኽእሉ ኩነታት ምፍጣር ከምዘለዎ ኣረዲኦም። እቶም ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓታት ማሕበራዊነት ብዝቕይሩ መንገዲ ክኾኑ የብሎምን ክብሉ ሓሳቦም ይዛዝሙ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You