ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ መስኖ ናብ 12 ሚለዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ መስኖ 130 ኩንታል ካብ ሄክታር ብምርካብ ናብ ከባቢ 12 ሚለየን ኩነታል ምህርቲ ንምርካብ ከም ዘተተለመን መድረኻት ምልዕዓል መስኖ ከም ዝተጀመረን ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ መተሓባበሪ ዘፈር ዝራእቲን ሆርቲ ካልቸርን ምክትል ቢሮ ሓላፍን ኣይተ ኣበራ ከደነው ገሊፆም።

ኣይተ ኣበራ ከደነው ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ 2016 ዓ.ም ምስ መፍራይነት ተተሓሒዙ ብማእኸላይ ውፅኢት ካብ ሓደ ሄክታር ናብ 106 ኩንታል ብምርካብ ብድምር ናብ 9ሚልየን ኩነታል ተረኺቡ ነይሩ። ዝቕፅል ዓመት ድማ ናብ 130 ኩንታል ካብ ሄክታር ብምርካብ ናብ ከባቢ 12 ሚለየን ኩነታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ እናተሰርሐ ‘ዩ።

እቲ ቢሮ ነዚ ትልሚ ንምዕዋት 150 ሽሕ ኩንታል መዳበርያ፣ ልዕሊ 15 ሽሕ ምሩፅ ዘርኢ ንምጥቃም ይዳለው ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ኣበራ፤ ብተወሳኺ ናይ ክልልን ዞባን ኣመራርሓታትን ህዘቢን ዘሳተፈ ካብ ናይ ዓሚ ስራሕቲ መስኖ ብዝሐሸ መልክዑ ብዝተዋደደ ንምስራሕ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ምልዕዓል መስኖ ክካየድ ከምዝጅመረ ተዛሪቦም።

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፍላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብዝነበረ ድርቂ ተተሓሒዙ ካብ ክረምታዊ ሕርሻ ክረከብ ካብ ዝተተለመ 15 ሚልየን ፍርያት ናብ 5ሚልየን ብምትሓቱ ምኽንያት ነዚ ንምክሕሓስ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ኣብ ዝተገብረ ርብርብ ብኣንፃር እቲ ዝነበረ ድርቂ ዝሓሸ ሽፋን መስኖ ንክህልው ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ድማ ካብኡ ብዝሐሸ ንምፍፃም ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፂም።

ዓሚ ካብ ዝነበረ ፅቡቅ ምንቕስቓስ ስራሕቲ መስኖ ተሞከሮ ብምውሳድ፤ ሎሚ ዓመት ኣብ ትግራይ ፍልይ ዝበለ ሰፊሕ ናይ ማይ ዕድል ዝተረኸበሉ ክረምቲ ‘ውን ስለዝኾነ፤ እዚ ዕድል ብግቡእ ናብ ረብሓ መስኖ ንምውዓል ብእዋኑ ምድላዋት ንክግበር ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እታወታት መስኖ ከም ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዕን ፍልሲ ምፍላስን ዝበሉ ካብ ምድላው ጀሚሩ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት በዝሒ ውሕጅ ዘሎ ምስ ምዃኑ ናይ ካናላት ምስባርን ምብልሻውን ስለዝህልው ነዚ ንምትዕርራይ ‘ውን ብእዋኑ ናብ ስራሕ እነተዘይኣቲና ብዙሕ ውፂኢታዊ ስራሕ ክንስርሕ ስለ ዘይንኽእል ቀልጢፍና ናብ ስራሕ ብምአታው ፅቡቕ ዕድላት ክንፈጥር ኣለና ክብሉ ገሊፆም።

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ምስ ቢሮ ማይ ኢነርጅን ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃፍቲ ማይ ብምፅናዕ ዘሎ ማይ ፀንቂቕና ንምጥቓም ኣንፈት ክንኽተል ኣለና ብዝብል ሎሚ ዓመት ብፍሉይ ልዕሊ 13 ኣንፍታት ሒዝና ንንቅሳቐስ ኣለና ‘ውን ክብሉ ወሲኾም ኣብሪሆም።

ናይ ክረምቲ ሓዊሱ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ብመስኖ ንምልማዕ ትልሚ ከምዝተተሓዘ ዝሓበሩ ኣይተ ኣበራ፤ እዚ ንምዕዋት ድማ ብቅልጡፍ ናብ መስኖ ክነኣቲ ስለዘለና ናይ ምድላው ስራሕቲ ቀልጢፉ ንምጅማር ዝዓለመ መድረኻት ምልዕዓል ኣብ መላእ ትግራይ ከምዘተጀመረ ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You