ስርዓት ትምህርቲ ንሓድነት ሃገር ዘለዎ ኣበርክቶ

ትንታነ- ዜና

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መበል 33 ሃገርለኸ ናይ ትምህርቲ ጉባኤ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ትምህርቲ ሴክተር ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ዝስርሑ ስራሕቲ ፅሬት ዘለዎም ንምግባር ከምዝግባእ ኣልዒሎም ‘ዮም። እዚ ምግባር እንድሕር ተኻኢሉ መፃኢ ግዜ ምቕፃል ዘኽእሉ ወለዶ ምፍጣር ከምዝካኣል ኣብሪሆም።

ንምዃኑ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ተቐሪፆም ዝወፁ ተማሃሮ ዝሓሸ ኣመለካከት ንክህልዎም ሃገራዊ ሓድነት ዘየወላውል ቅዋም ንክህልዎም ስርዓት ትምህርቲ ዘለዎ ግደ ከሳብ ክንደይ ‘ዩ? ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ስነባህሪ ዲን ዝኾኑ ጣሰው መዝገቡ (ዶ/ር) ስርዓት ትምህርቲ እንትቅረፅ ብዋናነት ትኹረት ዝግበረሉ ሓቢርከ ምንባር ፣ ብዙሃንነት ምክታትን ሓድነት ንክህልዎም ምግባር ‘ዩ ይብሉ።

መልዓሊ ሓሳብ ስርዓት ትምህርቲ ካብ ፍልስፍናን ዘፈር ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ዝገልፁ ጣሰው(ዶ/ር) ሃገራዊ ስርዓት ትምህርቲ ብዋናነት ኣብ ባህሊ ህዝቢ ተሞርኪዙ ከምዝቕረፅ የልዕሉ። ስርዓት ትምህርቲ ፅልኢት ዘወገደ ሓቢርካ ምንባር ዘበረታትዕ ክኾን ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፤ ብዓለም ለኸ ብርኪ ዝፀደቐ ዕላማ ትምህርቲ ንምፍላጥ፤ ንምስራሕ ከምኡ ‘ውን ሓቢርካ ብምንባር ዝድግፍ ከምዝኾኑ የረድኡ።

ስርዓት ትምህርቲ እንትቕረፅ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሓሳባት ዘካተተ ክኾን ከምዝግባእ ናይቲ ስርዓት ሓሳብ ባዕሉ ሓቢሩ ምህላው፣ ሃገራዊ ሓድነት መሰረት ዝገበረ ክኾን ከምዝግባእ ይገልፁ። ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ውሽጢ ተምሃሮ ቋንቋ፣ ሓለዋ ኸባቢ፣ ስነ ምግባር እንትማሃሩ ኣብ ውሽጡ ሓባራወነት ሓሳብ ንክንፀባረቕ ክግበር ይግባእ ዝብል ጣሰው(ዶ/ር) ኣብዚ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ስርዓት ትምህርቲ ዘሎ ኣፈላላይ ብምሕዳግ ሃገራዊ ሓድነት ትኹረት ዝገብሮ ትሕዝቶ ክውሳኽ ኣለዎ ይብሉ።

ስነምግባር፣ ኸባቢ ሓለዋ ትምህርቲ ውሽጢ ሃገራዊ ረብሓታት ዘለዎምን ሓድነት ዘጠናኽሩ ትሕዝቶ ክውሰኹ ከምዘለዎም ድሕሪ ምግላፅ፤ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኣብ ህፃናት ዝተሰርሐን ኣብ ሓድነት ዘተኮረ ትምህርቲ፣ ረብሕኡ ድማ ሓድሽ ስርዓት ሃገራዊ ሓድነት ብዘረክብ መልክዑ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢሎም።

ከም ሃገር ምርድዳእ ዝፍጠረሉ ዝግባእ ጉዳይ ሃገር ናይ ኹላትና እያ ዝብሉ ጣሰው (ዶ/ር)፤ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ‘ውን ምፍልላይ እንተይኾነስ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ፅንሰሓሳብ ብምውሳኽ ክስራሕ ከምዘለዎ ይገልፁ። ከም ሃገር ትምህርቲ ብሰፊሕ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ክፍተት ፅሬት ከምዝተፈጠሩ ዝገልፁ ጣሰው(ዶ/ር)፤ ተምሃሮ ኣብ ከይዲ ትምህርቲ ምንባብ፣ ምፅሓፍን ምሕሳብ ፈሊጦም ንቕድሚት ኣብ ዝኸድሉ ኩነታት ክፍተት ከምዝነበሩ የረድኡ።

ቆልዑ ምንባብ፣ ምፅሓፍን ምሕሳብን እንድሕር ኺኢሎም ዝርደኦ ወለዶ ምፍጣር ከምዝካኣል ድሕሪ ምጥቃስ ፤ ዝርዳእ ወለዶ ምፍጣር እንድሕር ተኻኢሉ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ከይዲ ምምፃእ ይካኣል ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ኣብ ሓደ ሃገር ውሽጢ ሓድነት ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ውሽጢ ዓብይ ግደ ኣለዎ ዝብሉ ድማ ኣብ ወላይታ ሶዶ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ትምህርትን ስነባህርን ኮሌጅ ናይ ትምህርቲ ኣመራርሓ መምህር ደምሴ ዳለሎ(ዶ/ር) ‘ዮም።

ትምህርቲ ዓለምለኸ ትሕዝቶ ዘሎ ሀገር በቀልን ዓለምለኸ ፍልጠት ሳይንሳውን ርክባት ዘለዉዎ ከምዝኾነ ድሕሪ ምጥቃስ፤ ቴክኖሎጂን መፅናዕትን ተጠናኺሮም ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ተደራጅዮም ወለዶ ዝቅረፀሉ መሳርሒ ከምዝኾነ ይገልፁ። ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ዓለምለኸን ሃገራዊ ሓሳብ ኣጠዓዒምካ ምኻድ የድሊ፤ ስርዓት ትምህርቲ ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ ምምፃእ ዓብይ ግደ ይፃወት ‘ዩ ክብሉ የረድኡ።

ትምህርቲ ዝተምሃረ ፣ዝሰልጠነ ፣ኣእምርኡ ዝበልፀገ፣ ባዕሉን ምንነቱን፣ ኸባቢኡ፣ ኣህጉር ዓለምለኸ ኣካይዳ ዝፈልጥ ዜጋ ንምፍራይ ከምዘኽእል ድሕሪ ምጥቃስ፤ ብምኽንያት ዝውስን ፣ዝሓስብ ፣ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ እቲ ሓሳብ ንወለዶ እነስረፀሉ መሰረታዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ይገልፁ። ስርዓት ትምህርቲ ሃገራዊ ሓድነት ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ውሽጢ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎን ምሕሳብ ፣ምስልሳል ዝኽእል ወለዶ እንተነፍሪ ሃገራዊ ግደ ብፅቡቕ ይዋፃእ ‘ዩ ይብሉ።

ሕድሕድ ዜጋ ዓቕሙ ፣ፀግኡ ፣ኣብ ሃገሩ ዘሎ እጃም እንትፈልጥ ንሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ ግደ ዓብይ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ወለዶ ዓርሰ ፈታዊ ካብ ምዃን ኣመለኻኽታ ከውፅኡ ዝኽእል ትምህርቲ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ባዕልኻ ፣ ኸባቢኻ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ ምፍላጥን ካልኦትን ምኽባር፣ ሃገር በቀል ፍልጠት ምርዳእ፣ ዓለምለኸ ፍልጠት ምፍራይ ካብ ወለዶ ትፅቢት ከምዝግበር ድሕሪ ምግላፅ ካብ ውዝግብ ኣመላኻኽታ ዝወፀ ዜጋ ንምፍራይ ግደ ትምህርቲ ዓብይ ከምዝኾነ የረድኡ።

ስርዓት ትምህርቲ ንሃገራዊ ሓድነት ፣ንኢኮኖሚ ብልፅግና ግቡእ ግደ ንክፃወት ናይ መምህራን ስልጠና ጠንካራ ክኾን ይግባእ ክብሉ ደምሴ(ዶ/ር) ይገልፁ። ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ዝነበረ ጣልቃ ኣታውነት ፖለቲከኛታት ዝተመሓየሸ እንተኾነ ኸዚ ‘ውን ክእረም ከምዝግባእ፤ ትምህርቲ ብፍልጠት ብቻ ዝምራሕ ብምዃኑ ኣብ መሓውር ፍተሻ ብምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ንቕድሚት ምምፃእ ከምዘድሊ ይዛረቡ።

እቲ ሓዱሽ ትምህርትን ስልጠናን ስርዓተ ትምህርትን ኣወሃህባ ፈተና ምምሕያሽ እንድሕር ተኻኢሉ ትምህርቲ ንሃገራዊ ሓድነት ዘለዎ ግደ ምዕባይ ከምዝካኣል ድሕሪ ምግላፅ ፤ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ውሽጢ ተሓታትነት ክሰፍን ከምዝግባእ የመልክት።

ትርክት ድሕሪ ምእራሙ ወለዶ ብዘምህር መልክዑ ተቐሪፁ ናብ ታሕቲ ክወርድ ከምዝግባእ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቲ ወለዶ ታሪኽ ምፍላጥ፣ ምእራም ዘለዎ ስሕተት ምእራም ምምሃር የድሊ ይብሉ። ዓቕሚ ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ኣመራርሓ ብትኽክለኛ ቦታ ምቕማጥ ጠቓሚ ከምዝሖነ ድሕሪ ምግላፅ ብፖሊሲ ብርኪ ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ምዕባይ ከምዘድሊ ይመኽሩ። ኣብ መወዳእታ ሰርዓት ፅሬት ሃገራዊ ሓድነት ንከምፅእ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ግዲኦም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You