ትሕቲ 23 ዓመት ንሕንሕ ሴካፋ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብኢትጵያን ኤርትራን ብዝገበርኦ ግጥም ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ፀወታ 3ን 3 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ዝተዛዘመ እንትኸውን ንኢትዮጵያ ኣብ 12 ደቒቓ ዊልያም ሰለሞን ብዘቑፀራ ሽቶ ፣ ከምኡ ድማ ኣብ 43 ን 58 ን ደቒቓ ድማ ኣቡበከር ናስር ሽቶ እንተመዝግቡ ንኤርትራ ድማ ዓሊ ሱሌይማን ሰለስተ ሸቶ ብምምዝጋብ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
ብምቕፃል ድማ ኡጋንዳን ኮንጎን ኣብ ዝገበርዎ ንሕንሕ 0ን0 ብዝኾነ ውፅኢት እንትዛዘም ብተመሳሳሊ ኬንያን ጅቡቲን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ኬንያ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ክትስዕር ክኢላ እያ፤ በዚ መሰረት ድማ ኬንያ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ክኢላ እያ።ብተመሳሳሊ ድማ ብሩንዲ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ 3ን0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ እዩ።
ሓምለ 9 ንሴካፋ ተናሓናሕቲ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም እንግዶት ድራር ዝተዳለወ እንትኾን ኣብቲ ምድላው ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፣ ውሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ፣ ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ዶክተር ድረስ ሳህሉ ፣ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ፤ ብሄራዊ ኣዳላዊ ንሕንሕ ሴካፋ ኮሚቴ ሰብሳቢ ኣይተ ኣበበ ገላጋይ ከምኡ’ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም።
ናይቲ ፌደሬሽን ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣብቲ ምድላው ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪካ ዘለዎ ፅዕንቶ ኣዘኪሮም ተጋበዝቲ ሃገራት ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ፅቡቕ ፃንሒት ከምዝህልዎም ምስ ገለፁ፣ ኢትዮጵያ ብኩዕሶ እግሪ ጥራሕ እንይኾነስ ብኻልእ መገዲ’ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈለየ ባህሊ ዘለዋ፣ ታሪኽን ብጋሻ ኣቐባብልኣ ዝተመስገነት ከምዝኾነት ኣዘኪሮም እዮም። ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብቲ ንሕንሕ ንዝሳተፉ ሃገራት መዘኻኸሪ ህያብ ከምተውሃበ እቲ ፌደሬሽን ኣፍሊጡ እዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013