ኦሎምፒክ ቶኪዮ ስም ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኣደባባይ ዘፀውዕ ውፅኢት ተዳሊና ኣለና ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ስም ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኣደባበይ ንምፅዋዕ ውፅኢት ንምምምፃእ ተዳሊና ኢና ብምባል ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማደር ደራርቱ ቱሉ ገሊፃ።

ክጅመር ዓሰርተ ማዓልቲ ዝተረፎ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ንሕንሕ ኢትዮጵያ ብኣትሌቲክስ ፣ ብወርልድ ቴኳንዶ፣ብዋና ማይ ን ብስክሌት ተሳቲፋ እያ። ኣብ ኣትሌቲክስ 800ሜትሮ ክሳብ ማራቶን ብምውድዳር ውፅኢት ንምምዝጋብ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ገሊፃ።

ኣብቲ ውድድር ስም ኢትዮጵያ ዘፅውዕ ውፅኢት ንምምፃእ ኣትሌታት ናብቲ ከምዘጉዓዝ ተዛሪባ እያ።ኦሎምፒክ ቶኪዮ እንትንሓስብ ኣበበ ቢቂላ ኻልኣይ ሜዳልያ ወርቂ ንሃገሩ ዘምፀአሉ ስፍራ ብምኳኑ ንኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ንሕና እውን ነዚ ውድድር ዓበይቲ ጋሻ ኢና ኢላ።

ኣብዚ ታሪኻዊ ቦታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝወዳዳሩ ኣትሌታት እዚ ኽብሪ ዝምጥን ውፅኢት ንምምዝጋብ ዘኽእል ምድላው ምግባሮም ኮማንደር ደራርቱ ገሊፃ እያ። እቶም ኣትሌታት ብኮቪድ ምኽንያት ካብቲ ኦሎምፒክ ንከይስረዙ ኣድላይ ጥንቃቀ እናተገበረ ከምዝኾነ ወሲኻ ገሊፃ እያ።

ናይቲ ጉጅለ ናይ ኣሰልጠንቲ ኣተሓባባርን 10ሽሕን 5ሽሕን ሜትሮ ዋና ኣሰልጣኒ ኮማደር ሁሴን ሽቦ ኣብ ኣትሌቲክስ ስፖርት ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ጠንካራ ምድላው ምግባሮም ገሊፆም እዮም። ኣብቲ ኦሎምፒክ ተሳተፍቲ ኣትሌታት ካብ ካልኦት ዓመታት ብዝተፈለየ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሆቴል ብምእታው ልምምድ እናገበሩ ከምዝፀንሑ ኣዘኪሮም ፣እዚ ድማ ፅቡቕ ውፅኢት ንምምፃእ ዝሓሸ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኦሎም።

 ብማራቶን ኢትዮጵያ እትውክል ሮዛ ደረጀን 3ሽሕ መሰናኽል ዝወዳደር አትሌት ሃይለማርያም ኣማረ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንምውልብላብ ዘኽእል ሰፊሕ ምድላው ምግባሮም ተዛሪቦም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You