ጎንፂን ቅርሕንትን ህይወቱ፤ሰላም ድማ ሞቱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰብኣዊነት ዝተመስረተ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ወስኑ ሰራዊቱ ካብ መቐለ ኣውፂኡ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ውሳነ ብጁንታ ህወሓት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ጁንታ ህወሓት በመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ዘይተቐበለሉ መሰረታዊ ባህሪኡ ካብ ጎንፂ፣ፀገምን ቅርሕንትን ወፃኢ ምንባር ስለዘይኽእል እዩ። ሰላም እንተኾይኑ ዕድመኡ ስለዝሓፅር እዩ።

ሰላማዊ ኩነታት ንጁንታ ብህይወት ምንባር፣ ምውዳብን ምስፍሕፋሕ ምቹው ኣይኮንን ። ናይቲ ውድብ ባህሪ ኩል ግዜ ጎንፂ እዩ፣ ንዕኡ ዝመቸዎን መሕብኢኡ ጎንፅን ሁከትን እዩ። በዚ ምኸንያት ውሳነ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ኣይተቐበሎን።

መንግስቲ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ዘበለ፣ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ኣብ እዋን ኽራማት ንክሓርስ እዩ። ሎሚ ዘበን ተዘይሓሪሱ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ከቢድ ጥሜትን ፀበባን ክምፅእ ስለዝኽእል እዩ። እዚ እንተኾይኑ ድማ እቲ ክልል ኮነ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፀገም ክወድቑ እዮም። ስለዚ ተኲሲ ጠጠው ብምባል ካብ ፀገም ምውፃእ ይከኣል እዩ። ኮይኑ ግና ፀገም ተዘይሃልዩ ምንባር ዘይኽእል ጁንታ ንውሳነ መንግስቲ ክቕበሎ ኣይከኣለን።

ጁንታ ተኩሲ ጠጠው ምባል ዘይተቐበለሉ ካሊእ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ መቐለ እንትምለስ እቶም ሽማግለታት ኣመራርሓ እንትምልሱ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድማ ኣብ ዝወልዖ ኲናት ዳጉኒዎም ተወዲኦም እዮም። ስለዚ መቐለ ኮፍ እንትብል ሽማግለታት ከይሞቱ መናእሰይ ኣብ ኲናት ስለዝሞቱ ካብ ህዝቢ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክቐርብ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ህዝቢ ዝበልዖን ዝሰትዮን ስለዝደሊ ብሰላማዊ መገዲ ሕቶ ከቕርብ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ድማ ክምልስ ኣይኽእልን። ስለዚ እቲ ኲናት ክቕፅል ኣለዎ። ንቲ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ክቕበል ባህርኡ ኣይፈቕደሉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ዝወሰነ ጁንታ ክቕበሎ እዮ ግምት ሒዙ’ውን ኣይኮነን። ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኲሲ ጠጠው ንከብል ይውትውት’ውን ስለዝነበረ’ውን እዩ። እዚ በይናዊ ውሳነ ተኲሲ ጠጠው ምባል ስጉምቲ ብምውሳድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ሰናይ ደሌትን ሓሳብን ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ቦታን ኣርእዩ እዩ።

ከይኑ ግና ‹‹ድሙ ሞልኪሳ ኣመላ ኣይትርስዕን›› ከምዝባሃል እቲ ጁንታ መገዲ ሰላም ክዋሓጠሉ ኣይካኣልን። ኸዚ ኣብ ዘለዎ ቅዋም ብዘይ ጎንፂ ውዒሉ ክሓድር ኣይኽእልን። ህፃናትን መናእሰይን ብኣደንዛዚ እፅ እናደንዘዘ ናብ ኹናት እናእተዎም ይርከብ።

በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል መንግስቲ ንህዝቢ ክብል ዝኸፈሎ ዋጋ ብዘይተረደኦም ደካማታት ምኽንያት ውፅኢት ኣየምፀአን። እቲ ሐዚ’ውን ጁንታ ንህልውና ኢትዮጵያ ዋና ፀላኢ ከምዝኾነ’ውን እናመስከረ እዩ። እዚ ድማ መላእ ህዝብታት ብምትሕብባር ከፍሽልዎ ይግባእ። ብሓደ ወገን ሰብኣዊ ሓገዝ ብቅልጡፍ ንክበፅሕ ብምስራሕ ብኻልእ ወገን ድማ ናይ ውሽጥን ወፃእን ፀላእቲ ተናቢቦም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብምምካት ምፍሻል ይግባእ።

እቲ ጁንታ ኣብ በዓቲ ኣትዩ እንዳሃለዎ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ደገ ብዘለው ደገፍቱ ኣቢሉ ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ እዩ እናበለ እናጠርዐ ነይሩ። ንህዝቢ ክባሃል ኣብ ሰብኣዊነት ዝተመስረተ ተኹሲ ጠጠው ዘብል ውሳነ ብመንግስቲ ምስተወሰነ ድማ ኣጀንዳ ጥምየት ረሲዑ ነጋሪት ኲናት ይጉስም ኣሎ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ’ውን ብዛዕባ ሓገዝን ጥምየትን እናተዛረበ ምፅንሑ ረሲዑ፣እቲ ጁንታ ህፃናት እንተሰልፍን እኳ ስቕታ መሪፁ ኣሎ። ኮሪደራት መእተዊ ረድኤት ናይ ጎንፂ ቦታታት እንትገብሮም ትካላት ረድኤት ኸዚ’ውን ንመንግስቲ እዮም ዝወቕሱ ዘለዉ።

ጁንታን መዳርግቱን ዘለዎም ዓቕሚ ሓሶት ምፍጣር ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ናይ ወፃእን ውሽጥን ፀላኢታት ፕሮፖጋንዳ ኣዋዲዶም ህዝቢ ንምክፍፋል እናሰርሑ እዮም ። ህዝቢ ድማ ከም ቐደሙ ከም

 ሓደ ሰራዊት ኾይኑ ንህልውና ሃገር ጠጠው በምባል፣ንሰራዊት ምክልኻል ብኹሉ ነገር ብምድጋፍ ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ናይ ውሽጥን ትንኮሳ ክምክትን ከፍሽልን ይግባእ።

ብመሰረቱ ሰራዊት ካብ መቐለ እንትወፅእ እቲ ሰራዊት ኣበይ ኮይኑ ክውደብ ከምዘለዎ፣ትንኮሳ እንተጋጢሙ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዝኽእለሉ ቦታ ኮፍ ንክብል እዩ ምንቅስቃስ ዝተተመጀረ። ኣብ ወታደራዊ ምንቅስቃስ ድማ ንቲ ዋና ምንቅስቃስ ዝህውክ ነገር እንተሃሊዩ በቲ ሓለዋ ንምክልኻል ሓለዋ ይግባር እዩ፣ ኣባላት ሰራዊት መን ኣበይ ክኾን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኩነታት እንዳሃለው፣ ናይ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ውሳነ መንግስቲ ወስኑ እንደሃለወ እቲ ጁንታን ናይቲ ጁንታ ደጋዊ ሓይሊ ማለት’ውን ገዛእቶም ንዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም በዝተፈላላየ መገዲ ትንኮሳታት ብምክያድ ንሓለዋን ንሳተላይትን ኣብ ዝተቐመጡ ኣሃዱታትን ናይ ክልል ናይ ፀጥታ ሓይልታት ምጥቃዕ ከም ሓደ ምችው አጋጣሚ ተጠቒሞም እናሰርሐ ይርከቡ።

በዚ መሰረት ኣብ ቐረብ እዋን ኣብ ራያ (ኮረምን ኣላማጣን ቀደም’ን ሰራዊት ኣይነበረን) ኮይኑ ግና ኣነእሽተይ ሓይልታትን ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ፀጥታ ኣብ ዝምችው ቦታ እንዳተቐመጡ እንዳሃለው እቲ ጁንታን ንዚ ኣጋጠሚ በምጥቃም ንዚ ሓይሊ ኣጥቒዑ ንምድምሳስ ፈተና ገይሩ እዩ።

ጁንታ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑት ንዅናት እናመልመለን እናዋፈረን ይርከብ። እዚኦም እዮም ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምስቲ ከባቢ ሓይልታት ፀጥታን ንክዋግኡ ዘዝመትዎም። እዚ ዘርእየና እዚ ሓይሊ ሰላም ዘይደልን ሰላም እንተሃልዩ ህይወት ዘይህልዎን ምዃኑ እዩ። ብዘይ ጎንፂ ዘይነብር ምዃኑ እዩ።

መንግስቲ መቐለ ለቒቑ ዝወፅአ ንህዝቢ ዕረፍቲን ሰላምን ዕድል ንምሃብ’ምበር እቲ ኸባቢ ናብ ጎንፂ ቀጠና ንምቕያር ኣይነበረን። መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝበፅሐ ጉድኣት ዓቢይ እዩ። መንግስቲ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ዝወሰነ ተወሳኺ ኪሳራ፣ ጉድኣትን ህልቂትን ህዝቢ ንምትራፍ እዩ። ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ከምኡ’ውን ኣብ ሉኣላውነት ሃገር ዘንፀላለዉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ዘእተወን ተተሓሓዝነት ዘለዎም ምኽንያታትን ተሓሰብቲ ዝገበረ ‘ውን እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እናሃለወ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሃብቲ ትካላት ‹‹ኣይተዓጅቡና ኣይትከተሉና ንሕና ብዝተመቸወና መገዲ በይንና ተንቀሳቒስና ሓገዝ ክነብፅሕ ኢና›› ይብሉ ስለዝነበሩ ንዚ ዕድል ንምሃብ’ውን እዩ። ፍተሻ ዝግበረሎም ኬላታት ይለዓሉልና፣ ብፍተሸ ዝተኣጓጎል ሰዓት ኣየሃሉን፣ናፃ ገይርኩም ልቐቑና ብዝብል ድፍኢት እናገበሩ ንዝነበሩ ኣካላት መልሲ ዝሃበ’ውን እዩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግና በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንጎኒ ብምባል መፍረስቲ ተግባራት እናካየደ እዩ። ብገበን ኲናት ዓለም ዘሕትቶ ንህፃናት ናብ ውትድርና ናይ ምእታው ተግባር ዓለም ለኸ ትካላት ብኣወንታ ምርኣየን ተቐባልነት የብሉን። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቲ ተግባር ብፅኑዕ ኽኹንኖ ይግባእ እንተነበረኳ ብተግባር ግን ኣይተረአየን።

ትካላት ረድኤት’ውን መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እናቕረቡዎም ዝነበሩ ግቡኣት ዘይኮኑ ክሲታት ሕዚ’ውን ቐፂሎምሉ ኣለው። ናይ ወፃኢ ሃገራት ይኹኑ ብሽም ረድኤት ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ዘእትዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። እዚኦም ናብ ጎንፅን ቅርሕንትን ወፃኢ ምንባር ንዘይኽእል ጁንታ ምችው ኩነታት ዝፈጥሩ ከምዝኾኑ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ጁንታ’ውን ጎንፂ እንተዘይሃልዩ ክነብር ኣይኽእልን። ሰላም እንተኾይኑ ዕድሜኡ ክሓፅር እዩ። ስለዚ ንዚ ኣብ ግምት ብምእታው ህዝብን መንግስትን ብሓድነትን ብሕብረትን ሃገር ናይ ምድሓን ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ። ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶ ክምክቱ ኣለዎም።

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You