ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕል ዓወት

 ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቕራፍ ዘኽእላ እቲ ዓብዪ ግድብ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምህናፅ ካብ እትጅምር ዓመታት ተቖፂሮም እዮም። ኣብዞም ዓመታት እቲ ሩባ ንዝጥቀሙ ታሕተወት ተፋሰስ ሃገራት ኣድላዪ መረዳእታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዝኾነት ብተግባር እናገለፀት መፂያ እያ። ኢትዮጵያ ግብፅን ሱዳንን ኣብ 2015 ኣ.ፈ ብመሰረት ዝፈረምኦ ስምምዕ፤ ኣብ ቐረባ ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ እቲ ስራሕ ምስ ኽረምቲ ተተሓሒዙ ተፈጥራዊ ብዝኾነ መገዲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ነተን ሃገራት ብደብዳበ ምፍላጣ ዝዝከር እዩ።

ዘተ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ሳልሳይ ወገን ኢድ ንኸእቱ ንዓመታት ድፍኢት እናገበራ ዝነበራ ግብፅን ሱዳንን እስካዕ ሐዚ ዝገበርኦ ፃዕርታት ከንቱ ተሪፉ እዩ። ኽልቲአን ሃገራት ካብ ቐረባ እዋን ካብዚ ብዝተፈለየ መልክዑ ጥምረት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውዲት እናፍሓሳ ፀኒሐን እየን። ኻልኣይ ምልኢት ግድብ ህዳሰ እንትቃረብ ድማ እቲ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ንምግባር ዘይፈንቀልኦ እምኒ ኣይነበረን። እዘን ሃገራት ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ደብዳበ ምእታወን ስዒቡ እቲ ቤት ምኽሪ 1 ሓምለ 2013 ዓ/ም ኣኼባ ኣካይዱ እዩ። ቕድሚ እቲ ኣኼባ ናይቲ እዋን ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኣምባሳደር ኒኮላስ ዶ ሪቨየር እቲ ዘተ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ምቕራብ ዝሓለፈ ኣፍቲ ጉዳይ ግብፅን ሱዳንን ብዝተፈለየ ዝጠቅም ውሳነ ይኹን ሓሳብ ክቐርብ ከምዘይኽእል ቕድሚ ሰሙን ሓቢሮም ነይሮም።

መቐመጢኡ ኣብ ግብፂ ካይሮ ዝገበረ ዋና ፀሓፊ ዓረብ ሊግ ግብፃዊ ኣሕመድ ኣቡውል ጌይት ፤ኣባል ናይቲ ሊግን ብትካል ሕቡራት መንግስታን ተለዋጢ መቐመጢ ንዘለዋ ኣፍሪካዊት ሃገር ቱንዚያ፤መቕረባይነት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘተ ምግባር ዘኽእል ኣሳሪ ስምምዕነት ረቒቕ ሰነድ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ዘቕረቡ እንተኾነ ‘ውን ትኹረት ኣይተውሃቦን።

ኣፍቲ መድረኽ ሚኒስትራት ሰለስቲአን ሃገራት ዘተ ዝገበሩ እንትኸውን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ ሳሚ ሹክሪ ‹‹ቕድም ክብል ኣብ ዝገበርናዮም ዘተታት ብዘይምስምማዕና ኣድላዪ ዝበሃል ስጉምቲ ብምውሳድ ውፂኢታዊ ዘተ ክንገብርን ሓባራዊ ጥቕምታትና ንኽሕለዉ እቲ ቤት ምኽሪ ይሕግዘና እዩ ኢልና ብምእማን መፂና ኣለና››ክብሉ ተዛሪቦም። ናይ ሱዳን ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር መሪያም ኣልማህዲም ‹‹ቤት ምኽሪ ፀጥታ እቲ ጉዳይ ብሱቕታ እንተሰጊርዎ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ብውልቃ ክትመልእ ተሰማሚዑ ኣሎ ማለት እዩ››ክብሉ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣፍቲ ጉዳይ ዘተ ዝገበሩ ሚኒስቴር ማይን መስኖን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጀነር ስለሺ በቀለ መደረኦም ዝጀመሩ ሓላፍነት ናይቲ ቤት ምኽሪ ብምዝኽኻር እዩ። በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣኼባ ምፅዋዕ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኽቡር ግዘ ምብኻን እዩ ኢላ ኢትዮጵያ ከምእትኣምን ብምግላፅ፤ኣብ ታሪኽ ዝተረኸቡ ብሕታዊ ሚኒስቴር ማይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም።እቲ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ፀጥታን ፖለቲካን ጥራሕ ንኽርእይን ፍታሕ ንኽህብን ዝተመስረተ ከምዝኾነን ብምግላፅ ኣብ ጉዳይ ማይ ንምምኽኻር ኣኼባ ምፅዋዕ ልክዕ ከምዘይኮነ ኢትዮጵያ ከምዘይትኣምንን ተዛሪቦም። እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብምውፃእ ድንበር ተሳገርቲ ሩባታት ብዝምልከት ዘይምርድዳኣት ዝልዓል እንተኾይኑ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተመሳሰልቲ ጉዳያት ሒዞም ምምፅኦም ዘይተርፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኽልቲአን ሃገራት ካፍቲ ሩባ ማእኸላይን ዓበይን ግድባት ሃኒፀን እናሃለዋ፤ኢትዮጵያ ብዘይፈረመቶም ዝፀንሑ ናይ ባዕዳውያን ስምምዓት መንቀሊ ብምግባር፤ነቲ ተፋሰስ እተበርክቶ ኣስተዋፅኦ ማይ ኣብ ውሽጢ ግምት ብዘይምእታው ብሃፍቲ ማያ ንኸይትጥቀም እናኸልኸልዋ ከምዝፀንሑን ኣልዒሎም።‹‹እቲ ግድብ ብደምን ረሃፅን ኢትዮጵያውያን እናተሃነፀ ከም ዘሎ ዓለም ክፈልጠልና ንደልይ ኢና››ብምባል ‹‹እቲ ጉዳይ ናይ ኣፍሪካ ብምዃኑ ፍታሕ ድማ ብኣፍሪካ እዩ››ክብሉ ቕዋም ኣፍሪካ ኣረዲኦም። ኣባላትት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ‘ውን ቕዋም ኢትዮጵያ ብምድጋፍ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪካ ንኽርኣይ ደገፎም ገሊፆም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣሜሪካ፤ ሩስያ፣ ቻይና፣ ኣየርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ሜኪሰኮ፣ ተወከልቲ ህንድን ኬንያን እቲ ዘተ ሓበራዊ ተጠቃምነት ብዘኽበረ መልክዑ ብኣፍሪካ ሕብረት ኣዛታይነት ንኽቕፅል ድሌት ከምዘለዎም ብምግላፅ ርኢቶኦም ሂቦም።

ተወካሊ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ግሪንፊልድ ነቲ ጉዳይ ትኽክለኛ ፍታሕ ክህብ ዝኽእል ኣካል ሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ ከምዝኾነ ንቤት ምኽሪ ገሊፀን። ሩስያ ድማ ብወገና ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ዘተ ምክያዱ እቲ ዝድለይ ፍታሕ ክርከብ እዩ ኢላ ከምዘይትኣምን ብኣምባሳደር ቫሲሊ ኔቤንዚያም ገይራ ገሊፃ። ‹‹ጎንፅታት ዝቕስቕሱን ሓይሊ ናይ ምጥቃም መማረፂ ዘበረታትዑ ዘረባታት ፈፂሞም ተቐባልነት ዘይብሎም እዮም››ክብሉ ገሊፆም።

ተወካሊ ቬትናም ዲንግ ዲህ ኩይ ብወገኖም ሕብረት ኣፍሪካ እናገበሮም ዝነበሩ ዘተታት ክቕፅሉ ከምዝግባእን እቶም ሃገራት ድማ ሰላማዊ ፍታሕ ክናድዩ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ ንቻይና ወኪሎም ኣፍቲ ኣኼባ ዝተዓደሙ ዠሃንግ ጁን ሕብረት ኣፍሪካ ፀገማቱ ንምፍታሕ ዝተጉዓዞ መገዲ ምስጋና ከምዝግበኦ ብምግላፅ፤ሰለስቲአን ሃገራት ዘተታት መፍትሒ ፀገም ክጥቀማ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምርኣዩ፤ኢትዮጵያ እናኸደትሉ ዝነበረት ቕዋም ትኽክልን ዘእምንን ኾይኑ ስለዝተረኸበ ሰለስቲአን ሃገራት ዘተኦም ብወገን ሕብረት ኣፍሪካ ንኽገብራ ምኽሪ ሂቡ ከምዝነበረ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ምስ ዝነበረት ዘየወላድእ ፅኑዕ ቕዋም ውፅኢት ዘለዎ እዩ ዓወት’ውን እዩ።

እቲ ዓወት ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካውያን ‘ውን እዩ። እዚ ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ዓወት ሙሉእ ዝኸውንን ህዝቢ ድማ ክኾርዕ ዝኽእልን ፕሮጀክት ናይቲ ግድብ ሙሉእ ንሙሉእ ተዛዚሙ ንግልጋሎት እንትበቅዕ ብምዃኑ እቲ ናይ ሐዚ ዓወት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብ ወፃኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዜጋ ሐዚ’ውን ቕድም ክብል እናገበሮ ከም ዝፀንሐ ብሓድነት ጠጠው ብምባልን ኣድላዪ ድጋፍ ብምግባር ናፍቲ ዋና ዓወት ንኽበቅዕ ክረባረብ ኣለዎ። ሰላም!(ፍልፍል፤ግዜኢ)

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You