ኣሸንዳ-ንሰላምን ቱሪዝምን

ዜና ትንታነ

ባህላዊ ልምድታትን ፀጋታትን ሓደ ሕብረተሰብ ካብቲ ዘበርክትዎ ቁሳዊን ስነ-ቓለዉን ሃፍቲ ብተወሳኺ ናይቲ ዝውንኖም ሕብረተሰብ መነባብሮ፤ ስነምግባርን መስተጋብርን ብሓፈሻ ድማ ፍልስፍና-ሂወት መመላኸትቲ ‘ዮም።

ኣሸንዳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኽራማት ካብ 16-23 ነሓሰ ብባህላዊ ናውቲ ፅባቐ ዝተመላኽዓ ጎራዙን ህፃውንቲ ደቂ ኣንስትዮ ብነፃነት እናደረፋ፣እናጎየላ፣ እናሳዕስዓ፣ እናሞጎሳን ሂስ እናሃባን ዘሕልፍኦ ባህላዊ በዓል ‘ዩ። ኣሸንዳ ንደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ ? ከምኡ ድማ ኣብ ቱሪዝም ዓዲ ዘለዎ ግደ እንታይ ይመስል ?

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምህር ቋንቋን ስነፅሑፍን መሰረት ኣለማየሁ ኣሸንዳን ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም ጥምረት እንትገልፃ ፤ ኣሸንዳ ብደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ደናግል ዝኽበር ናይ ኣደባባይ ባዓል እንትኸውን ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ንስለስተ ማዓልትታት ኣብ ኸባቢ ገጠራት ድማ ንሸውዓተ ማዓልትታት ኣሸንዳ ከምዝኽበር ይዛረባ፡፡

ብነፃነት ደቂ ኣንስትዮ ዝፃወታሉ፤ ማሕበረሰባዊ ሂስ ዝህባሉ፣ ክውገዝ ዘለዎ ዘውግዛሉ ዕድል ዝተውሃበን ማዓልቲ እንትትኾን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዓመት ተፀብያ ወቂባ ፀቢቓ እትውዕለሉ ግዜ ‘ዩ ይብላ፡፡ በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ‘ዩ ባህላዊ ‘ዩ ዝብሉ ዝተፈላለየ ምሁራን እኳ እንተሃለወ ዘይሩ ዘይሩ ግና ባህላውነቱ ጎሊሁ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ እናረእና ኢና፡ ፡

እዚ ባህላዊ ባዓል እዚ ዘይተበረዘ ባህሊ ሒዙ ዝመፀ ባህላዊ ፀወታ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ግዜ ብዘመናዊነት፣ ብኣነባብራ ለውጢ ተበሪዞም ባህላውነቶም ሓልዮም ዘይኽበረሎም ኣጋጣምታት ንርኢ ኢና፡፡ በዓል ኣሸንዳ ግን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ጀሚሩ ካብ ዝኽደነኦ ኽዳን ናይቲ ኸባቢ ኢደ ጥበብ ውፅኢት ስለዝኾነ ባህላዊ ካብ ዘብሎም እቲ ሓደ እዚ ‘ዩ ክብላ የብርሃ፡፡ ትኽክለኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ክረአ ካብ ዝግበሩ ባህላዊ ባዓል ‘ዩ፡ ፡

ኣብቲ ግዜ ዝድረፉ ግጥምታትን ዜማታትን ዝገልፀሉ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ትርጉም ዝሓዘ ‘ዩ፡፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ማሕበረሰባዊ ሂስ ምሃብ ፣ዝድነቕ ንምድናቕ ፣ዝኽበር ምኽባር፣ ክስተኻኸል ዘለዎ ነገር ድማ ንክስተኻኸል ናይ ምግላፅ ዕድልን ነፃነትን ንደቂ ኣሸንዳ ተዋሂብወን ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ዘቕርባሉ መገዲ ዝተፈላለየ ክዋነታት እናደረፋ እናዘለላ ዘቕርብኦ ስለዝኾነን ሳሓቢነቱ ልዕሉ ‘ዩ፡፡

ከም ገለፃ እተን መምህር ፤ ምስ በዓል ኣሸንዳ ተደሓሒዙ ዝላዓል እቲ ዋና ነገር ነፃነት ‘ዩ ይብላ፤ ግና ነፃነት ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ምንታይ እዩ ? ዝብል ምርኣይ የድሊ፡፡ ነፃነት እንትባሃል ገደቡ ዝሓለወ ‘ዩ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ሰሜን ባህሊ ናይ ምጥባቕ ኣተዓባብያ ስለዘለና ነፃነትና ዝተገደበ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡

ጓል ኣንስተይቲ ናብ ደገ ኣይትወፅእን ፣ብዙሕ ቦታ ኣይትረአይን ኣብ ጓዳ ምስ ኣዲኣ ስራሕ ብምሕጋዝ ‘ያ እተሕልፎ፡፡ ኣብ ባዓል ኣሸንዳ ግን ካብ ስራሕ ነፃ ‘ያ፤ ስራሕ ስርሒ እትብላ ኣዶ የላን፡፡ ንጓላ ኮሓሒላ ኣፀባቢቓ ንክትፃወት እትፈቐደላ ግዜ ስለዝኾነ በዚ መልክዑ እዩ ነፃነት ተባሂሉ ዝግለፅ፡፡

ኣብ ቀረባ እናረእናዮ ዘለና ግና ኣብ ሓደ ቦታ ሰብሲብካ ብባንዲ ምኽባር ፣መስተ ምስታይ ፣ባዕልኻ ዘይምሕላው ከምዘለዉ ይዝረቡ፡፡ እዚ ነገር ክውገዝ ዘለዎን እዚ ባህሊ በዚ መልክዑ ዝመፀ ኣይኮነን፡፡ ካብ ባህሊ ወፃኢ ‘ዩ፡፡ ማሕበረሰብ ዘለዉዎ ፅቡቑዓት ዝኾኑ እሴታት ዘውርዱ ስለዝኾኑ ትኹረት ተገይርሎም እቲ ትኽክለኛ ባህሊ ተሓልዩ ክግለፅ ኣለዎ ፡፡

ምስ ቱሪዝም ተደሓሒዙ ዘለዎ ረብሓ መምህር መሰረት ኣለማየሁ እንትገልፃ፤ እዚ ባዓል ንቱሪዝም ዓብይ መስሕብ ዘለዎ ባዓል ‘ዩ፤ ወፃእቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ዕድል ዝህብን ምችው ዝባሃል ኣጋጣምን ‘ዩ፡፡ ምስ እዚ ተደሓሒዙ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት ፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ተጠቒመን ዘብዕለኦ ስለዝኾነ እዚ ድማ ነቲ ኣምረቲ ዝኾኑ ኣካላት ዓብይ እውን ኣታዊ ‘ዩ፡፡

እቶም ዑደት ዝገብሩ ዝመፁ ኣጋይሽ ኣሸንዳ ጥራሕ ሪኦም የኾኑይ ዝኸዱ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ዝምልከትሉ ዕደል ዘለዎ ‘ዩ፡፡ ወፃእቲ ዓዲ እንትመፁ ካብ ዝምልከተዎምን ዝሰሓብሎምን እቲ ሓደ ሃገረሰባዊ ኢደ ጥበብ እቲ ዋና ‘ዩ፡፡ ስለዚ ብጥንቃቐ ትኹረት ተገይርሉ ‘ዩ ክረአ ዝግባእ ይብላ፡፡

ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ክፍለከተማ ሓላፊት ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ብወገነን፤ በዓል አሸንዳ አብ ከባቢ ሰሜን ኢትዮጽያ ካብ ኸባቢ ክልል አምሓራ ጀሚሩ አብ መላእ ትግራይን ኤርትራን ዝሽፍን ብደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ኽዳንን ዜማን ዝፍለጥ ኮይኑ ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ ሻደይ ሶለልን ማርያን እናተብሃለ ከምዝፍለጥ ይዛረባ ።

ደቂ አሸንዳ በዚሐን ፀቢቐንን ወቂበንን ናይ እንኳዕ አብፀሐኩም ባህላዊ ዜመአን ዘቕርባሉ ካብ ዝተፈላለየ መሕበረሰብ ተውፃእፂአን ሓቢረን ደስተአን ዝገልፃሉ አሸንዳ ናበላ ዝኣከበኦ ገንዘብ ሒዘን ናብ ዝተመፃበዖዖን ዝአምኖኦ አምላኸን (ቤተ-ክርስትያን) ሒዘን ብምኻድ ምስጋነአን ዘብፅሓሉን ውዳሴአን ዝውድሳሉን ዝተኸበረ ሃይማኖታዊ ባህላውን ‘ዩ ።

ከም ገለፃ ወይዘሮ ኣበባ፤ አብ በዓል አሸንዳ ‹‹ንፃወትን’ዶ ንተሓዋወስየ ዘመን ክምለስየ›› እናበላ ባህላዊ ዜመአን ይፃወታ እዚ ማለት ድማ ብሓደ ተተሓዋዊስና ተተሰማሚዕና ካብ በዓል ሓቢርና ምብዓል ዝዘለለ ሰላማውን መሕበራውን ምትእስሳር ክህልወና እዩ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ብባህላዊ ዜመአን ይወዳደሳ። እዚ በዓል ደቂ-አነስትዮ ታሪካዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ትውፊቱ ዝሓለወ ትሕዝቶ ዘለዎ ንዘመናት ዘሻግርን ብፍላይ አብዚ ዘለናዮ ግዜ ንሃገርና ብመልክዕ ቱሪዝም ምስዓለም ነላልየሉ ዓብይን ምልኩዕን ባህልና ‘ዩ ክብላ የብርሃ።

ኣሸንዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ድማ ከከም ከባቢኦምን ኣብ ዝጥዕሞም እንተኽብርዎ ይረአ ‘ዩ ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ባህሊ ኣሸንዳ እንተብዕላን ተፈላጥነቱ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይርከብ ፡፡ እዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ከተማ ዴንቨር ኣሸንዳ ዓመታዊ ክብረ ባዓል ኮሎራዶ ኾይኑ ክባዓል ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ይርከብ፡፡ እዚ ድማ በዓል ኣሸንዳ ንቀፃሊ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝግበር ፃፅሪ ዘበረታትዕ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You