ስነ ቃል ፃሕያይ ባህሊ ምትሕግጋዝ ወፈራን ልፍንትን

ስነ ቃል ኣብቲ ሕብረተሰብ ውሽጢ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ዝገልፅ ኮይኑ፤ ብሓፈሻ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ፣ ኣመላኻኽታ፣ ኣብ ዓርሱ ብዓርሱ ዘሎ ርክባትን ዝግልፀሉ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ናይቲ ማሕበረሰብ መግለፂ ማንነት ዝኾኑ ከም ነበረያ ነብረ፣ ምሳለታት፣ ሕንቅሕንቅሊተይ፣ ኣዝግነኒን ግጥምታት ማሰን መልቅስን ዝኣምሰሉ ታሪኽ፣ ባህልን ልምድን ካብ ምዕቃብ ብተወሳኺ፤ እንዳዘናግዑ ታሪኽ ባህልን ያታን ካልኦት ጠቀምቲ ልምድታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገረሉ መንገዲን ብልሓትን ኮይኑ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሃፍቲ ‘ዩ ይብሉ ናይቲ ዓውዲ ሙሁራት።

ስነ ቃል ኣብ ጥቅሚ ካብ ዝውዕለሎም ሓደ ኣብ እዋን ክረምቲ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እንሪኦ እዋን ፃህያይ ‘ዩ። ሓረስታይ ትግራይ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ብብዙሕ ስራሕ ዝፅመደሉ ‘ዩ። ክረምቲ ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ዓይነትን መሬቱ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ መሬት ዝስማዕማዕ ዘርኢ ሆኒ ኢሉ “ይዘርእ ኣለኹ ደበናይ እናመዐደኹ” እናበለ ይዘርእ። ካብ ፍርቂ ሓምለ ክሳብ ፍርቂ መስከረም ኣቢሉ ኣብዘለሉ እዋን ድማ ፃህያይ፣ ኮስኳስን ዝካየደሉ እዋን ብሙዃኑ ነዚ ዝስማዕማዕ ትሕዘቶ ስነ ቃላት ‘ዩ ዝጥቀም።

ፀሃያይ ብውልቀ ወይ ከዓ ብሕብረት ዝስራሕ ኮይኑ ብፍላይ ብልፍንቲ ወይ ወፈራ ብሕብረት ዝስርሑ ዓይነት ስራሕ ኮይኖም ካብ ወልዶ ናብ ውልዶ ናትስጋገሩ ዘመፅኡ ባህሊ ስራሕ ‘ዮም። እዚ ባህላዊ ስራሕቲ ወፈራን ልፍንትን ፃህያይ ዝስራሕ ኮይኑ ሰሓቢ፣ ሰሌጠን ስራሕ፣ ምዝንጋዕን ፅቡቅ ማሕበራዊ ርክባትን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ዘጠናኽር ኸይዲ ስራሕ ‘ዩ። ኣብዚ ዝግበር ፃህያይ ሰሓብነት ዝህልዎሉ ምኽንያት በዝሒ ሰብ ዝሳተፈሉ ብምዃኑን እቲ ሰብ በቲ ስራሕ ከየተሰላቸወ እናተዘናግዐ ነቲ ስራሕ ንምቅልጣፍ ልዑል ግደ ዝፃወቱ ዝተፈላልዩ ኣብ ፃሕያይ እዋን ዝድረፉ ባህላዊ ደርፍታት ስነቃላትን ስለዝጥቀም ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ፃሕያይ ዝድረፉ ደርፍታት ስነቃላት ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካሊእ ከባቢ ዝፈላለዩ ከኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ኣብዚ ግና ከም ኣብነት ስነቅላት ፅሕያይ ብዝብል ኣብ 2012 ዓ.ም ብድምፂ ወያነ ቀሪቦም ዝነበሩን ሐዚ ‘ውን ኣብ ዩቲዩብ ተሰኒዶም ካብ ዝረኸብናዮም ገለ ደርፍታትን ስነ ቃላትን ፃህያይ ነዚ ስዕብ ይመስሉ:-

ኣብ ልፍንቲ ወይ ወፈራ ንጉሆ ፃሕያይ ኣብ ዝጅምሩሉ ግዜ፤ “ሶኒየ ሶኒየ፤ ልሶኒዶ ኣለዎ ዋዛየ”ብምባል እናተቀባበሉ ዝደረፉ ኮይኖም እዚ ድማ ኣብ እዋን ፅሕያይ ሶኒ መጀመርያ ናይ ስራሕ መዓልቲ ስለዝኾነት ብዋዛን ፈዛዛን ክትባኽን ከምዘይብላን ጠንኪሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም ምስ ስርሖም እናተዘናግዑ ቁምነገር ዘሕልፍሉ መልእኽቲ ‘ዩ።

ብሕብረት ኣብ ዝፅሕይሉ እዋን ሓደ ሰብ ንድሕሪት ከይተርፍን ብቅልጡፍ ስርሑ ንክውግን ምእንቲ ብሓውሲ ፀወታ ቀልዲ ኣቢለን እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ከምዚ ክብላ ይደርፋ፤ “ኣያ መሪባቦ መሪባቦየ ወንበር ስረኻ ማይ ሰረቦ” ብምባል ካብቲ ብቅልጡፍ እናፀሃየ ዝኸድ ዘሎ ሰብ ኮፍ ኢልካ ንድሕሪት ብምትራፍካ ስረካ ማይ ሰሪብዎ በስቢሱ ብምባል ስራሕቶም ብቅልጡፍ ንክሰርሑ ዘነቃቅሓሉ ሓደ ደርፊ ወይ ስነቃል ፃህያይ ‘ዩ።

ካሊእ ፃህያያት ከም ዓይነቶም ባህርይኦምን ዝተፈላለዩ ኮይኖም ከከም ከባቢኡ ድማ ብብዝሓት ዝርክብሎም ዝተፈላልዩ ኣስማት ክህልዎም ይኽእል ‘ዩ። ከም ኣብነት ኩርንታዕ፣ ድገለ፣ ቋቁመ፣ ምንጫዕ፣ ምጩቃ፣ ጎሳዕማይ፣ዃዂቶ፣ ሸምባእታ፣ ምጉያ፣ ጎንጨ፣ ትሓግን ክርዳድን ዝኣምሰሉ ካብ ብዙሓት ውሕዳት ‘ዮም።

ካብ ‘ቶም ፃህያያት ከከም ባህርያቶም ሓደ ሓዲኦም ንመፅሃይ ኣፀገምቲ ብሙዃኖም ከምዚ ክብሉ ‘ውን ይደርፍሎም ‘ዮም። “ምንጩቃ ሰብ ዘይብለይዶ መሲልካ ድሮካ ወዲአካ”፤ “ድገለ ሓው ዘይብለይ ዶ መሲልካ ነዓማ ከሪአካ” ብምባል፤ ነዞም ብቀሊሉ ንምፅሃይ ዘፀግሙ ፃህያያት ብውልቀ ዝኸብዱ እንተኾነውን ብሕብረት ወገኖም ከምዘይኸብዶምን ብምትሕብባር ብቀሊሉ ክስርሑ ከምዝከኣል ዘመላኽት ‘ዩ።

ብዕማም ወይ ብተርታ ኣብ ዝፀሓየሉ ግዘ ብሓደ ገፅ ብዙሕ ደስ ዘይብል ስራሕ እንተተሰሪሑ ወይ ክስተኻኸል ዝግባእ ስራሕ እንተሓልዩ ከምዚ ይብሉ “እዚ እንዳመን እንዳዙርጦ፤ ዙርጦ መን ባዕለይ ይፈልጦ ባዕለይ ይፈልጦ” እናበሉ ብምድራፍ ፅርየትን ቅልጣፈን ዘለዎ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ መልእኽቲ እናሕለፉ ናብቲ ብድሕሪት ዝተረፈ ዕማም ብምኻድ ኩሉ ብሕብረት ብምውዳእ ሓዱሽ ዕማም ይጅምሩ።

ርፍድፍድ ኢሉ ቁርሲ ቆሪሶም ስዋ ሰትዮም ናብ ስርሖም እንትምለሱ ድማ ከምዚ ክብሉ ይደርፉ፤ እቲ ስዋ ፅቡቅ እንተኾይኑ “ስዋኺ ስዋ መማህርየ ልሓመመ ይምሕርየ” ብምባል ነታ ዘዳልወት ትንኣድ ትውደስ ፤ እቲ ስዋ ብዙሕ ዘይጥዕም እንትኾይኑ ከኣ “ስዋስ ፆሚቃቶ ማይ በሪሓቶ” ፤ “እንቅዓ ቡቅሊ ሸሓነ እኽሊ” ብምባል ይድረፍ።

ናብ ኣጋ ምሽት እንትቃረብ ድማ ፀሊሚቱና ስደዱና ንምባል “ዛግራየ መሬት ምሸየኪ ንዒ ኣንኮልኩሊ” ይብሃል። ዛግራ ኣብ ፀልማት ምኻድ ስል ዝት ፅገም ይመሽየኪ ኣሎ ተሎ ናብ መሕደሪኺ ኪዲ ብምባል ይመሺ ከምዘሎ ነቲ በዓል ዋና ንክሰዶም ይገልፅሉ።

ብሓፈሻ ብስነቃላት እናዋዘዩ እናዝናንዩ ብዙሕ ቁምነገር መልእኽታት ዘሕልፍሉ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ሕብረቶም፣ ሓድነቶምን ምትሕግጋዞምን ዝገልፁሉን እቲ ዝሓርስዎ ግራት ድማ ፀህያይ ከይበልዖ ተሓባቢሮም ብግቡእ ንክፅሃይን ብምግባር ካብ ሕርሽኦም ትፅቢት ዝግበሉ ፍርያት ንክሓፍሱ የኽእሎም ‘ዩ። ስለዚ እዚ ፅቡቅ ልምዲ ኣብዚ እዋን ኣብ ፃህያይ እኽሊ ጥራሕ ዘይኮንስ ኩሎም ሕመቃትና ካብ ምእላይ ጀሚሩ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብ ዘድልዩና ኩሉ ክንጥቀመሎም ዝግባእ ፅቡቅ ባህሊ ‘ዩ እሞ ከንዕቅቦ ይገባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You