ዝኽሪ ኣሰር “ሉሲ”ን ሓድጊ መልካ ቁንጡሬ ባልጪትን

ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ፣ ጥንታዊ ስልጣነ፣ ባህልን ታሪኽን ዘለዋ ኮይና ብዛዕባ ጥንታዊ ስልጣነ ዝገልፁ ኣብ ልዕሊን ትሕትን ምድሪ በዙሓት መረዳእታታት ዝርከበላ ‘ያ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ካብ ዝረከቡ ጥንታዊ ሃፍቲታት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ምሰቲ ዘለዋ ባህላዊ፣ ታሪኻውን ተፈጥራውን ሃፍቲ ተኣሳሲሩ ክለምዕ ዝግበኦ ሰፊሕ ሃፍቲ ቱሪዝም ኣለዋ።

ከምዝፍለጥ ቱሪዝም ኣብ ምድንፋዕ ዓቕሚ ምጣነ ሃፍቲ ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ግደ ኣለዎ። ቱሪዝም ንሓንቲ ሃገር ዘለዎ ኢኮኖሚያውን ማሕበራዉን ረብሓ ‘ውን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዛ ሃገር ብደቂ ወፃኢ ይኹን ብደቂ ሃገር ዓቢይ ናእዳን ኣድናቖትን ክብሪን ዝተለገሶም ብዙሓት ሓድግታት ይርከቡ ‘ዮም። ቀሊል ዘይብሃሉ ባህላዊ፣ ታሪኻዊን ተፈጠሮኣውን ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ኣብ መዝገብ ዩኒስኮ ‘ውን ተመዝጊቦም ይርከቡ ‘ዮም።

እዞም ሓድገታት በፃሕቲ ዓዲ ንምስሓብ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎም:: እዞም ሓድግታት እዚኦም ስልጣነ ቐዳሞት ወለዲ ገሊፆም ዘርእዩ ‘ዮም። ነዚ ሓቂ ዘጠናኽር ድማ ቦታ ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን መልካ ቁንጡሬ ባልጪት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ሓድጊ ዓለም ብምዃን ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገረ ህንዲ ከተማ ኒው ዴልሂ ዘተኻየደ መበል 46 ዓመታዊ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓድጊ ዩኔስኮ ቦታ ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን ባልጪት ሰለስተ መለክዒታት ብምምላእ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ:: እቲ ቦታ ሓድጊ ዓለም ንኽኸውን ካብ ዘብቅዑዎ መለክዒታት ሓደ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ክሳብ ናይ መወዳእታ ዘበነ እምኒ ወዲ ሰብ

ይጥቀመሎም ዝነበሩ ናይ እምኒ መገልገሊ ዝርከቡሉ ምዃኑን ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሓድጊ ኣካላት ሰብን እንስሳትን ብበዝሒ ዝርከቡሉ ቦታ ብሙዃኑ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ:: ሚንስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ነቲ ጉባኤ ኣብ ዝለኣኽኦ መልእክቲ እዚ ቅርሲ ዝተመዝገበሉ እዋን ሉሲ ዝተረኸበትሉ መበል 50 ዓመት ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ምዃኑ ንሃገርና ዓብይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብመግላፅ፤ እቲ ሓድጊ ተሓሊዩ ንክፀንሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን ‘የን ::

ከምዝፍለጥ ብሳይንሳዊ ሹማ ‹‹ኣውስትራሎፒቲከስ ኣፋራንሲስ›› ብዝብል እትፍለጥ 3.2 ሚሊዮን ዓመት ዕድመ ዘለዋ ኣሰር ሉሲ ዝተረኸበሉ መበል 50 ዓመት፤ “ፍርቂ ሚኢቲ ዓመት ምርካብ ድንቅነሽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሙሉእ ዓመት እናተኸበረ ‘ዩ ዝርከብ:: ነዚ በዓል ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝመፅኡ ልዕሊ 200 ዓለም ለኸ ሳይንቲስታት ኣብ ዘተፈላለዩ መስሕባት ዑደት ኣሳሊጦምን የሳልጡን ኣለው።

ነዚ ዝኽሪ በዓል ምኽንያት ብምግባር ‘ውን ማሕበር ፖለንትሮፖሎጂስት ምብራቅ ኣፍሪካ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ እንትኾን፤ ሉሲ ወይ ድንቅነሽ ምርካባ ናይ ኢትዮጵያን ምድሪ ቀዳሞትነት ንዓለም ዘብሰረን መፅናዕቲ ኣመፃፅኣ ወዲሰብ ትኹረቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበረ ተርእዮ ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ::

ናብ ጉዳይ ሓድገታትና እንትንምለስ፤ መልካ ቁንጡሬ ባልጪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቡታጂራ ኣብ ዝወስድ መንገዲ 50 ኪሎ ሜትር ርቀት ኣብ ደንደስ ሩባ ኣዋሽ ዝርከብ እንትኾን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ካብ ዘመዝገበቶም ቋወምቲ ዝድህሰሱ ቅርስታት መበል 12 ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ::

ቅድም ኢሉ ‘ውን ከምዝፍለጥ ዩኔስኮ ከሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዘይድህሰሱ ሓደገታት መዝጊቡ ‘ዩ:: ካብዚኦም ድማ፤ ካብ ከውሒ ተፈልፊለን ዝተሰርሓ ውቕር ኣብያተ ቤተክርስትያን ላሊበላን ሃገራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ኣብ 1978 ተመዝጊቦም። ኣብ 1979 ቀፅሪታት ፋሲልን ካልኦት ሓወልቲታት ጎንደር፤ ኣብ 1980 ሓወልቲታት ኣኽሱም፣ ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ፣ ትኹል ኣእማን ጢያታትን ኣርኪኦሎጂ ቦታት ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኦሞን ተመዝጊቦም።

ብድሕሪኡ ጥንታዊ ከተማ ጆገል ሃረር ኣብ 2006 ከምኡ’ውን ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ኮንሶ ኣብ 2011 ዝተመዝገቡ ቅርስታት ኢትዮጵያ ኮይኖም፤ ኣብዚ ዓመት 2016 ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን መልካ ቁንጡሬ ባልጪት ሓዊሱ ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦን ጎቦታት ባሌን ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም ተመዝጊቦም ‘ዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 47 ሃገራት ኣፍሪካ 147 ዝተመረፁ ሓድግታት ኣብ ሓድጊ ዓለም ዝተመዝገቡ እንትኸውን ካብዚኣቶም ኢትዮጵያ 12 ሓድግታት ብምምዝጋብ ኣብቲ ኣህጉር ግደ መሪሕነት ከምዝሓዘትን ካብ ኢትዮጵያ ቀፂላ ደቡብ ኣፍሪካ 10፣ ቱኒዚያን ሞሮኮን ሕድሕደን 9 ዘይድህሰሱሓድጊታት ከምዘመዝገባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ::

ኣብረሃ ሓጎሰ

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You