‹‹ህዝቢ ንህወሓት ክቃለሶን ንስኻ ራዕዳዊ ኢኻ ኣይትመርሐናን ክብሎ ኣለዎ›› ኣይተ ሙዑዝ ገብረሂወት

ኣይተ ሙዑዝ ገብረሂወት (ኣምባሳደር ሰላም) ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ወፃኢ ኮይኖም ተሓላቒ መሰል ደቒሰባት እዮም። ምስ ዝኾነ ፓርቲ እንተይወገኑ ኣብ ደቒ ሰባት ዝፍፀሙ በደላት ብፍላይ ኣብ ዝሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቚልውላው ስዒቡ ደቒ ሰባት መከራን ግፍዕን እናበፅሖም ምስ ዝርከብ ፣ ነዞም ግፍዒ ዝበፅሖም ዘለዉ ደቒ ሰባት ተቖርቋሪ ብምዃን ዝካኣሎም እናሰርሑ ይርከቡ። ብፍላይ ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቒ ሰባት ዝበፅሕ ዝነበረን ሕዚ ‘ውን ዝቕፅል ዘሎ ካብቶም ኣጥቢቖም ዝሕለቑ ኣካላት ሓደ እዮም። እምበኣርከስ ኣብ ትግራይ ምስ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ብዝምልከት ከምኡ ‘ውን ካልኦት ተተሓሕዝቲ ሕቶታት ኣልዒልና ምስ ኣይተ ሙኡዝ ፃኒሕት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ክህሉ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ሙዑዝ፡– መንግስቲ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ክኣቱን ህዝቢ ‘ውን ተረጋጊዑ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ውድብ ፈልዩ ክፈልጥ በይናዊ ኵናት ጠጠው ምባል ምውሳኑ ፅቡቕ እዩ፤ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዝናኣድ ተግባር እዩ። ኮይኑ ግና ብወገን ህወሓት ተመሳሳሊ ውሳነ ኣይተወሰነን። ህወሓት ናይ ሰላምን ወይ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ኣዝማምያ ኣይንሰምዕን ዘለና። እኳዳኣስ ፈኸራታት ኢና ንሰምዕ ዘለና። እናፈከርካ ድማ ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን እዩ። ትግራይ ብዙሕ ኵናት ኣሕሊፋ እያ። በዚ መሰረት ተጎዲኣ እያ ዘላ። እቲ ቐንዲ ጉዳይ ዘላቒ ሰላም ክርከብ እንተኾይኑ ተቐራሪብካ ምዝርራብ እዩ ዘድሊ። እንተዘይኮይኑ ብህልኽ ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን። ህወሓት ስኽን ኢሉ ብምሕሳብ ናብ ቐልቡ ክምለስ እዩ ዝግበኦ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ተዅሲ ጠጠው ምስ ምባል ስዒቡ ሰራዊቱ ስለ ዘውፀአ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ካኢድ መንግስቲ ወፃኢ እዩ ዘሎ። ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ ይብሉ?

ኣይተ ሙዑዝ፡- ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ምስ ለቐቐሉ ስዒቡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ተቖፃፂርዎ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። በዚ ስዒቡ ኣባላት ብልፅግና ወይ ደገፍተይ ኣይነበርኩሙን እናበለ ብዙሕ ግፍዒ እናፈፀመ እዩ ዘሎ። ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ንዘለዉ ንህወሓት ዝቓወሙ ኣካላት ባንዳታት እዮም ብዝብል ምስ ህዝቢ ትግራይ እናፃልእዎ እዮም ዝርከቡ። እንተኾይንሎም ‘ውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ብናቶም ኣባሃህላ ባንዳ ኢሎም ዝፅውዕዎ ንምቕታል ሙኮራ እናገበሩ እዮም። ኣነ ንባዕለይ ብስልኪ እናደወሉ የፋራርሑኒ ኣለዉ እዮም።

ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ዝተወለዐ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓብዪ ፀገም እዩ ዘሎ። መንግስቲ ሓረስታይ ትግራይ ክሓርስ ኢሉ ምስ ምውፅኡ ስዒቡ ህወሓት ብዙሓት ሰባት ይኣስር፣ ይቐትል ኣሎ እዩ። ኣብ ከባቢ ራያ ፌዴራል ምክልኻል ይመለሰልና ብምባል ሰልፊ ወፂኦም እዮም። ፌዴራል ወታደር ዝነበረለን ከባቢታት ንፌደራል ትሕግዙ ነይርኩም ኢኹም እናተባህለ ብዙሕ ሰብ ብግፍዒ ተቐቲሉ እዩ። ብዙሕ ሰብ ብራያ ገይሩ ናብ ክልል ኣምሓራ ይስደድ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብኡ እንተፀኒሖም ጁንታ ህወሓት ኣባላት ብልፅግና ነይርኩም ኢኹም እናበለ ክቐትሎም ዝኽእል ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ እዮም።

ብኻሊእ ወገን ‘ውን ብዛላምበሳ እናገበረ ናብ ኤርትራ ይስደድ ኣሎ እዩ፤ ብሑሞራ ዘሎ ህዝቢ ናብ ጎንደር ይኣቱ ኣሎ ፤ ንዓፋር ዝቐርቦ ‘ውን ናብ ዓፋር እናኣተወ ከምዘሎ ኣብ ወሰና ወሰን ዘለዉ ሰባት ደዊሎም ኣረጋጊፆምልና እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሐዝን ኩነታት እዩ ዝኒሀ። ተጨናኒቑ እዩ ዘሎ። ጁንታ ብዙሓት ሰባት ምስ ምክልኻል ሃገር፣ ብልፅግና ወይ ምስ ካሊእ ፓርቲ ነይርካ ኢኻ እናበለ ይኣስሮምን ይቐትሎምን ኣሎ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ከም ዓዲግራት፣ ኢሮብ፣ ተንቤን፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱም፣ሽረ፣ መቐለ ብፍላይ ከባቢ እንደርታን ራያን ብዙሓት ሰባት ይቐትል ነይሩ እዩ፤ሕዚ ‘ውን ይቐትል ኣሎ እዩ።

ኻሊእ ጉጅለ ካብ ምእሳርን ሞትን ዝተረፈ መንእሰይ ንኸጋድልዎ ይገፈፍዎ እዮም ዘለዉ። ብፍላይ ፌዴራል ምስወፀ ኣብ ትግራይ ፀልማት እዩ ዘሎ። እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ፤ ኣብ ትግራይ ክለዓል ዘይነበሮ ኵናት እዩ ተላዒሉ። ህዝቢ ትግራይ 17 ዓመት ኣብ ኵናት እዩ ነይሩ። ካብኡ ቐፂሉ ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብዙሕ ሰብ ሃሊቑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ወሰን ኤርትራ ዝርከባ ዓድታት ከም እኒ ኢሮብ፣ ባድመን ራማን ዝመሳሰላ ፈሪሰን እየን ነይረን። እቲ ዝገርም ድማ ኢትዮጵያ ካብ እትፍጠር ጀሚራ 30 ዝኸውን ኵናት ኣካይዳ እያ፤ ካብዚ እቲ 27 ዝኸውን ኣብ ትግራይ እዩ ተኻይዱ።

ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ክንዲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተስማዕሚዖም ምንባር ለውጢ ኣይቕበልን ብምባል መናእሰይ እናመልመለ ናብ ኵናት ክኣትዉ እዩ ገይሩ። ህዝቢ ትግራይ ብናፃነት ከይንቐሳቐስ ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ፖለቲካዊ ኣካይዳ ቖሪኖሞ እዮም። ህወሓት ኣብ ከባቢኦም ምስ ዘሎ ኩሉ ህዝቢ እዮም ተፃሊኦም።

ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሓለፉ ውግኣት ኣብ ዝባኣሰ ኩነታት እዩ ዝርከብ። ህወሓት ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ትግራይ ኵናት ክኸፍተሉ ኣይግባእን ነይሩ። 17 ዓመት ደቑ ኣወዲኡ እንደጋና 27 ዓመት ንህዝቢ ትግራይ ምንም ከይሰርሐሉ ሕዚ ናዓ መሊስካ ናብ ውግእ እተው ማለት ዓብይ ጌጋ እዩ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 3ሺሕ ዳስ ቤት ትምህርትታት ኣለዋ እየን። ንሕና ነዚ ንምፍታሕ ኢልና ልዕሊ 150 ሚልዮን ብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይና ካብ ብሄር ብሄረሰባት ኣዋፂና ልኢኽና ኢና። ሕዚ ትግራይ ብህወሓት ምትሓዛ ናብ ፀልማት እያ ኣትያ እምበር ብርሃን ኣይኮነትን ረኺባ ዘላ።

ኣብ ትግራይ ሰላምን ሓገዝን ክህሉ፣ ተምሃሮ ክመሃሩ፣ ሕክምና ክህሉ፣ ሓረስታይ ክሓርስ፣ ነጋዳይ ክነግድ ምእንቲ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ሰላም ክፈጥር ኣለዎ። ፌዴራል መንግስቲ ውግእ ጠጠው ክብል ምግባሩ ዓብዪ ነገር እዩ። ንሬድኤት ተባሂሉ ዝኸድ ዝነበረ እኽሊ ናብ ህወሓት ይኸድ ነይሩ እዩ። ከምኡ ‘ውን ሓደ ሓደ ኣካላት ሰሪቖም ይሸጥዎ ነይሮም እዮም። መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ተጎዲኡ ብምባል ሓገዛት ይልእኽ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ምዓልኡ ኣይውዕልን ነይሩ ሓቢኦም ካብ ምሻጥ ሓሊፎም ንቤተሰቦም ይዕድልዎ ነይሮም እዮም።

ወጋሕታ፡- ከም ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰል ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ እትፃወትዎ ዘለኹም ግደ እንታይ መስል?

ኣይተ ሙዑዝ፡-ትግራይ ዓድና እያ፤ ተወሊድናላ ኢና፤ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነት ግፍዕታት ክበፅሕ እንተሎ ይስመዐና እዩ። ማንም ሰብ መሰሉ ክጋሓስ እንተሎ ይስመዐካ እዩ። ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ዘይምዕሩይ ፖለቲካ ብዙሕ ነገር ተባላሽዩ እዩ። ብሚልዮናት ዝኣኽሉ ሰባት ካብ መረበቶም ተማዛቢሎም እዮም። ብዙሓት ሰባት ሃፍቶም ዓንዩ ናብ ድኽነት ተሳጢሖም እዮም።

ኣነ ናይ ዝኾነ ኣባል ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣይኮንኩን። ምስ ካልኦት ከማይ ዝበሉ ኣካላት ብዛዕባ መሰል ደቒ ሰባት ዝቑርቖሩ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ። እዚ ክሰርሕ እንተለኹ ዘጥፈአ መንግስቲ ወይ ካሊእ ኣካል እንትህሉ ተጥፍእ ኣላኻ ኣስተኻኽል እየ ዝብል። ፓርትታት ይኹኑ ግለ ሰባት ንህዝቢ እንትጎድኡ እንተለዉ ንህዝቢ ትጎድኡ ኣለኹም ኣስተኻኽሉ እናበልና ክስተኻኽሉ ንገብር ኢና። እቶም ፅቡቕ ዝሰርሑ ኣካላት ድማ ፅቡቕ ኣለኹም ብኡ ቐፅሉ ንብሎም። በዚ መልክዕ ንሕና ሓላፍነትና እናተዋፃእና ኢና ንርከብ። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ከይባኣስ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መናእሰይ፣ ዓባይቲ ዓዲ፣ ደቒ ኣንስትዮ፣ ማሕበራት ሲቪክን ካልኦትን ኮይና ንሰርሕ ኣለና ኢና። ህዝቢ ከይባኣስ ብዙሕ ንሰርሕ ኣለና ኢና፤ ንሕና ንሕዞ ገንዘብ ዋላ ኣይሃሉ ካብ ኣምሓራ ይኹኑ ትግራይ ከምኡ ‘ውን ካብ ካልኦት ክልላት ዝተማዛበሉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብዙሕ ስራሕቲ ንሰርሕ ኣለና ኢና። ቕድሚ ኵናት ‘ውን ብዙሕ ስራሕቲ ንሰርሕ ነይርና ኢና።

ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ብኸመይ ክቕረፍ ይኽእል ይብሉ?

ኣይተ ሙዑዝ፡– እቲ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ መንግስቲ ንግዚኡ ዋላ ኵናት ጠጠው ምባሉ ፅቡቕ ኮይኑ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ኣብ ደስ ዝበሎ ግዜ ኣትዩ ከረጋግዕ ይኽእል እዩ። ነዚ ኩነታት እዚ መንግስቲ ኣትዩ ጠጠው ተዘየቢልዎ ካሊእ ጠጠው ከብሎ ኣይኽእልን። ኮይኑ ግና እዚ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝግደፍ ሓላፍነት ኣይኮነን። ህዝቢ ባዕሉ ንህወሓት ክቓለሶ ኣለዎ። ንስኻ ራዕዳዊ ኢኻ ኣይትመርሐናን ክብሎ ኣለዎ። ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክቓለሶ ኣለዎ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ኵናት እዩ ዘእትዎ ዘሎ እምብር ኣይጠቅሞን ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ከምዘይተጠቅሞ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮታቱ ይፈልጥ እዩ።

መጀመርታ ህዝቢ ሰላም ፍጠሩ ኢሉ ክመኽሮም ኣለዎ፤ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተዓረቑ፤ ንሕና ሰለም እምበር ኵናት ኣይንደልይን ክብሎም እዩ ዝግባእ። ነዚ ዘይሰምዑ እንተኾይኖም ህዝቢ በዓሉ ሒዙ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ መንግስቲ ተናቢቡ ክሰርሕ ይግባእ። ከምዚ እንተኾይኑ እዩ እቲ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕታት ጠጠው ክብል ዝኽእል ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ህፃውንቲ ንውትህድርና እናመልመለ ናብ ውግእ የእትዎም ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እስቲ የካፍሉና?

ኣይተ ሙዑዝ፡- ህፃን ናብ ቤት ትምህርቲ እዩ ክኸድ ዝግበኦ’ምበር ናብ ኵናት ምእታው ጌጋ እዩ። ጌጋ እዩ ጥራሕ እንተይኮነ ገበን’ውን እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ሓቂ እዩ፤ ህፃናት ናብ ውግእ ክኣትዉ ምግባር ክኸውን ዘይግበኦ ብዓለም ለኸ ዝተኸልከለ ገበን እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ከባቢ ወርሒ ጥቕምቲ ዶክተር ደብረፅዮን ህፃን እንተይተረፈ ናብ ኵናት ክስለፍ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ስለዚ እዚ ወረ እንተይኮነስ ሓቒ ዝተመልኦ ጉዳይ እዩ። ነዚ ህወሓት ኣይገብሮን ከትብል ኣይትኽእልን። እዚ ሰይጣናዊ ተግባር ህወሓት እዩ። ህፃናት ናብ ኵናት ክስለፉ ምግባር ብዓለም ዝተኸልከለ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ንስልጣኑ’ምበር ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ እዩ ዘሪአካ።

ወጋሕታ፡- ኣብ 1977ዓ.ም ዕጥቓዊ ቓልሲ ህወሓት ካብ ወፃኢ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝመፅእ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ሸይጡ ኣፅዋር መግዝኢ ይውዕሎ ነይሩ እዩ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። ኣብዚ ዝፈልጥዎ ታሪኽ እንተሃልዩ እንተዝነግሩና። ከምኡ ‘ውን ሕዚ ዝኸድ ዘሎ ሓገዝ ኣብ መዓልዑ ይውዕል ዶ ይህሉ ምስ ዝብል ኣታሓሒዞም ተዝገልፁልና?

ይተ ሙኡዝ፡- ኣነ ናይ ህወሓት ታሪኽ እፈልጦ እየ፤ ኣብቲ ሻቡ እዋን ‘ውን እንተኾነ ኣመራርሓ ህወሓት ህፃናት ናብ ኩናት ክኣትዉ እናገበሩ ንባዕሎም ኣብ በዓቲ ኮይኖም ውስኪ እዮም ይሰትዩ ነይሮም። ኣይተ ገብረመድህን ኣርኣያ ዝባሃል ምስኦም ተጋዳላይ ዝነበረ ሕዚ ኣብ ወፃኢ ዝነበር፤ ተዛሪቡ እዩ፤ ንሱ ከምዝብሎ ንሓገዝ ህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀእ ዝነበረ እኽሊ እናሸጡ ኣፅዋር መግዝኢ የውዕልዎ ነይሮም እዮም።

ሕዚ ንሓገዝ ህዝቢ ተባሂሉ ዝኸይድ ዘሎ እኽሊ ድማ ናብ ወተሃደር እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብፍላይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ መቐለ ገዲፍዎ ዝመፀ እኽሊ ሕዚ ናብ መሰልጠኒ ወትሃደር እዮም ዝወስድዎ ዘለዉ። ካብ ሓደ ቐበሌ 50 ዝኾኑ ህፃናት ኣገዲዶም ናብ ስልጠና ይወስድዎም ኣለዉ እዮም፤ እቲ ሓገዝ ድማ ናብ ከምዚኦም እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ ሓበሬታ ኣለኒ እዩ ሕዚ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ እኽሊ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ወትሃደራት እዩ ዝኸድ ዘሎ። እዚ ድማ ሕማቕ ባህሪ ህወሓት እዩ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ዝተመዛበለን ዘይተመዛበለን ኩሉ ተፀጊሙ እዩ ዘሎ። ኮይኑ ግና ህወሓት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ምዕዳል መሊሱ ንግብረ ራዕዲ ዘሰልጦኖም እዩ ዝዕድሎ ዘሎ። ከምዚ ምግባሩ ክንደየናይ ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ እዩ ዘሪአካ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ እዩ፤ ሕዚ ድማ ጠቕላላ መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልኪ፣ ጠሓኒት ብሓፂሩ ግልጋሎት ህዝቢ ዝባሃል ነገር የለን ዘሎ። ስለዚ እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑኑ ቅድሚ ኩሉ ሰላም ስለ ዘድሊ ህወሓት ናብ ሰላም ክመፅእ ኣለዎ እየ ዝብል።

ወጋሕታ፡-መንግስቲ በይናዊ ኵናት ጠጠው ክብል ምውሳኑ ንሃገር ብፍላይ ድማ ንትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሙዑዝ፡- መንግስቲ ፌዴራል ውግእ ጠጠው ምባሉ ብኣወንታዊ ጎኑ እየ ዝሪኦ። ኮይኑ ግና ብሓደ ወገን ጥራሕ ውግእ ጠጠው ክብል ስለ ዘይኽእል ህወሓት ‘ውን ኣብዚ ሓሳብ እዚ ክሰማዕማዕ ኣለዎ። ህወሓት 7 ነጥብታት ኣቐሚጡ ኣሎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ናይ ባዕሉ ነጥቢ ይህልዎ እዩ።

 መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ዝናኣድ እዩ ምኽንያቱ ውግእ ዓዕናዊ ሃገር እዩ፤ ናይ ሃገር ኢኮኖሚ እዩ ዘባኽን። ብዙሕ ሂወት ሰብ ይጠፍእ ኣሎ እዩ። መንግስቲ ናይ ውግእ ድሌት የብሉን ህወሓት እዩ ናብዚ ጎቲቱ ክኣቱ ገይርዎ።

እዚ ኵናት እዚ ናይ ሃገር ሃፍትን ሂወት ደቒ ሰባትን ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ኣብ ደቒ ሰባት ዓብዩ ቅርሕንቲ እዩ ዝፈጥር ዘሎ። ብፍላይ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ትግራይ ይካየድ ምስ ምህላዉ ተተሓሒዙ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ፀገም የኽትል ስለዘሎ ጠጠው ምባሉ ህዝቢ ተረጋጊዑ ናብ ስርሑ ንኽዋፈር ዝሕግዝ እዩ። ብፍላይ እዋን ክረምቲ ብምዃኑ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ጥሜትን ፀገምን ከይቓላዕ ሓረስታይ ክሓርስ ኣለዎ፤ ካልኦት ስራሕትታት ‘ውን ክሰርሑ ይሕግዝ እዩ። ስለዚ ኵናት ጠጠው ምባል ከም ሃገር ይኹን ከም ክልል ትግራይ ዓብዪ ረብሓ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ብውግእ ዝፍታሕ ፀገም የለን።

መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ሰብኣዊ ሓገዝ የቅርብ ኣሎ እዩ። ንኣብነት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 100 ቢልዮን ብር ወፃኢ ገይሩ እዩ። እዚ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ናይ 10 ዓመት በጀት ትግራይ እዩ። ለገስቲ ሃገራት ሓገዝ ክነቅርብ ኢና ክብላ እንተለዋ ‘ውን መጓዓዝያ ኣየር ፈቒዱ እዩ። ሓገዝ ክኣቱ እንተሎ ግና ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ኣለዎ እዩ።

ወጋሕታ፡- ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ኩነታት ትግራይ ሒዞሞ ዘለዉ ቕዋም ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ሙዑዝ፡– ዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊ ክኣቱ የብሉን፤ ዝኾነ ኣካል ንኢትዮጵያ ጎዲኡ ማለት ንትግራይ ‘ውን ጎዲኡ ኣሎ ማለት እዩ፤ ምኽንያቱ ትግራይ ሃገር ኣይኮነትን ኣካል ኢትዮጵያ እያ። ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ብባዕላ ከትፈትሕ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ። ንኢትዮጵያ ማዕቐብ ምግባር ንትግራይ ‘ውን ማለት እዩ። ኢትዮጵያ ተጎዲኣ ማለት ትግራይ ‘ውን ተጎዲኣ ኣላ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና ነንባዕልትና እንተተስማዕሚዕና ናይ ደገ ማዕቀብ ምንም ኣይጎድአናን እዩ። ዝኾነት ክልል ኦሮሚያ ወይ ኣምሓራ ንኣሜሪካ ወይ ኣውሮፓ ሓግዝኒ ከትብል የብላን። እዚ ኣካይዳ እዚ ሃገር ናብ ዓዘቕቲ ዝኸትትን ዝበታትንን እዩ።

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተረዲኡ የማሕድር ነይሩ እዩ ዶ ይብሉ?

ኣይተ ምዑዝ፡– ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣግባቡ የማሕድር ነይሩ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ብትኽክል ተዘማሕድር ነይሩ ውፅኢቱ ከምዚ ክኸውን ኣይንኸኣለን ነይሩ። ተዝሰርሕ ነይሩ ትግራይ ሰላም ከትኸውን ነይራ እያ። ካብ ሜዳ ትግራይ ኢና እናበሉ እናደወሉ እኮ የፋራርሑናን ይሕነዩልናን ኣለዉ እዮም። እዞም ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ኣብ ሆቴል እዮም ኮፍ ኢሎም ነይሮም፤ እቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ እማ ሞይቶም እኮ። ናይ ስራሕ ዕላማ ዝነበሮም ተሰዊኦም እዮም። ዘይከሓድ ዝተወሰነ ሰሪሑ እዩ። ግና ውፅኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ኣይሰርሐን። ኣብ ክንዲ ንህወሓት ንዓና እናወቐሰ እዩ ዝውዕል ነይሩ። ህወሓት ኣሸባሪ እዩ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልትጥን። ንሕና ከንቓለስ እንተለና ኣፅቒጡ እዩ ነይሩ። እኳደኣስ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ ትግራይ ምስከደ እዩ መንእሰይ ናብ በረኻ ኣትዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡኒ መብርሂ የቕንየለይ።

ኣይተ ሙዑዝ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You