ፅጌ ዱጉማ ብ800 ሜትሮ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዚጊባ

 

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ መድረኽ ብኽልቲኦም ፆታታት ብ800 ሜትሮ ፍፃመ ኣብ ሜዳልያ ውሽጢ ዝኣተወትሉ ታሪኽ የለን:: ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብቲ ርሕቐት ኣብ ታሪኽ ንሜዳልያ ተሪፉ ንፍፃመ እንትውዳደሩ ‘ውን ዝተለመደ ኣይኮነን:: ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ግን መንእሰይ ፅጌ ዱጉማ እዚ ታሪኽ ኣብ ፓሪስ ክትቕይር ክኢላ ‘ያ::

ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትሮ ፍፀመ ፅጌ ዱጉማ 1፡57፡15 ዝኾነ ናይ ውልቀ ፈጣን ሰዓት መበል ካልኣይ ኾይና ብምዝዛም ኣብቲ ታሪኽ እቲ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ናይ መጀመርታ ሜዳልያ ዝረኸበት ኣትሌት ኾይና ‘ያ:: ወርቂ ዘምለጣ ‘ውን ናይ ቅሩብ ናይ ቴክኒክ ስሕተት ‘ዩ::

ከም መጀመርያ ተሳትፎ ኦሎምፒክ ግና እቲ ውፅኢት ዓብይ ኣድናቖትኣርኪቡላ ‘ዩ:: ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ናይ ጥሩነሽ ዲባባ ኣትሌቲክስ መሰልጠኒ ፍረ ከምኡ ‘ውን ናይ ክለብ ንግዲ ባንኪ ኣትሌት ‘ያ:: ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2017 ብኣልጀርያ ኣዳላውነት ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ሃገራ ብምውካል ብ200 ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ምስዓር ክኢላ ‘ያ::

ብ400 ሜትሮ ድማ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ብተኸታታሊ ኣብ ኢትዮጵያ ቻምፒዮና ባዓልቲ ዋና ሜዳልያ ብምዃን ፀኒሓ ‘ያ:: ብ800 ሜትሮ ናይ መጀመርታ ውድድራ ኣብ ቤልጄም ብምግባር ብሰዓርነት እንትዛዝም ኣብ ቤልግሬድ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ውድድር ቱር 1፡59፡66 ብዝኾነ ፈጣን ሰዓት ቀዳመይቲ ነይራ ‘ያ::

ኣብ ግላስኮው ናይ ውሽጢ ገዛ ቻምፒዮና ዓለም እቲ ወድድር ተቆፃፂራ ብምጉያይ ናይ መጨረሻ ዙር ብፈጣን ጉያ 2፡ 01፡90 ብዝኾነ ሰዓት ብምስዓር ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ በቲ ርሕቐት ናይ መጀመርያ ሜዳልያ ወርቂ ኣመዝጊባ ‘ያ:: ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ፀወታታት ኣፍሪካ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ ‘ያ:: ኣብ ሎስኣንጀለስ መበል ካልኣይ ኾይና እንትትዛዝም 1፡57፡56 ዝኾነ ናይ ባዕላ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊባ ‘ያ::

ኣብቲ ኦሎምፒክ ጠንካራ ርብዕን ፍርቅን ፍፃመ ውድድራት ዘርኣየቶ ብቅዓት ንመዳልያ ትፅቢት ንክግበረላ ኾይኑ ‘ዩ:: ትፅቢት ዝተገበረሉ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 5ሽሕ ሜትሮ ውድድር ኢትዮጵያ ካብ ሽድሽተ ኦሎምፒክ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ሜዳልያ ወፃኢ ኾይና ‘ያ:: ኬንያውያን ቢትሪስ ቺቤትን ፌይዝ ኪፕዮጎን ተኸታቲለን እንተኣተዋ ‘ውን ኪፕዮጎን ኣብቲ ውድድር ኣብ ማእኸል ምስ ጉዳፍ ኣብ ዝነበራ ምድፍፋእ ውፅኢታ ተሰሪዙ ‘ዩ::

በዚ ድማ መበል ሳልሳይ ኾይና ዝዛዘመት ኔዘርላንዳዊት ሲፈን እቲ ብሩር ወሲዳ ‘ያ:: ዓብይ ግምት ተዋሂብዎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን እጅጋየሁ ታዬ መበል ሻድሻይ ፣ መዲና ኢሳ መበል ሻውዓይ፣ ጉዳፍ ፀጋይ መበል ታሽዓይ ኾይነን ዛዚመን ‘የን:: እዚ ድማ ድሕሪ 24 ዓመት ንኢትዮጵያ በቲ ርሕቐት ትሑት ውፅኢት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ::

ኢትዮጵያ ቅድሚ ኸዚ ብዝተመዝገቡ ውፅኢት ብሓፈሻ 3ወርቂ ፣ 1ብሩርን 5 ነሓስ ካብ ዓለም ቀዳማይቲ ዕውቲ ሃገር ‘ያ:: ኬንያ ብ2 ወርቂ ፣1ብሩርን 5 ነሓስን ተኸታሊት ‘ያ::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You